ሰብሰርሖ ብልሒ [ኤ.ኣይ] ኣብ ምፍዋስ መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መኻንነት ን 7 ሚኢታዊት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዓለም ይጸልዎም። ኣብዚ እዋን ድማ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤ.ኣይ - AI) ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ክሕግዝ ቀሪቡ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለፅ ኣሎ።
ዶክተር ስቲቨን ቫሲለስኩ፡ እቲ ንሱን ጉጅልኡን ዘዳለውዎ ናይ ሰብሰርሖ ብልሒ (ኤ.ኣይ) ሶፍትዌር፡ ካብቶም ብዝለዓለ ደረጃ መኻንነት ዝተጠቕዑ ደቂ ተባዕትዮ ዝውሰድ ቅምሶታት (‘ሳምፕላት’)፡ ንዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብዝቐልጠፈ ከለለይ ወይ ክርእይ ከም ዝኽእል ይዛረብ።
"ነቲ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝኽእል ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከጉልሕ ይኽእል'ዩ" ይብል።
ዶክተር ቫሲለስኩ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ሲድኒ (UTS) መሃንዲስ ባዮሜዲካልን መስራቲ ኩባንያ ሕክምና ኒዮጀኒክስ ባዮሳይንስን እዩ።
ንሱን መሳርሕቱን ዘማዕበልዎ ስርዓት ‘ስፐርምሰርች’ ይበሃል።
እዚ ከኣ ኣብ ፈሳሲኦም ፈጺሞም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (ስፐርም) ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ንምሕጋዝ ዝተዳለወ እዩ። እዚ ዘርኢ ናይ ዘይምምንጫው ኩነታት ‘ናን-ኦብስትራክቲቭ ኣዙስፐርሚያ’ [non-obstructive azoospermia (NOA)] ይበሃል።
ነዚ ዝግበር ሕክምና ድማ ገለ ኣካል ፍረ-ነብሲ እቲ ውልቀሰብ ብመጥባሕቲ ተኣልዩ ናብ ቤተ-ፈተነ ይውሰድሞ በዓልሞያ ነቲ ጥዑይ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክእልሽ ይኽእል።
ብማይክሮስኮፕ ተሓጊዙ እዩ ዝምርመር፤ ሽዑ ዝኾነ ህያው ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተተረኺቡ፡ ተቐዲሑ ናብ እንቋቑሖ ክውጋእ ይኽእል።
‘ስፐርምሰርች’ ዝተብሃለ እዚ መስርሕ ንዝኾነ ጥዑይ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ውሽጢ ካልኢታት ክረክብ ከምዝኽእል ዶክተር ቫሲለስኩ ይዛረብ።
ክንድዚ ዝቐልጠፈ ንክኸውን ድማ ዶክተር ቫሲለስኩን መሳርሕቱን፡ ነቲ ዘማዕበልዎ ሶፍትዌር ኤ.ኣይ ኣብዞም ዝተሓላለኹ ቅምሶታት ዝርከቡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንከለልይ ኣሰልጢኖምዎ።
ዝተሓትመ ሳይንሳዊ ጽሑፍ ከምዘመልክቶ፡ ‘ስፐርምሰርች’ ካብ ሓደ ምኩር ክኢላ ድቂ (ኢምብርዮሎጂስት) ብ1000 ዕጽፊ ከም ዝቕልጥፍ ብፈተነ ተረጋጊፁ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዓ ዓመታት መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብፍርቂ ከምዝነከየ ብሰፊሑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፡ መኻንነት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጸገም ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ።
ምስ ምንቁልቋል ፍርያምነት ደቂ ተባዕትዮ ዝተሓሓዙ ቀንዲ ምኽንያታት ድማ ብከላን ምትካኽ ሽጋራን፤ ድኹም ኣመጋግባ፤ እኹል ምንቅስቓስ ኣካላት ዘይምግባርን ወጥርን ዘጠቓልል ምዃኑ ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







