መኪና ንምውናን ከቢድ ዝኾነላ ሃገር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝተፈለየ ወነንቲ መኪና ሲንጋፖራውያን፡ ብደመ ረሃፀይ ዝዓደግክዋ እንተበሉ ኣየኽፍአሎምን።
ሲንጋፖር ቀረፅ መኪና ኣንቢራ ኣላ። እሞ እዚ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣለዎ? ምባልኩም ኣይተርፍን።
ሲንጋፖር መኪና ንምግዛእ ምስክር ወረቐት ምሓዝ ግድን እዩ ካብ ትብል ዓመታት ተቖፂሮም ኣለዉ። እንተኾነ እቲ መኪና ንምዕዳግ ዘኽእል ምስክር ወረቐት ምርካብ ኣማራፂ ዘይብሉ ምርጫ እዩ። ነዚ ምስክር ወረቐት ንምርካብ ዝኽፈል ገንዘብ ግና ልዕሊ ዋጋ እታ መኪና እዩ።
እታ ሃገር ምስ ዘውፅአቶ መስርሕ ወነንቲ መኪናን ግብርን፡ እዚ ንምስክር ወረቐት ዝኽፈል ገንዘብ እንትውሰኾ፡ ሲንጋፖር መኪና ብኽባር ዋጋ ካብ መንጐ ዝሽየጠለን ሃገራት ዓለም ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
ብዘይ እዚ ምስክር ወረቐት፡ ኣብ ሲንጋፖር መኪና ምውናን ኣይሕሰብን።
እዚ ኣብ 1990 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ተግባራዊ ዝኾነ መስርሕ ምስክር ወረቐት፡ ን10 ዓመት ጥራሕ ዘገልግል እዩ።
ኣብዚ እዋን ዋጋ እዚ ምስክር ወረቐት 106,619 ዳላር ከም ዝበፅሐ እዩ ዝግለፅ ዘሎ። እዚ ከፊልካ እውን እንተተረኺቡ እዩ።
እዚ ምስክር ወረቐት ብጨረታ ስለ ዝሽየጥ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝደለዮ እዋን ብቐሊሉ ክዕድጎ ኣይኽእልን።
እዚ ምስክር ወረቐት በብ ኽልተ ሰሙን ናብ ጨረታ ዝቐርብ እንትኾን፡ ብዝሒ ዝተሸጠ ድማ ብመንግስቲ ቁፅፅር ይግበረሉ።
ሲንጋፖር ነዚ ተሪር መስርሕ ተግባራዊ ዝገበረት፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ምጭንናቕ ትራፊክ ንምንካይ እዩ።
ቁፅሪ ብውልቀ ሰባት ዝውነናን ዋጋ መኪና ክኸብር ምኽንያት ዝኾናን ተሽከርከርቲ ምንካይ እውን፡ ተወሳኺ ዕላማ እዚ መስርሕ እዩ።
ብምኽንያት እዚ ድማ ዋጋ መኪና ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ክባር እዩ። ኣብ ሲንጋፖር ዘሎ ዋጋ መኪና ምስ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ዋጋ ዕዳጋ መኻይን ነነፃፅሮ።
ኣብ ሲንጋፖር ሓዳሽ ቶዮታ ካምሪ መኪና ንምዕዳግ 182,759 ዶላር የድልይ። እዚ ዋጋ ምስክር ወረቐትን ግብርን ዘጣቐለለ እዩ።
ኣብ ኣሜሪካ ግና ቶዮታ ካምሪ ንምዕዳግ፡ ኣስታት 30,459 ዶላር የድልይ።
ዋጋ እዚ ምስክር ወረቐት ካብ መኪና ናብ መኪና ይፍለይ እዩ። ኣናእሽተይ መኻይን፣ ሞተር ሳይክል፣ ንግዳዊ ተሽከርከርትን ዝተፈለየ ምስክር ወረቐት ኣለወን። ዋግአን እውን ይፈላለይ እዩ።
ኣብ ግዘ ለበዳ ኮቪድ ጠለብ መኪና ብምንካዩ፡ ዋጋ ምስክር ወረቐት መካይን እውን ነክዩ ነይሩ።
ክልከላታት ኮቪድ ምልዓሎም ስዒቡ ዋጋ ተሽከርከርቲ ብምውሳኹ ግና፡ ዋጋ ምስክር ወረቐት እውን ሰማይ ዓሪጉ።
መንግስቲ ሲንጋፖር፡ ኣብ ዝቕፅል ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳውያን ቁፅሪ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ምስክር ወረቐት ከም ዝንክይ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ’ውን ካልእ ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ምስክር ወረቐት ከም ዝኾነ ይግለፅ።
ካብቶም ብመንግስቲ እታ ሃገር ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ምስክር ወረቐታት፡ ዋጋ እቲ ዝተሓተ 76,028 ዶላር እዩ።
ኩለን ዓይነታት መኪና ክግልገላሉ ናይ ዝኽእላ ‘ኦፕን’ ዝበሃል ምስክር ወረቐት ዋጋ፡ 111,118 ዶላር በፂሑ ኣሎ።
ሲንጋፖር ናይ ብዙሓት ሰብ ሃብቲ ሃገር እያ። ዋላ’ኳ ንእሽተይ ሃገር እንተኾነት ብሚልየናት ዝቑፀሩ ሰብ ሃፍቲ ከም ዘለውዋ ይግለፅ።
እሞ ድኣ ብዙሓት ሚልየነራት ኣብ ዘለዋ ሃገር እዚ እንታይ የደንቕ ኰይኑ ክበሃል ይኽእል። እንተኾነ፡ እዚ ሙሉእ ምስሊ እታ ሃገር ዘርእይ ኣይኰነን።
ማእኸላይ መሃያ ሓደ ሲንጋፖራዊ ኣስታት 51,172 ዶላር እዩ።
ኣብ መንጎ መሃይኦምን ዋጋ መኪናን ዘሎ ኣፈላላይ ድማ፡ ብዙሓት መኪና ክዕድግ ዝብል ሓሳብ ከይህልዎም ደሪኹ ኣሎ።
ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ህዝባዊ መጓዓዝያ ክጥቀሙ የተባብዓ ኣለዋ። እዚ፡ ቅዋም መንግስቲ ሲንጋፖር እውን እዩ።
ሲንጋፖር ኣብ መዳይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝሐሻ ምስ ዝበሃላ ሃገራት ዓለም እያ ትስራዕ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት መስመር ባቡር ዘበናዊ ንምግባር ልዕሊ 60 ቢልየን ዶላር መዲቡ እዩ።
ሲንጋፖር 5.5 ሚሊየን ብዝሒ ህዝቢ ኣለዋ። ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብዝሒ መካይን እታ ሃገር ሓደ ሚልየን ኣይመልእን።
በብ እዋኑ ንጨረታ ዝቐርቡን ወናኒ መኪና ዝገብሩን ዓይነታት ምስክር ወረቐት፡ በብዓመቱ ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ብዝኾና ቁፅሪ መኻይን ይውሰን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







