ነቐፌታ ምዕራባውያን ንቐጠር 'ምስሉይነት' ክብል ፕረዚደንት ፊፋ ገሊጽዎ

ፕረዚደንት ፊፋ ኢንፋንቲኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምዕራባውያን ኣብ ድሮ ምጅማር ዋንጫ ዓለም ኣብ ዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ቐጠር ኣድሂቦም ዘውጽእዎ ዘለዉ ጸብጻብ፡ "ምስሉይነት" ክብል ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም [ፊፋ] ጅያኒ ኢንፋንቲኖ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ደውሓ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዋንጫ ዓለም እተአንግድ ንዘላ ሃገር ቐጠር ተኸላኺሉ፡ ብትሪ መጒቱ።

ምስቲ ሎሚ ሰንበት ኣብ ቐጠር ዝጅመር ውድድር ዋንጫ ዓለም ተዛሚዱ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዝኽሰቱ ዘለዉ ሞት ስደተኛታትን ኣተሓሕዛ ሕደ-ጾታውነትን ተደጋጋሚ ነቐፌታ ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም።

ኢንፋንቲኖ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ ከቢድ ቅሬታ ከምዘስምዖ ብምግላጽ፡ “ብርግጽ ዜጋ ቐጠር፡ ዓረብ፡ ኣፍሪቃዊ፡ ኣፍቃሪ ሕደ ጾታውነት፡ ጐደሎ ኣካል ወይ’ውን ስደተኛ ሰራሕተኛ ኣይኰንኩን። እንተኾነ ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ዓዲ ጓና ዝወርዶም ኣድልዎን መጥቃዕትን እንታይ ከምዝዀነ ስለዝርዳእ ንዓኣቶም ዝስምዖም ንዓይ’ውን ይስመዓኒ’ዩ፡” ኢሉ።

ፕረዚደንት ፊፋ ኢንፋንቲኖ ኣብ ዘረባኡ፡ “ኣነ ኣውሮጳዊ’የ። ንኻልኦት ብዛዕባ ትምህርቲ ሞራል ቅድሚ ምሃብና ግን ኣብ ዓለም ንኣስታት 3 ሽሕ ዓመታት ብኣውሮጳውያን ንዝተፈጸሙ ተግባራት ንዝቕጽሉ 3 ሽሕ ዓመታት ይቕሬታ ክንሓትት ጥራይ እዩ ዘለና፡" ኢሉ።

“ኣውሮጳ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል እዞም ህዝብታት ዘጨንቓ እንተዀይኑ፡ ከምቲ ቐጠር ዝገበረቶ ሕጋዊ መስመራት ከፊታ እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ኣውሮጳ መጺኦም ንኽሰርሑ ክትገብር ኣለዋ። ተስፋን ሰናይ ዘበንን ፍጠሩ፡” ክብል ተሰሚዑ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ “ነቶም ነቔፌታታት ንምርዳእ እጽገም’የ፤ መጻኢ ተስፋ ናይዞም ሰባት ብሩህ ንምግባር ብትምህርቲ ንምሕጋዝ ዘኽእለና ገንዘብ ክነዋጽእ’ዩ ዘለና። ኵላትና ንገዛእ ርእስና ክንምህር ኣለና። ለውጥን ምምሕያሻትን ግዜ የድልዮ’ዩ” ኢሉ።

እንተዀነ ብሓደ ወገን ጥራይ ዝርአ ሞራላዊ ትምህርቲ ትዕቢትን ግብዝነትን እዩ። እቲ ካብ 2016 ጀሚሩ ቐጠር እተርእዮ ዘላ ምምሕያሽ ስለምንታይ ኣፍልጦ ከምዘይወሃቦ ኸኣ ሕቶ ይፈጥረለይ፡ ክብል ተዛሪቡ።

“ቐጠር ውድድር ዋንጫ ዓለም ንኽተአንግድ ቅድሚ 12 ዓመታት ኣብ ዝተወሃበ ውሳነ ኣድሂቡ ይቐርብ ንዘሎ ነቐፌታ ምቕባል ቀሊል ኣይኰነን። ቐጠር ሕጂ ድልውቲ’ያ፤ እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ ውድድራት ዋንጫ ዓለም እቲ ዝዓበየ’ዩ፡” ክብል ኢንፋንቲኖ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ፊፋ፡ ኢንፋንቲኖ ኣስዒቡ፡ “ንቐጠር ክካታዕ የብለይን። ባዕሎም ክከላኸሉ ይኽእሉ’ዮም። ኣነ ክካታዕ ዝኽእል ብዛዕባ እቲ ውድድር ኩዕሶ እግሪ’ዩ” ኢሉ።

ቐጠር ምስ ትካል ሰራሕተኛታት ዓለም ኰይና ብዛዕባ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ከምዝኸፈተት ዝሓበረ ኢንፋንቲኖ፡ ኣብ ስራሕ እንከለዉ ጉድኣት ናይ ዝወረዶም ሰራሕተኛታት ከከም እቲ ዘጓነፎም መጠን መጕዳእቲ ናይ ብዙሕ ዓመታት ደሞዞም ብሕጋዊ መገዲ ካሕሳ ክረኽቡ ከምዝግበር ኣፍሊጡ።

ብዙሕ ነቐፌታ ከተአንግድ ዝቐነየት ኣአንጋዲት ቐጠር፡ ኣብቲ ሎሚ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ዝካየድ መኽፈቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ምስ ኢኳዶር ክትገጥም’ያ።

ዘጋርድያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓተሞ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ቐጠር ውድድር ዋንጫ ዓለም ከተዐንግድ ዕድል ካብ ዝረኸበትሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ካብ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ኔፓል ባንግላድሽን ስሪላንካን ዝመጽኡ 6500 ሰራሕተኛታት ሞይቶም።

እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ፡ ኣብ ቐጠር ካብ ዝርከቡ ናይ ዝሞቱ ዜጋታት ኤምባሲታት ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ እዩ።

እንተዀነ መንግስቲ ቐጠር፡ እቲ ዝቐረበ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ምስ ምድላዋት ዋንጫ ዓለም ምስ ዝተዛመዱ ፕሮጀክታት ዘራኽብ የብሉን ክብል ተቛውሞኡ ገሊጹ እዩ።