ደቡብ ሱዳን ኣብ ቀዳማይ ፈተነኣ ናብ ዋንጫ ኩዕሶ ሰኪዔት ዓለም ብምሕላፍ ታሪኽ ሰሪሓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ተባዕትዮ ደቡብ ሱዳን ኣብ ፈላማይ ዙር መጻረዪ ናብ ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ኩዕሶ ሰኪዔት ዓለም ብምሕላፍ ታሪኽ ሰሪሓ።
ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ደቡብ ሱዳን ኣብ መፃረዪ ኣፍሪካ ክትሳተፍ ንመጀመርተኣ ኮይኑ፡ ኣብ ፈላማይ ፈተነኣ ናብዚ ዓብዪ ውድድራት ኣፍሪካ ብምሕላፍ ፈላመይቲ ኮይና ኣላ።
እታ 'ብሩህ ኮኾብ' [ብራይት ስታር] ብዝብል ስያመ እትጽዋዕ ጋንታ፡ ኣብ ግብጺ ኣሌክሳንድርያ ንሰኔጋል 83 ን75 ብምስዓር ኣብ ዝእንገድ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ ሰኪዔት ከምእትሳተፍ ኣረጋጊጻኣብ።
እቲ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ዝጅምር ውድድር፡ ብኢንዶነዥያ፡ ጃፓንን ፊሊፒንስን ብሓባር ዝእንገድ'ዩ።
ኣብዚ ውድድር ኣፍሪቃ ብሓሙሽተ ሃገራውያን ጋንታታት ክትውከል ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣይቮሪኮስት እውን ብኣግኡ ሓሊፋ ጸኒሓ እያ።
ከም ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ኣብ 2011፡ ካብ ሱዳን ዝተፈለየት ደቡብ ሱዳን፡ 11.5 ሚልዮን ህዝቢ ዝነበረላ ዀይና፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እያ ንዓለምለኻዊ መድረኽ ኩዕሶ ሰኪዔት ክትወዳደር ጀሚራ።
ብፍሉጥ ኮኾብ ኩዕሶ ሰኪዔት ሉኦ ደንግ እትስልጥን ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ኣልጀርያ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኣይቮሪኮስት፡ ሰኔጋል፡ ቱኒዝያን ኣንጎላን ናብዚ ውድድር ዝተጸንበረት 9ይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኮይና ኣላ።
ኣሰልጣኒ ዴንግ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብዙሕ ብድሆታት ካብ ዘለዋ ሃገር ኢና መጺእና" ኢሉ።
"ብዙሓት ሰባት ኣሽንኳይዶ ማልያ ተኸዲኖም ክጻወቱ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዕድል ኣይረኽቡን'ዮም። እዚ፡ ንዓኣቶም ካብ ጸወታ ንላዕሊ እዩ። ኣዝዩ ስምዒት ዝትንክፍ እዩ” ኢሉ።
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ደቡብ ሱዳን፡ ኣብቲ ውድድር ካብ ዘካየደቶም 10 ጸወታታት ኣብ 9 ተዓዊታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







