መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኮኒኖም

መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንቅትለት ጆርጅ ፍሎይድን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለው ኣመሪካውያን ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲን ብትሪ ኮኒኖም።
ምትእኽኻብ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነዚ ቅትለት ብሓደ ክቃወምኦ ከምዘለወንን፡ እቶም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ክቐርቡን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ከምዚ ዓይት ገበናት ዝፈጸሙ ብሕጊ ክቕጽዑን ኣተሓሳሲቦም።
ፕረዚደንት በኒን ነበር ኒሰፎር ሶገሎ፡ "ከመይ ዝኣመሰለ ጨካነ ክትፍጽም ኣለካ፡ ኩሉ ዓለም ተንሲኡ ቊጥዕኡ ክገልጽ! መን እዩ እሞ ደፊሩ፡ ገጾም እናተራእየ፡ ንኤውሮጳውያን፡ ዓረብ፡ እስራኤላውያን፡ ህንዳውያን፡ ቻይናውያን፡ ጃፓናውያን፡ ኣርጀንቲናውያን ብኸምዚ ክጭፍልቖም ዝኽእል። ኣይክል!" ክብል ዝተሰምዖ ቁጠዐ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ጋና ኣኩፎ ኣዶ ብወገኑ፡ "ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ኣመሪካ ምስ ዘለው ኣባላት ስድራና ኣዝማድናን ደው ንብል። ከምኡ'ውን እዚ ዘሕዝንን ጫካነ ዝመልኦ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ኣመሪካ ነባሪ ለውጢ ከምጽእ ተስፋ እገብር" ኢሉ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ምስ ኣመሪካ ተሓባባቢሩ ነዚ ዘሎ ዓሌታዊ ውጥረት ኣብ ምህዳእ ተራ ክጻወትን፡ ማሕበራዊ ጥምረት ኣብ ምዕባይ ክዋሳእ ተላቢዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንቅትለት ናይቲ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዝሞተ ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚኒሶታ ምስ ሞተ፡ ትኽክለኛ ምኽንያት ሞት እቲ ውልቀሰብ ብሕክምና ክጻረ ድሕሪ ምቕናዩ ሎሚ መዓልቲ ብሰብ ከም ዝተቐትለ ዘረጋግጽ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ተገሊጹ ኣሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







