ጸላም ስለ ዝዀንኩ ‘ኣብ ገጸይ ተፊኡለይ’

ሳራ ቻን፡ ‘ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበተይ ኣብ ገጸይ ተተፊኡኒ'ዩ’
መግለጺ ስእሊ, ሳራ ቻን፡ ‘ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበተይ ኣብ ገጸይ ተተፊኡኒ'ዩ’

ሞያ ሳራ ቻን፡ ኣብ ኩዕሶ ሰኪዐት ተውህቦ ተጻወትቲ ወይ ምድላውን ተጻረርቲ ጋንታታት ምግምጋምን እዩ።

ሳራ ብሞያኣ፡ ካብ ሱዳን ክሳብ ኬንያ፡ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ናብ መላእ ዓለም ተጓዒዛ'ያ - ኣብ ጕዕዞኣ ግን ኲናት፡ ዓሌትነትን ጾታን መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ኣጋጢምዋ እዩ።

"ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበተይ ኣብ ገጸይ ተተፊኡኒ'ዩ" ትብል እታ ፕሮፌሽናል ተጻዋታቲት ኩዕሶ ሰኪዐት ነበር።

"ካብቲ ክጾሮ ዝኽእል ንላዕሊ ዓሌትነት ኣጋጢሙኒ'ዩ።"

ሕጂ ኣብቲ ዝለዓለ ፕሮፌሽናል ሊግ ኩዕሶ ሰኪዐት ዓለም ዝዀነ ሃገራዊ ማሕበር ኵዕሶ ሰኪዐት (NBA) ንሓንቲ ጋንታ ምልመላ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ተመሓድር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።

ንሳ፡ ንሓድሽ ወለዶ መንእሰያት ኣብቲ ስፖርት ናይ ምስታፍ ዕድል ንኽደልዩ ተነቓቕሕ ኣላ።

"ኩዕሶ ሰኪዔት ናብዚ ሎሚ ዘለኹዎ ደረጃ ክበጽሕ መንገደይ ኣብሪሁለይ'ዩ" ትብል እታ ኣብ ዝርዝር ቢቢሲ 100 ኣነቓቓሕትን ጽልዋ ዘለወንን ደቂ ኣንስትዮ 2022 ዝኣተወት ሳራ ቻን።

ሳራ ቻን ኣብ ጋንታ ቶሮንቶ ራፕተርዝ ዓላሚት ተጻወትቲ እያ
መግለጺ ስእሊ, ሳራ ቻን ኣብ ጋንታ ቶሮንቶ ራፕተርዝ ዓላሚት ተጻወትቲ እያ

ንሳን ስድራኣን፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ምስ ስድርኣ ኣብ ካርቱም ይነበሩ ነይሮም። ንኣቦኣ ንምእሳር ብዙሕ ፈተነታት ይግበር ስለዝነበረ ብዙሕ ግዜ ለይቲ ኣብ ደገ ገዛኦም ብዝስማዕ ድምጺ ትበራበር ከምዝነበረት ትዝክር።

ኣብ መወዳእታ ግን ውሑስ ህይወትን ዝሓሸ ትምህርትን ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ናብ ኬንያ ሃዲሞም።

"ብጭቡጥ መሰል ስፖርት ምጽዋት ከነስተማቕረሉ ዝኸኣልና ናይ መጀመርታ ቦታ'ዩ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሱዳን ጓል ኣንስተይቲ ስፖርት ክትጻወትን ሓጺር ክዳን ክተልብስን ነውሪ እዩ ነይሩ" ትብል ሳራ።

ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ድማ ንኹዕሶ ሰኪዐት ዘለዋ ፍቕሪ ዝተቐልቀለ። ንሳን ሓብታን ንመጀመርታ ግዜ ነዚ ስፖርት ክጻወታ ዝገበረ ዕላል ትዝክር።

"ኣብ ኬንያ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብቶም ዝነውሑ ቈልዑ ሓንቲ ምንባረይ እዝከረኒ፣ ርእሰ መምህርና ድማ ክንጻወት ንኽእል እንተዄንና ሓቲቱና።"

"ብቕንዕና ንምዝራብ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ምስ ኣእምሮይ ኣይነበርኩን። ስለዚ ድማ ብኣኽብሮት ከምዘይደሊ ገሊጸሉ - ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ብኡ ንብኡ ስፖርት ግዴታ ገይርዎ።"

ሳራ ቻን - ብጸጋም፡ ቁጽሪ 33 ማልያ ዝለበሰት - ኣብ ኬንያ እንከላ ንዅዕሶ ሰኪዐት ፍቕሪ ከምዘለዋ ፈሊጣ

ምንጪ ስእሊ, SARAH CHAN

መግለጺ ስእሊ, ሳራ ቻን - ብጸጋም፡ ቁጽሪ 33 ማልያ ዝለበሰት - ኣብ ኬንያ እንከላ ንዅዕሶ ሰኪዐት ፍቕሪ ከምዘለዋ ፈሊጣ

ድሕሪ ናይ ዓመታት ልምምድ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ተነሲ፡ ካብ ዝርከብ ዩኒየን ዩኒቨርሲቲ፡ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ናይ መጀመርታ ዲግሪ ኩዕሶ ሰኪዐት ስኮላርሺፕ ረኺባ። ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ናይ ጸወታ ሂወታ ኣብ ኣውሮጳን ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ብፕሮፌሽናል ደረጃ ተሳቲፋ።

"ብኩዕሶ ሰኪዐት ኣቢልካ ልቢ ብዙሓት ትትንክፍ። ኩዕሶ ሰኪዐት ህይወት ዝቕይር እዩ" ትብል።

ይዅን እምበር ሳራ ቻን ኣብቲ ስፖርት ዓሌትነት እውን ኣጋጢምዋ እዩ። ንኣብነት፡ ምስ ጋንታኣ ናብ ኣልጀርስ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ሓደ ሰብኣይ ኣብ ገጻ ተፊኡላ እዩ።

"ስድራይ ኣብ ውሽጠይ ዘስረጹለይ መሰረት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ነዚ ዅሉ ክጻወሮ ኣይምኸኣልኩን" ትብል።

"ቅድሚ ካብ ገዛይ ምውጽአይ፡ ኣቦይን ኣደይን 'ዝዀነ ነገር ከይተወሰኸኪ፡ ከምዘለኽዮ ጽብቕቲ ኢኺ' ኢሎምኒ።"

ሳራ፡ ኣብ 2012 ንፈለማ እዋን ናብ ደቡብ ሱዳን ክትምለስ ከላ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም በደላት፡ እንተላይ ብኣጋኡን ብግዴታ ዝግበርን መርዓ ርእያ።

"ኣብ 18 ዓመት ዕድመኺ መጻምድቲ ክትደልዪ ክትጅምሪ ትጽቢት ይግበር" ትብል።

ኣዋልድ፡ ካብ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምጽናሕን ወይ ድማ "ካብቲ ስድራቤት ዝመርጸለን ሰብኣይ ገንዘባዊ ደገፍ" ካብ ምርካብ ሓደ ክመርጻ ከምዝግደዳ ትገልጽ።

"ንኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ነቢዐ።

ብኽያት ኣብ ዝወዳእኩሉ ደረጃ በጺሐ፣ ገለ ነገራት ኣብ ምእራም ኣበርክቶ ንምግባር እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ክፈልጥ ኣድልዩኒ።"

ሳራ ቻን (ካብ የማን ካልኣይቲ) ዓወታ ምስ ድልዱል ስርዓተ ደገፍ ስድራኣ ከምዝተኣሳሰር ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, SARAH CHAN

መግለጺ ስእሊ, ሳራ ቻን (ካብ የማን ካልኣይቲ) ዓወታ ምስ ድልዱል ስርዓተ ደገፍ ስድራኣ ከምዝተኣሳሰር ትገልጽ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስለዚ ድማ ሳራ ንመውስቦ ህጻናት ዝምክትን ንትምህርትን ስፖርትን ዝጣበቕን ሆም ኣት ሆም/ኣፐዲት ፋውንዴሽን ዝተበሃለ ትካል ግብረ ሰናይ መስሪታ።

ሓደ ግዜ ጸወታ ኣብ ትዕዘበሉ እዋን፡ ሓንቲ ጓል መጺኣ ኣብ ጐድና ኣብ መንበር ኮፍ ክትብል ትዝክር።

"ተጻዋቲት ኩዕሶ ሰኪዐት'ኳ ኣይነበረትን፣ ግን ሃንደበት ናብ ሜዳ መጺኣ ቅድሚ እታ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ምሸት ከመይ ከም ዝተዓመጸት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ዛንታ ነጊራትኒ" ትብል።

"ኣነ ባዕለይ በሰላ ዝመልኦ ተመኵሮታት ዓመጽ ስለዘጋጠመኒ ብሓቂ ዘጕሃየኒን ዘሕዘነኒን ነይሩ። ንኽሓዊ ድማ ነዊሕ ግዜ ወሲዱለይ።

"ኣብ መጀመርታ ኣብ ነጸጌታ (ክሕደት) እየ ነይረ - ኣብ ልዕሊ ሓንቲ 1.88 ሜተር ዝቝመታ ጓል ከምዚ ዓይነት በሰላን ዓመጽን ኣየጋጠማን ኢለ [ሓሲበ]። ድሕሪኡ ዝመጸ ሕርቃን፡ ድሕሪኡ ዝመጸ ሓዘን፡ ዋጋ ከምዘይብልኪ፡ ረዳኢ ከምዘይብልኪን ዓርዓርታን ክስምዓኪ ጥራይ ዝገብር’ዩ።"

ንዓኣ፡ ፈውሲ ዝዀኑዋ ክልተ ነገራት እዮም። እቲ ቀዳማይ፡ "ሓደ ካብቶም ዝኸበዱ ነገራት" ብምፍጻም እዩ፣ ነቲ ገበነኛ ይቕረ ብምባል። ካልኣይ ድማ፡ ኣብቲ ትካል ግብረ ሰናይ ብምስርሓ ዝመጸ እዩ።

"ካብ ድኽነት እየ መጺአ፡ ስለዚ ኣስተውዒልናሉ ኢና" ትብል።

"እዞም ቈልዑ ኣዝዮም ንፉዓት፡ መስተውዓልቲን ብቑዓትን ስለዝኾኑ ዕድል ጥራይ እዩ ዘድልዮም።"

"ስፖርት ክጅምር ሰባት ሓጊዞምኒ እዮም፡ ንሳቶም እንተዘይሕግዙኒ ድማ ኣነ ኣብዚ ሎሚ ዘለኹዎ ኣይምበጻሕኹን።"

ሳራ፡ እቲ ስፖርት ኣብ ኣፍሪቃ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል እኳ እንተኾነ፡ ኣብታ ኣህጉር ኩዕሶ ሰኪዔት ደቂ ኣንስትዮ ዓቕሚ ድሙቕ እዩ ኢላ ትሓስብ።

"ስፖርት መጻኢ ኣፍሪቃ'ዩ። ኣጽዋር ኣፍሪቃ'ዩ ብፍላይ ንኣዋልድ" ትብል።

"ሰባት ቅድሚ ሕጂ ዘይረኣይዎ ነገራት ኣባይ ስለዝረኣዩ" ትብል ሳራ ነቲ ስራሓ ብዕቱብ ትወስዶ።

ሳራ ቻን፡ ኣዋልድ ሕልምታተን ንኸሳኽዓ ትገብሮ ሓገዝን ኰስኳስን ብዕቱብ ትወስዶ

ምንጪ ስእሊ, SARAH CHAN

መግለጺ ስእሊ, ሳራ ቻን፡ ኣዋልድ ሕልምታተን ንኸሳኽዓ ትገብሮ ሓገዝን ኰስኳስን ብዕቱብ ትወስዶ

ኣብዚ ሕጂ ዘለዋ ሞያ ውጽኢት ኣሰልጣንነታ እዩ፤ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኩዕሶ ሰኪዐት ክትሰርሕ ዝረኣያ ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ኤን.ቢ.ኤ፡ ኣብ ጋንታ ቶሮንቶ ራፕተርዝ ከም እትቍጸር ገይሩ።

ጋንታ ቶሮንቶ ራፕተርዝ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኤን.ቢ.ኤ ኣብ ካናዳ ዝገብሮ ምስፍሕፋሕ ኣብ 1995 ዝተመስረተት ኰይና፡ ስራሕ ሳራ ቻን፡ ዝቕልቀሉ ተውህቦታት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምልላይ፡ ምዕባለኦም ምድጋፍን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኩዕሶ ሰኪዐት ዝጻወትሉ ዕድላት ምፍጣርን እዩ።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሩዋንዳ ንዝካየድ ዓቢ ውድድር ተጻወትቲ ክትመርጽ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኡጋንዳን ታንዛንያን ተጓዒዛ ነይራ።

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኩዕሶ ሰኪዐት፡ "ኣፍሪቃዊ ሊግ ኩዕሶ ሰኪዐት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝህልወሉ ደረጃ ክበጽሕ ተስፋይ'ዩ" ትብል።

"ነዘን ኣዋልድ ሕልመይ ንሱ'ዩ፣ ብባህሊ ዘይድረታ፡ ብዝዀነ ኣተሓሳስባ ዘይድረታ እየን።

"ብሓቂ ኣብ ኣእምሮኦም ነጻን ሓራ ዝወጻን እየን፣ ከም ደቂ ሰባት ድማ ሕልምታተን ክሃድና ክኽእላ እምበር፡ ብሰንኪ ጾታ ዝተገትኣ ወይ ዝተገደባ ክዀና ኣይግባእን።"