ፓኪስታን፡ ዓብዪ ቀላይ'ታ ሃገር ከየዕለቕልቓ ተሰጊኡ

ዓብዪ ቀላይ ፓኪስታን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብ መዚ ፓኪስታን፡ ዓብዪ ቀላይ ሃገሮም ልዕሊ ዓቐን መሊኡ ንከይፈስስ ንምክልኻል ይረባረቡ ኣለው። ቀላይ ማንቻር ኣብ ደቡብ ምብራቕ ፓኪስታን ግዝኣት ሲንድ ይርከብ።

እቲ ንመዓልታት ኣብቲ ከባቢ ዝሃረመ ዝናብ ድማ መጠን ማይ እቲ ቀላይ ንክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ቀላይ ንከተንፍስ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ድሕሪ እዚ ኹሉ ግን፡ ትማሊ ሚኒስትሪ መስኖ እታ ግዝኣት መጠን ማይ እቲ ቀላይ “ኣይጐደለን” ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ግዝኣት ሲንድ፡ ፍርቂ ቀረብ መግቢ እታ ሃገር ዝፈርየሉ ከባቢ እዩ።

ብዙሓት ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ዝቃለሱላ ሃገር ፓኪስታን ዘጋጥም ዘሎ፡ ሓደጋ ውሕጅ ብዙሓት ንሕጽረት መግቢ ክቃልዑ ምኽንያት ከይኸውን ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ውሑጅ 33 ሚሊዮን ሰባት ተጐዲኦም እዮም።

ኤጀንሲ ምክልኻል ሓደጋ እታ ሃገር ከም ዝብሎ ብውሑድ 1314 ሰባት ሞይቶም’ዮም፤ ካብዚኦም እቶም 458 ህጻናት ከም ዝዀኑ ተፈሊጡ።

እቲ ውሑጅ ብውሑድ 10 ሚሊዮን ዶላር ዝበጽሕ ጉድኣት ከም ዘብጽሐ መረዳእታታት የመልክቱ።

እቲ ቀላይ ንኽልተ ዓድታት ከዕለቕልቕ እንከሎ፡ እቲ ማይ ውሒጁ ህዝቢ ናብ ዝነብረሎም ከባቢታት ጉድኣት ንከይበጽሕ እዩ ጻዕሪ ክግበር ጸኒሑ።

እቲ ቀላይ ንምትንፋስ ኣብ ዝተገብረ ስጉምቲ ግን ኣብ 400 መንደራት ዝነብሩ ዝነበሩ 135 ሽሕ ሰባት መንበሪ ገዝኦም ስኢኖም።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክኣ ነበርቲ ካብቶም ከባቢታት ጠቕሊሎም ክወጽኡ ተነጊሩዎም ኣሎ።

ሰብ መዚ መጠን ማይ እቲ ቀላይ ሓደገኛ ከም ዝዀነ የጠንቅቑ ኣለው።

ፓኪስታን፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዝኽሰቱ ሓፈገኛ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታታት የጋጥሙዋ ዘለው ኰይኖም፡ እቲ ዝሃርም ዘሎ ከቢድ ዝናብ ኣብ ሰሜናዊ እምባ ዝበዝሖም ከባቢታት ዝርከብ በረድ ምምካኹ ተደሚሩ ዕልቕልቕ ውሕጅ ኣስዒቡ።