ቦትስዋና ስደተኛታት ብሪጣንያ ክትቅበል ንዝቐረበላ ሕቶ ከምዝነጸገቶ ተገሊጹ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሌሞኻንግ ክዋፐ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ቦትስዋና ንምስግጋር ዘቕረቦ ሕቶ ከምዘይተቐበልዎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ተዛሪቡ።

ብሪጣንያ "ብዘይሕጋዊ ኣገባብ" ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግዓዝ ምስ ርዋንዳ ውዕል ከምዝፈረመትን እቲ ፖሊሲ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ብፓርላማ ጸዲቑ ከምዘሎን ይፍለጥ።

እቲ ሕቶ መዓስ ንቦትስዋና ከምዝቐረበላ ዘይጠቐሰ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሌሞኻንግ ክዋፐ፡ ምስ ሓደ ኒዊዝሩም ዝተባህለ ማዕከን ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ዩ ነቲ ሓበሬታ ሂቡ።

እቲ ሕቶ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ብመንገዲ "ዲፕሎማስያዊ መስመራት" ከምዝቐረበሎም'ውን እቲ ቦትስዋናዊ ብዓልስልጣን ጠቒሱ።

ብሪጣንያ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት'ያ ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ገዘባዊ ደገፍ ብምሃብ ጾራ ክስከማ ክትምሕጸነን ጸኒሓ።

ገለ ጸብጻባት ዜና እታ ሃገር ኣቐዲሞም ከምዝሓበርዎ፡ ብሪጣንያ ንርዋንዳ፡ ቦትስዋናን ኣይቮሪኮስትን ነቲ ሕቶ ኣቕሪባትለን ነይራ።

ብዘይካዚ፡ ኣውሮጳዊት ሃገረ ኣርሜንያ፡ ከምኡ'ው ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ብምስጋር ንላቲን ኣመሪካዊት ሃገረ ኮስታ ሪካ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪባትለን ምንባራ እቲ ጸብጻባት ይጠቅስ።

ቦትስዋና ናይ ባዕላ ብድሆታት ስደተኛታት ስለዘለዋ ተወሰኽቲ ሓተትቲ ዑቕባ ክትቅብል ከምዘይትኽእል'ዩ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

"መንግስቲ ብሪጣንያ ነዞም ሰባት [ስደተኛታት] ኣብ ሃገሩ ክጸንሑ ኣይደልዮምን ስለዝኾነ'ዩ ናብ ካልኦት ሃገራት ክሰዶም ዝደሊ ዘሎ።

"ናይ ባዕልና ጸገማት ኣብዚ ዞባ እንከለና፡ ዘይድለዩ ስደተኛታት ካብ ካልእ ሃገር ክንቅበል ንቦትስዋና ርትዓዊ ኣይኮነን" ብምባል ስለምንታይ ንሕቶ ብሪጣንያ ከምዘይተቐበሉ ኣብሪሁ።

ኣብ 2015፡ 10 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረዪ ግጥም ናብ ቦትስዋና ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣብታ ገሃር ዕቑባ ከም ዝሓተቱ ይፍለጥ።

ዝሓሸ ቁጠባን ፖለቲካዊ ምርግጋእን ዘለዋ ቦትስዋና ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ስደተኛታት ይውሕዙዋ'ዮም።

እቲ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝብሃል ዘሎ ተመሓዪሹ ዝጸደቐ ፖሊሲ ብሪጣንያ፡ ብዘይስሩዕ ኣገባብ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ከምዘይረኽቡ ዝገብር'ዩ።

እቶም ሓተትቲ ዑቕባ፡ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ምስተራእየ፡ ሕቶኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጥራይ'ዮም ክነብሩ ዝፍቀደሎም።

እቲ ውጥን ካብ ተሓለቕቲ መሰላትን ስደተኛታትን ተቓውሞን ሕጋዊ ብድሆታትን ከጋጥሞ ዝጸንሐ'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ነቲ ፖሊሲ ከምዘይፍጸም ዝገበሩ ተሓለቕቲ ነዚ ናይ ሕጂ'ውን ናብ ቤትፍርዲ ብምውሳድ ከተዓናቕፍዎ ተበግሶታት ክወስዱ ትጽቢት ይግበር።