ማይክል ጆርዳን ንዓሌታዊ ማዕርነት ዝኸውን 100 ሚልዮን ዶላር ክህብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማይከል ጆርዳን፡ ንዓሌታዊ ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍሕትን ንዝቃለሱ ማሕበራት ዝውዕል 100 ሚልዮን ዶላር ክልግስ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣሜሪካ ዝነበረ ማይክል ጆርዳን፡ ንሱን ትካል ቅዲ ጆርዳንን ነቲ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ክኸፍልዎ ምዃኖም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ገንዘብ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ "ሰሪጹ ዘሎ ዓሌታውነት" ንምቕላስ ንብርክት ዝበሉ ትካላት ከምዝወሃብ ሓቢሩ።
እዚ ናይ ገንዘብ ወፈያ፡ እቲ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ድረክ ቹቫን ብዝተብሃለ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ምቕታሉ ስዒቡ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ድረክ ቹቫን፡ ንጆርጅ ፍሎይድ፡ ምስትንፋስ ስኢኑ ክዛረብን ክጻዓርን ብምግባር እዩ፡ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጹ ቀቲልዎ።
ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብ25 ግንቦት እዩ፡ ኣብ ትሕቲ እግሪ ፖሊስ ሂወቱ ሓሊፉ።
ማይክል ጆርዳን፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ በቲ ፍጸመ፡ "ኣዝየ ጉህየ፤ ብሓቂ ተቐንዚየ ከምኡ'ውን ተቘጢዐን'' ክብል ጽሒፉ ነይሩ።
"ናይ ኩለኹም ቃንዛ፣ ነድሪ ከምኡ'ውን ቁጥዐ እስመዓንን እረኣየንን" ድሕሪ ምባል፡ "ምስዞም ኣብ ሕብረተሰብና ሰሪጹ ንዘሎ ዓሌታውነትን ዓመጽን ዝቃለሱ ደው እብል" ኢሉ።
ጆርዳን "ኣኺሉ ተሪፉና'' ክብል ነቲ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ዝፍፀም ብድዐ ኮኒኑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







