ብሪጣንያ ምስ ሩስያ ዝተኣሳሰሩ ሰርሰርቲ የስግእዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ሩስያ ዝተኣሳሰሩ ሰርሰርቲ፡ ነቲ ወሳኒ ትሕተ ቅርጺ ብሪጣንያ "ክዘርጕ ወይ ከጥፍኡ" ይጽዕሩ ከምዘለዉ ሚኒስተር ቤት ጽሕፈት ካቢነ ሚኒስተራት የጠንቅቕ።
ኦሊቨር ዳውደን ኣብ መደረኡ፡ እቶም ሰርሰርቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተኵሩ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ይገልጽ።
"ኣብ ቅድመ ግንባር ምክልኻል ሳይበር" ንዝርከቡ ትካላት ንግዲ ዝድግፉ ሓደስቲ ስጕምትታት እውን ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሃገራዊ ማእከል ድሕነት ሳይበር (NCSC) ንኣገደስቲ ትካላት ንግዲ ወግዓዊ መጠንቀቕታ ስግኣት ከውጽእ እዩ።
ሰበስልጣናት፡ ኣብ ቀረብ ጸዓትን ማይን እታ ሃገር ዝተዋፈሩ ዝኣመሰሉ ትካላትን፡ ካብቲ ዝቕልቀል ዘሎ ናይ ሳይበር ሓደጋ ንገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ "ሕጂ ስጕምቲ ክወስዱ" ይመኽሩ ኣለዉ።
ሃገራዊ ማእከል ድሕነት ሳይበር፡ እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝድግፉ ጕጅለታት ሰርሰርቲ ብስነ-ሓሳብ ዝድረኹ ምዃኖም ይገልጽ።
እቲ መጠንቀቕታ፡ እቶም ጕጅለታት "ወግዓዊ ቍጽጽር መንግስቲ ስለዘይግበረሎም" ዝወስድዎ ስጕምቲ ዝግመት ከም ዘይኰነ ዝሕብር እዩ።
"ገሊኦም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ሃገራዊ ትሕተ ቅርጺታት ዝያዳ ዕንቅፋት ክፈጥሩን ኣዕናዊ ጽልዋ ከሕድሩን ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጾም’ዮም" ይብል እቲ ሃገራዊ ማእከል ድሕነት ሳይበር።
"እዞም ጕጅለታት ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ንምፍጣር ዘኽእሉ ዕድላት ክደልዩ ትጽቢት ንገብር፡ ብፍላይ ስርዓታት ድኹም ሓለዋ እንተሃልይዎም።"
ሚስተር ዳውደን ኣብ ቤልፋስት ኣብ ዋዕላ ሳይበርዩኬ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ሰርሰርቲ "ከም ቫግነር" ብምባል ምስቶም ኣብ ዩክረይን ዝዋግኡ ሩስያውያን ዕሱባት ቫግነር የመሳስሎም።
"ነዚ ስግኣት ምግላጽ ቀሊል ኣይኰነን።"
"እዘን ኩባንያታት ነቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ሓደጋ ክርድኣን፡ ንገዛእ ርእሰንን ንሃገርን ንምክልኻል ድማ ስጕምቲ ክወስዳ እንተደሊና ግን ኣገዳሲ እዩ ኢልና ንኣምን።"
ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ወሰንቲ ጽላታት፡ ሸቶታት ጽንዓት ሳይበር ክረኽባን ከምኡ’ውን ኣብ ወሳኒ ትሕተ ቅርጺ ዝሰርሓ ውልቃዊ ትካላት ንግዲ ናብ ጽንዓት ዘለዎ ደረጃ ክበጽሓን ከም ዘለወን እቲ ቻንስለር ዱቺ ኦቭ ላንካስተር ዝዀነ ዳውደን የፍልጥ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ሃገራዊ ማእከል ድሕነት ሳይበር ሊንዲ ካሜሮን፡ ወሳኒ ሃገራዊ ትሕተ ቅርጺ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሰርሰርቲ ክሕሎን "ሰባት ኣብ መጻኢ ከጋጥሞም ንዝኽእል ሓደጋታት ድሉዋት ምዃኖም ምርግጋጽን" ኣገዳሲ ምዃኑ ተጠንቅቕ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ከምዚ ዓይነት ትሕተ ቅርጺ ዓባይ ብሪጣንያ ዕላማ ንምግባር ዝተገብረ ጻዕሪ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ "እቲ ክሳብ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ኣዝዩ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ንጥፈታት'ዩ፡ እንተዀነ ግን ወሳኒ ሃገራዊ ትሕተ-ቅርጽና ብጽቡቕ ክሕሎን ተጻዋርን ክኸውን ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ'ዩ" ኢላ።
ንዓባይ ብሪጣንያ ዒላማ ዝገበሩ ፈተነታት ተራእዮም ድዮም ንዝብል ሕቶ፡ "ገለ ምልክት ንርኢ ኣለና፡ እንተዀነ ናብ ዝያዳ ዝርዝር ክኣቱ ኣይደልን" ብምባል ምላሽ ሂባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







