ሰሙን ምሉእ ዝሽቅላ ሰራሕተኛታት ገዛ ወጽዓአን ንፈልጠለን ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Marta Klawe Rzeczy
ምስ ግላዲስ (ናይ ብሓቂ ስማ ኣይኰነን) ምሸት ምሸት፡ ኣብ ቐጠር ዝርከቡ ኣስራሕታ ምስ ደቀሱ፡ ርክብ እገብር።
ኣብቲ ዝገበርናዮ ሓጺር ናይ ኢንተርነት ዕላል፡ መዓልታዊ ካብ ሰዓት 8 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 11 ምሸት (ን15 ሰዓታት) ከም እትሰርሕ ነጊራትኒ። ንሳ ተጽሪ፡ መግቢ ኣብ ምድላው ትሕግዝን ንህጻናት ትኣልን’ያ።
ካብቶም ስድራቤት ዝተረፈ መግቢ ድማ ትበልዕ።
ንሳ፡ ስርሓ ቅድሚ 18 ኣዋርሕ ካብ እትጅምር ኣትሒዙ መዓልቲ ዕረፍቲ ከምዘይረኸበት ትዛረብ።
እታ እተስርሓ ሰበይቲ "ጽልልቲ እያ" ትብል እታ ኣብ 40ታት ዕድመ እትርከብ ፊሊፒናዊት ግላዲስ። "መዓልታዊ እያ ትጭድርለይ።"
ቐጠር ዋንጫ ዓለም 2022 ንምእንጋድ ቅድሚ ምዕዋታ፡ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ብዘይ ፍቓድ ኣስራሒኦም ስራሕ ክቕይሩ ወይ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣይክእሉን ነይሮም። ሕጂ'ውን ኣብ መብዛሕትአን ግዝኣታት ወሽመጥ ኣይክእሉን እዮም።
ኣብ ትሕቲ ክትትል ድሕሪ ምእታዋ፡ ቐጠር ምምሕያሻት ከተተኣታቱ ጀሚራ። እንተዀነ እቶም ምምሕያሻት፡ ኣብተን ሰራሕተኛታት ገዛ ዝፍጸም ግህሰት ከብቅዕ ክገብሩ ከምዘይከኣሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።
ንኣብነት ኣስራሒ ግላዲስ ፓስፖርታ ሒዙ ብዘይ ፍቓዱ ከይትወጽእ ከልኪሉዋ ኣሎ።
ግላዲስ ግን ክሳብ ሕጂ ዕድለኛ ከምዝዀነት ይስምዓ። እንተወሓደ ዘይከም ገለ ካልኦት ወጻእተኛታት ኣገልገልቲ፡ ንሳ ተሌፎና ክትሕዝ ከምዝተፈቕደላ ትዛረብ። ብተወሳኺ፡ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣይወርዳን። ኣካላዊ መጥቃዕቲ ኣብ ቐጠር ብዙሕ ግዜ ከም ዘጋጥም ግን ትገልጽ።
ኣብዚ ሕጂ ትሰርሓሉ ቦታ ክትጸንሕ ዝደለየትሉ ካልእ ምኽንያት'ውን ኣሎ - ኣብዚ ዕድመኣ ዝሓሸ ስራሕ ትረክብ ኣይመስላን። ኣብ ወርሒ 1500 ሪያል ትረክብ፣ ስድራቤታ ንምድጋፍ ድማ ኵሉ ናብ ዓዳ ክትሰድድ ትኽእል።
መሰል ሰራሕተኛታት ገዛ
- ኣብ ቐጠር ብገምጋም 160 ሽሕ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ገዛ ከምዘለዉ ናይ 2021 መረዳእታ በዓል መዚ ትልምን ስታቲስቲክስን ቐጠር ይሕብር
- ቐጠር ኣብ 2017 ዘተኣታተወቶ ሕጊ ሰራሕተኛታት ገዛ፡ ኣብ መዓልቲ ዝህሉ ሰዓታት ስራሕ ናብ 10 ሰዓታት ዝድርት ኰይኑ፡ መዓልታዊ ዕረፍቲ፡ ሰሙናዊ ዕረፍትን ደሞዝ ዝኽፈል ዕረፍትን ይፈቅድ
- ኣብ 2020 እውን ክኽፈል ዝኽእል እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ብምትእትታው ሰራሕተኛታት ፍቓድ ከይሓተቱ ስራሕ ክቕይሩ ወይ ካብ ሃገር ክወጹ መሰል ከምዘለዎም ኣስፊሩ።
- ይዅን እምበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እዞም ሕግታት ብግቡእ ኣይተተግበሩን፣ ክቱር ልዕሊ ዓቐን ስራሕ፡ ስእነት ዕረፍቲ፡ ከምኡ’ውን ግህሰትን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ ይቕጽሉ ከምዘለዉን ይገልጽ።
'ማይግራንት ኢንተርናሽናል' ኣብ ዝተባህለ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ዝድግፍ ትካል ትሰርሕ ጆኣና ኮንሰፕሲዮን፡ ብዙሓት ንስድራቤቶም ገንዘብ ምውህላል ቀዳምነት ስለዝህቡ ብዛዕባ ሕማቕ ኵነታት ስርሖም ክዛረቡ ኣይመርጹን ትብል።
እቶም ኣብ ግዝኣታት ወሽመጥ ዓረብ ዘለዉ ግን ብነጻነት ክዛረቡ ዝኽእሉ ርእሰ ተኣማንነት ክስምዖም ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ከቢድ ግህሰት ከም ዝጠቕሱ ትዛረብ።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣስራሒኣ ኣብ ዝሓረቐሉ እዋን ርእሳ ናብ መቐመጢ ሽቓቕ ደፊኡ፡ መግብን ማይን ከም ዝኽልክላ ገሊጻ።
ብኣንጻሩ፡ ኣብ ንጉሳዊ ስድራቤት ኣ'ታኒ ዝተቘጽረት ሰራሕተኛ ገዛ፡ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ከምዘለዋ ትዛረብ፤ እንተኾነ ከምቲ ሕጂ ኵሎም ሰራሕተኛታት ብመሰረት እቲ ሓድሽ ሕግታት ክረኽብዎ ዝግባእ መዓልቲ ዕረፍቲ የብላን።
ፍሽኽታ ዘይፍለያን ንጥፍቲን ኣልትያ (ናይ ብሓቂ ስማ ኣይኰነን) ካብ ትሕቲ መሬት ካብ ዝርከብ ክፍሊ መንበሪ ገዛ ሓደ ንጉሳዊ ስድራ ናብ ቢቢሲ ብቪድዮ ደዊላ። ንሳ፡ ኣስራሕታ ኣብ ፊሊፒንስ ክትገዝኦ ዘይትኽእል ዓይነት ኣይፎን፡ ክዳውንቲ፡ መጋየጽን ጫማን ከም ዝሃብዋ ትገልጽ።
ልክዕ ከም ግላዲስ፡ ንሳ’ውን ኣብ ሃገራ ናብራ ክትገብር ስለዝተጸገመት እያ ናብ ቐጠር መጺኣ።

ምንጪ ስእሊ, Marta Klawe Rzeczy
ናይ ገዛእ ርእሰን መደቀሲ ክፍልታትን ናይ ሓባር ክሽነን ኣለወን፤ እዚ ኣገዳሲ እዩ። እተን ኣልቴያ ኣብ ቲክቶክን ፌስቡክን መግቢ ክልምና፡ ከምኡ’ውን ሓደ ሰብ ከድሕነን ክልምና እትርእየን ከደምቲ ገዛ፡ ከምኣ ዕድለኛታት ኣይኰናን።
"እቶም ቪድዮታት ኵሉ ግዜ ኣብ ኢንተርነት እየ ዝርእዮም፣ በዚ ምኽንያት ድማ እየ ዕድለኛ ኰይኑ ዝስምዓኒ" ትብል። "ንዓይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከም ጽውጽዋይ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ።"
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣብዞም ብልዑል ሻንደልያታት፡ ብወርቂ ዝተሰለሙ ጥንታዊ ንብረታትን ብድሙቓት ዕምባባታትን ዝማዕረጉ - ከምቲ ንሳ ትብሎ - "ቤተ መንግስታት" ዘሎ ስራሕ ከቢድ እዩ።
ብሓፈሻ መዓልታዊ ስራሕ 6፡30 ንግሆ ሰራሕተኛታት ንስድራቤት ቁርሲ ኣብ ዘዳልዉሉ እዋን ይጅምር። ኣልቴያ፡ ስድራቤት በሊዖም ምስ ወድኡ እያ ትበልዕ። መግቢ ዘአንግዳሉ ኣቝሑ ድሕሪ ምጽራይ ድማ ንዅሎም እቶም ክፍልታት የጽርያ። ብድሕሪኡ ንምሳሕ ዝኸውን መግቢን ቦታታትን የዳልዉ።
"ብዙሓት ስለዝዀንና ቀሊል ስራሕ'ዩ" ትብል ኣልቴያ።
እተን ኣገልገልቲ ኣብ ክፍለን ካብ ሰዓት 3 ክሳብ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ የዕርፋ፣ ድሕሪኡ ንድራር ይዳለዋ። ድራር ምስ ተዛዘመ ኣልትያ ስርሓ ወዲኣ’ላ፣ እንተደልያ ድማ ካብቲ ቀጽሪ ክትወጽእ ነጻ እያ።
እቶም ንጉሳዊ ስድራ ፓስፖርታ ኣይሕዙን። ኣልትያ ግን መዓልታዊ ስራሕ ትሰርሕ፡ እንተላይ ኣብተን መዓልቲ ዕረፍቲ ዝዀና ቀዳመ-ሰንበት ወይ መወዳእታ ሰሙን። ሕጊ ቐጠር ውሕስነት ክህቦ ዝግባኦ መዓልቲ ዕረፍቲ ኣይትረክብን። ንስድራኣ ኣገዳሲ ገንዘባዊ ደገፍ ንምግባር እትኸፍሎ ዋጋ እዩ።
ኣብ ማኒላ ንፊሊፒናውያን ሰራሕተኛታት ምስ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከቡ ዓቢ ስም ዘለዎም ስድራታት እተራኽብ መልማሊት ሜሪ ግሬስ ሞራለስ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስራሕ "ዘቕንእ" ስራሕ ከምዝዀነ ትገልጽ።
"እቶም ስድራቤት ለጋሳት እዮም" ትብል። ወሲኻ'ውን፡ ብዛዕባ እተን ኣገልገልቲ ኣብ ገዛ ከጋጥመን ዝኽእል ጸገማት ዘንጸባርቕ ርእይቶ ትህብ፡ "እተን ኣዋልድ ኣብ ቤተ መንግስቲ እናሃለዋ ይረጉዳ። እቶም ስድራቤት ጽቡቕ ገይሮም ይምግብወን’ዮም።"
እቶም ንጉሳውያን ስድራቤታት ግን ገለ ኣዝዮም ፍሉያት ጠለባት ከም ዘለዎም ተቃልዕ።
"ነቶም ንጉሳዊ ስድራቤት ቐጠር ክሰርሓ ዝለኣኻ ኣዋልድ፡ ካብ 24 ክሳብ 35 ዓመት ዝዕድሚአን ኰይነን ኣዝየን ጽቡቓት እየን" ትብል ሞራለስ።
ዘረባኣ ኣቋሪጻ ናብቲ ምሳይ ትዘራረበሉ ዝነበረት ጽፍሒ ቪድዮ (ስክሪን) ድሕሪ ምጥማት፡ "ካባኺ ዝጽብቓ" ኢላ ፍሽኽ በለት።
ድሒራ ግን ደቃ ሰሚዖም ዘይእሩም ዘረባ ከምዝተዛረበት ስለዝገለጹላ፡ ብዋትስኣፕ ይቕሬታ ዝሓትት መልእኽቲ ልኢኻትለይ። ከምዘይተበሳጨኹ ኣረጋጊጸላ።

ምንጪ ስእሊ, Marta Klawe Rzeczy
ጆኣና ኮንሰፕሲዮን፡ ኣልቴያ ከም ንጉሳዊት ሰራሕተኛ ገዛ ከምትሰርሕ ዝገለጸቶ ጸብጻብ ሓቂ ክኸውን ተስፋ ከምዘለዋ ትዛረብ። እንተዀነ፡ "ገና ኣብ ቐጠር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ስድራቤት እናሰርሐት ከላ” ብርግጽ ሓቂ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ዝከኣለሉ ዕድል ከምዘየለ ትገልጽ።
ገለ ሰራሕተኛታት ንጉሳዊ ስድራቤት ካብ ሃገር ምስ ወጹ ጥርዓን ኣቕሪቦም እዮም። ኣብ 2019 ሓላዊ፡ ውልቃዊ ኣሰልጣኒን ናይ ብሕቲ መምህርን ዝዀኑ ሰለስተ እንግሊዛውያንን ኣሜሪካውያንን ሰራሕተኛታት ንሓፍቲ ኣሚር፡ ሸይካ ኣል ማያሳ ቢንት ሓመድ ቢን ከሊፋ ኣ'ታኒን በዓል ቤታን፡ ኣብ ኒውዮርክ ከሲሶም ነይሮም። ክፍሊት ተወሳኺ ሰዓታት ከይተኸፈሎም ነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ከምዝተገደዱ ገሊጾም። እቶም መጻምድቲ ነቲ ክሲ ነጺጐም፣ ዝዀነ ይዅን ተሓታትነት ከይተኣመኑ እቲ ክሲ ተዓጽዩ።
"ዓመጽን ምግፋዕን፡ ሕጽረት ድሕነትን ጥዕናን፡ ከምኡ'ውን ስእነት ብቝዕ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ጉዳያት ምሕባርን ምፍታሕን በዳሂ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል ዞባዊ ዳይረክተር ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ (ILO) ሃገራት ዓረብ ዝዀነት ሩባ ጃራዳት።
ኣህጉራዊ ውድብ ዕዮ፡ ነቲ ክኽፈል ዝኽእል ዝተሓተ ደሞዝ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ፡ ናይ ሕማም ዕረፍቲን ናይ ትርፊ ሰዓት ተወሳኺ ክፍሊትን ዘረጋግጽ ሓድሽ ሕጊ ንምትግባር ምስ ቐጠር ይሰርሕ ከምዘሎ ይገልጽ። እንተዀነ ቀሊል ከምዘይኮነ ይሕብር።
ኣልትያ፡ ኣብቲ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ፡ ዋላ'ኳ ነዊሕ ሰዓታት እንተሰርሐት ሕጕስቲ ምዃና ትገልጽ።
ክትድቅስ ከላ ነቶም ኣብ ፊሊፒንስ ዝርከቡ ኣሕዋታ ወይ ወለዳ መልእኽቲ ክትሰድድ ትኽእል’ያ። ብዙሕ ግዜ ትናፍቕ እያ - እቲ ጽውጽዋያዊ ቤተ መንግስቲ ናይ ብሓቂ ገዛኣ ኣይኰነን።
ይዅን እምበር ወሳኒ ምንጪ እቶታ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
"ብዘይ እዚ ስራሕ ንስድራይ ክድግፍ ፈጺመ ኣይምኸኣልኩን" ትብል።
ቢቢሲ፡ ንጉሳዊ ቤተሰብ ቐጠርን ኣብ ለንደን ንዝርከብ ኤምባሲ ቐጠርን ርእይቶ ክህቡ ሓቲቱ፡ መልሲ ግን ኣይረኸበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







