ጀርመን ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት 65 ቢልዮን ዩሮ ባጀት ከምዝሰለዐት ኣፍሊጣ

ስኮልዝ (ካብ ጸጋም ካልኣይ)

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ኣብ ኤውሮጳ ንዘጋጠመ ዋሕዲ ቀረብ ጸዓት ነታ ዳርጋ 40% ጸዓት ካብ ሩስያ ክትዕድግ ዝጸንሐት ጀርመን እውን ስለዝጸለዋ እቲ መንግስቲ ንናህሪ ዋጋ ጸዓት ንምዕጋት ኣስታት 65 ቢልዮን ኤውሮ ባጀት ከምዝሰለዐት ኣፍሊጣ።

እቲ ባጀት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ንትካላት ጸዓት ዝተወፈየ ክልተ ተበግሶ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ሕጂ ነቶም ቀንዲ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ናይ ጸዓት ዘቕርቡ ትካላት ንግዲ ብሓደ እዋን ዝኽፈል እዩ።

ዋጋታት ጸዓት ሩስያ ንዩክረይን ካብ ዝወረረትሉ ዝሓለፈ ለካቲት ኣትሒዙ ክንህር ጸኒሑ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ እያ እታ ንጸዓት ብዝምልከት ኣብ ጸጋታት ሩስያ ክትምርኮስ ዝጸንሐት ኤውሮጳ ካብ ተጸባይነት ንኽትወጽእ ትጽዕር ዘላ።

ዩክረይን ከኣ ሃገራት ኤውሮጳ ሓቢረን ብጽንዓት ክምክታ ትጽውዕን ትላቦን ኣላ።

ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንቡር ህይወት ነፍሲ ወከፍ ኤውሮጳዊ ዜጋ ከተበላሹ ትጽዕር ከም ዘላ ብምግላጽ ኣብቲ ትማሊ ቀዳም ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሩስያ "ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኤውሮጳውያን ወሳኒ ናይ ጸዓት መጥቃዕቲ ተካይድ ከም ዘላን ሃገራት ኤውሮጳ ብሓድነትን ጽንዓትን ክምክተኦ ከምዘለወን ተዛሪቡ።

በዓልቲ ቤቱ ኦሌና ብሰንበት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ-መሕትት፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብሕብረት ንዩክረይን እንተደጊፈን እቲ ቅልውላው ክሓጽር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንብሪጣናውያን ናህሪ ዋጋ መነባብሮ እኳ እንተኸበዶም ዩክሬናውያን ግና ህይወቶም ይኸፍሉ ከም ዘለዉ ኣዘኻኺራ።

መርበብ ሓበሬታ ፖለቲኮ፡ ሰበ-ስልጣን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንወተሃደራውን ሰብኣውን ኩነታት ዩክረይን ክሕግዙ ኣብ ዝሕተትሉ ዘለው እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ናይ ግድን ቁጠባዊ ቃንዛ ክስምዖም ከምዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ብሰንበት ኣብ ጐደናታት ርእሰ-ከተማ ቸክ ፕራግ ኣስታት 70,000 ዝዀኑ ሰባት ፡ ካብ ተኸተልቲ የማናንን ጸጋምን ጕጅለታት ፖለቲካ፡ ኣንጻር ናህሪ ዋጋታት ጸዓት ሰላማዊ ሰልፊ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እተገብረ እገዳ ንኽለዓል ከምዝጸውዑ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም። እዚ ከኣ ምልክት ናይቲ ጽባሕ ንግሆ ዝዓቢ ብናህሪ ዋጋ መነባብሮ ዝኽሰት ተቓውሞ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሉቢሚን ዝበሃል ካብ ሩስያ ጋዝ ኣብ ዝኣትወሉ ተርሚናል ናይቲ ብኖርድ ስትሪም ዝፍለጥ መስመር ጋዝ ብኣማእታት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ተኣኪቦም ነይሮም።

ንሳቶም፡ እቲ ኖርድ ስትሪም 2 ዝብሃል ኣገልግሎት ጸዓት ክህብ ተዳልዩ ዝነበረ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ብመንግስቲ ጀርመን ዝተዓግተ ሓድሽ መስመር ሻምብቆ ንክኽፈት እዮም ዝጽውዑ ነይሮም።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ሩስያ ብመገዲ እቲ ኣቐዲማ እትዝርግሖ ዝነበረት ኖርድ ስትሪም-1 መስመር ሻምብቆ ጋዝ ኣቢላ ናብ ጀርመን እትልእኮ ዝነበረት ጋዝ ንዘይተወሰነ ግዜ ከምእትዓጽዎ ገሊጻ ነይራ።

እቲ ምስ ሩስያ ዘራኽብ መስመር፡ ንከም ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት ካብ ካልእ ቦታ ቀረባት ንክደልያ ኣገዲድወን ኣሎ። እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ፍርቂ ዝነበረ መኽዘን ነዳዲ ጀርመን ሕጂ ናብ 84% ወሲኹ ኣሎ ።

ናይ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ንጋዜጠኛታት ጀርመን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ጀርመን ካብ ሩስያ ከይተጸበየት እዚ ክረምቲ ክትሓልፎ ከም እትኽእል ብምርግጋጽ፡ “ ድሕሪ ደጊም ሩስያ ተተኣማምን ናይ ጸዓት መሻርኽቲ ኣይኮነትን" ኢሉ።

ንሱ፡ መንግስቲ ንጥሮተኛታት ተማሃሮን ብመንግስቲ ንዝጥወሩ ሰባትን ናይ ሓደ-እብረ ክፍሊት ከምዝህብን መጠን ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ከምዝድርቶን ተዛሪቡ።

ንኣስታት 9,000 ዝኾና ትካላት ንግዲ ጸዓት 1.7 ቢልዮን ኤውሮ ዝኸውን ናይ ቀረጽ ሕድገት ከምዝግበረለን ሓቢሩ።

እቲ ካብ ኩባንያታት ናይ ንፋስ ጸዓት ዝርከብ መኽሰብ ከኣ ንካልእ ወጻኢታት ከም ዘገልግል ሚስተር ሾልዝ ሓቢሩ። እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ንጀርመን ነቲ ብከሰል ዝሰርሕ መደበር መመንጨዊ ጸዓት ናብ ስራሕ ክትመልሶ ኣገዲዱዋ ኣሎ።

ጀርመን ኣብ ርእሲ እዚ ሕጂ ካብ ቅልውላው ጸዓት ንምውጻእ እትኸፍሎ ዘላ ዳርጋ 100 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ወጻኢ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እውን ቁጠባ ጀርመን ንምድጋፍ ኣስታት 300 ቢልዮን ዩሮ ወጸኢ ገይራ እያ።

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ እየን ዝወስዳ ዘለዋ ።

ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ዓቃባዊ ሰልፊ መራሒት ኮይና ተመሪጻ ዘላ ሊዝ ትሩዝ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ናይ ጸዓት ወጻኢታት ንምሽፋን መደብ ከም እተውጽእ ገሊጻ ኣላ ።

ናይ ኤውሮጳ ናይ ጸዓት ሚኒስትራት ብ 9 መስከረም ተራኺቦም ነዚ ናይ ጸዓት ዋጋታት ብኸመይ ከቃልልዎ ከምዝኽእሉ ክዝትዩ እዮም።

ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ዝወጸ ሰነድ ከምዝሕብሮ፡ እቲ ኣጀንዳ ዋጋ ጋዝን ጸዓትን ክውስንን ንትካላት ንግዲ ጸዓት ሓገዝ ንምሃብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።