ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ መርከብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሚሳይል 3 ባሕረኛታት ተቐቲሎም

እታ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተሃረመት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, CENTCOM

መግለጺ ስእሊ, እታ ብዕጡቓት ሑቲ ዝተሃረመት መርከብ

ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ደቡባዊ የመን ኣብ ልዕሊ ናይ ጽዕነት መርከብ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሰለስተ ባሕረኛታት ከምዝተቐተሉ ሰብ መዚ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ዕጡቓት ሑቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ባሕረኛታት ክሞቱ እዚ ናይ ፈለማ ተርእዮ’ዩ።

እታ ባንዴራ ባርቤዶስ ዝሰቐለት ‘ትሩ ኮንፊደንስ’ ዝተብሃለት መርከብ መጥቃዕቲ ሚሳይል ምስ ተፈጸማ ብሓዊ ሃልሃል ከምዝበለትን እቶም ብህይወት ዝተረፉ ባሕረኛታት ኩሎም ካብታ መርከብ ከምዝወረዱን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እታ መርከብ ብኣቆጻጽራ ዓዲ እንግሊዝ ልክዕ ሰዓት 11 ፈረቓን’ያ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ተሃሪማ።

ዕጡቓት ሑቲ እቲ ኣብ ልዕሊ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዘካይድዎ ዘለዉ ተደጋጋሚ ናይ ድሮንን ናይ ሚሳይልን መጥቃዕትታት ነቶም ኣብ ቓዛ ኣንጻር እስራኤል ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ሓማስ ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ከምዝኾነ’ዮም ዝገልጹ።

እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተዋፊሩ ዝርከብ ማእከላይ እዚ ሰራዊ ትኣሜሪካ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝሃቢ መግለጺ ብዘይካ እቶም ሰለስተ ዝተቐተሉ ሰለስተ ብኸቢድ ዝተወቕዑ ዝርከብዎም ኣርባዕተ’ውን በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃረሙ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣብ መግለጺኡ፡ “እዚ ብዕጡቓት ሑቲ ዝፍጸም ዘሎ ዕኑድ መጥቃዕትታት ንዓለማዊ ንግዲ ብምዝንባዕ ንህይወት ዓለምለኻውያን ባሕረኛታት ይቐዝፍ ኣሎ” ኢሉ።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ: ባሕረኛታት መርከብ ‘ትሩ ኮንፊደንስ’ ካብ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሑቲ ንዝተውሃቦም መጥንቀቕታ ዕሽሽ ምባሎም ገሊጾም።

ኣብ የመን ዝርከብ ኢምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሞት ናይቶም ባሕረኛታት “ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ እንተኾነ ዘይተርፍ ውጽኢት ናይቲ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ሚሳይል መጥቓዕቲ’ዩ” ኢሉ።

ኣብ የመን ዝርከብ ኢምባሲ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሞት ናይቶም ባሕረኛታት “ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ እንተኾነ ዘይተርፍ ውጽኢት ናይቲ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ንግዳውያን መራኽብ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ሚሳይል መጥቓዕቲ’ዩ” ኢሉ።

እታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ መርከብ ሓደ ህንዳዊ፡ ኣርባዕተ ቬትናማውያን፡ 15 ፍሊፒናውያን ዝርከብዎም ብሓፈሻ 20 ባሕረኛታት’ዮም ነይሮማ። ብተወሳኺ ክልተ ስሪላንካውያንን ሓደ ኔፓላዊ ዕጡቓት’ውን ኣብታ መርከብ ነይሮም’ዮም።

እታ መርከብ ካብ ከተማ ዓደን ንደቡባዊ ምዕራብ 90 ኪሎሜተር ርሒቓ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ውሃቢ ቃል ዋና እታ መርከብን ኣካያዲኣን ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብሑቲ ትውነን መደበር ተሌቪዥን ኣል ሚስራሕ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ክልተ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ሑደይዳ ኣብ ዝርከብ ሑቲ ዝቆጻጸርዎ መዕርፎ ነፈርቲ ደብዳብ ከምዘካየዳ ኣቃሊሓ።

መርከብ ‘ትሩ ኮንፊደንስ ‘ብራድዮ ቪ-ኤች-ኤፍ ሓይሊ ባሕሪ የመን ኢና ብዝብሉ ሰባት ኣብ ናይ ሓባር ‘ፍሪኮንሲ’ መንገዲ ክትቅይር ይሕበራ ከምዝነበረ ‘ዩናይትድ ኪንግዶም ማሪታይም ትሬድ ኦፖሬሽን’ ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ትካል ገሊጹ።

ኣብ ጥቓኣ ዝነበራ ካልኦት ንግዳውያን መራኽብ ድሕሪ እቲ ናይ ራድዮ መጠንቀቕታ ብርቱዕ ድምጺ ብረትን ነትጒን ድሕሪ ምስምዐን ካብታ መርከብ ዝወጽእ ብርቱዕ ዒግታ ትኪ ከምዝርኣያ ሓቢረን።

መርከብ ትሩ ኮንፊደንስ ምስ ተሃረመት ብኣመሪካ ዝምርሑ ልፍንታውያን ሓይልታት ብቅልጡፍ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ነቶም ባሕረኛታት ኣብ ምውፃእ ከምዝሰርሑ እቲ ትካል ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ዘርኢ ካርታ

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እታ መርከብ ናይ ኣሜሪካ ምዃና’ኳ እንተገለጹ ኣፈኛ እቲ ዝውንና ትካል ግን ምስ ኣመሪካ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብላ’ዩ ገሊጹ።

ውሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ዕጡቓት ሑቲ ናይቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕትታት ተሓተትቲ ከምዝኾኑ ብምግላጽ ካልኦት መንግስታት’ውን ንሑቲ ተሓታቲ ኣብ ምግባር ክሰርሓ ጸዊዑ’ሎ።

መርከብ ትሩ ኮንፊደንስ ብትሩ ኮንፊደንስ ሺፒንግ ኤስ-ኤ ዝብሃል ትካል ትውነን ኮይና ኣብ ላይበርያ ተመዝጊባ በቲ ኣብ ግሪኽ ዝርከብ ‘ሰርድ ጃንዋሪ ማሪታይም ሊሚትድ’ ዝተብሃለ ትካል ከምዘካይዳ ይፍለጥ።

እንተኾነ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ‘ኦክትሪ ካፒታል ማነጅመንት’ ዝብሃል ትካል ይውንና ከምዝነበረ’ውን ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ። እቲ ትካል ግን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ’ሎ።

እታ መርከብ ሓጻዊንን ኣጉናድን ጽዒና ካብ ቻይ ናብ ጅዳ ስዑድ ዓረብ እናኣምረሐት እንከላ’ያ ተሃሪማ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ባንዴራ ሃገረ በሊዝ ሰቒላ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት ሩቢማር ዝተባህለት መርከብ ካብ ሑቲ ብዝተተኮሱ ሚሳይላት ድሕሪ ምህራማ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ምጥሓላ ይዝከር፡፡

መርከብ ሩቢ ማር 21 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ኣሙንየም ኒትሬት ዝተባሃለ ንድኹዒ ዘገልግል ኬሚካል ጽዒና

ብምንባራ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከባብያዊ ብከላ ከየስዕብ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።