ቻይናዊት ግዝኣት መጻምድቲ ክንዲ ዝደለይዎም ቈልዑ ክወልዱ ፈቒዳ

ስድራታት ቻይና

ምንጪ ስእሊ, EPA

ቻይና፡ እቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝባ የሻቕላ ኣብ ዘለወሉ እዋን ሲቹዋን ኣብ ዝተበሃለት ግዝኣታ ዝርከቡ መጻምዲ ክንዲ ዝደለይዎም ቈልዑ ክወልዱ ተፈቒዱሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቻይና ድሕሪ 60 ዓመታት ንፈለማ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ከምዝነከየ ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

እታ ሃገር ንዓሰርተታት ዓመታት ፖሊሲ ‘ሓደ ስድራ ሓደ ቈልዓ’ ክትክተል ጸኒሓ እያ።

ኣብ 2021 ድማ ብደረጃ ሃገር ንዝተመርዓዉ መጻምድቲ እቲ ቍጽሪ ወሊድ ናብ ሰለስተ ሓፍ ክብል ተገይሩ።

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ሲቹዋን ዝካየድ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ዘይተመርዓዉ ውልቀሰባት እውን ቈልዑ ከዕብዩ ይኽእሉ እዮም።

ብመሰረት እቲ ዝጸንሐ ፖሊሲ ቅድሚ ሎሚ ሓዳር ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ከይወልዳ እገዳ ነይሩ።

ቻይና ኣብ 2016 ነቲ ኣብ 1979 ዝተኣታተወ ኣካታዒ ‘ፖሊሲ ሓደ ቈልዓ’ ኣቋሪጻቶ።

ነቲ ሕጊ ዝጠሓሱ ስድራቤታት ክቕጽዑ እንከለዉ፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ስራሕ ከይተረፈ ይስእኑ ነይሮም።

ኣብታ ንደቂተባዕትዮ ካብ ደቂኣንስትዮ ዘቕድም ባህሊ ዝዕብለላ ቻይና እቲ ፖሊሲ ሓደ ቈልዓ ግዱድ ምንጻል ጥንሲ'ውን ኣስዒቡ እዩ።

እቲ ኣብ 2016 ዝጀመረ ለውጢ ግን፡ ነቲ ምንቍልቋል መጠን ወሊድ ደው ከብሎ ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቻይና ንፈለማ እዋን ካብ ዝተወልዱ ህጻናት ብዝሒ ሞት ከም ዝተመዝገበ ተገሊጹ።

ሎሚ ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር እትርከብ 80 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ግዝኣት ሲቹዋን ሰባት ክወልዱዎም ኣብ ዝኽእሉ ብዝሒ ቈልዑ ገደብ ኣይክህሉን እዩ።

ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ፡ መጠን ወሊድ ምዕባይ ቀዳምነት ሂብዎ ኣሎ።

መንግስቲ ነቲ ዝነከየ መጠን ብዝሒ ህዝቢ ንምቕያር ምጕዳል ግብሪን ዝሓሸ ክንክን ጥዕና ኣደታትን ኣቕሪቡ'ሎ።

እዚ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ቻይና ገና ኣብ መላእ ሃገር ምስ ኮቪድ ዝተኣሳሰር ሞት ንምንካይ እትቃለስ ኣብ ዘላትሉ እዋን'ዩ መፂኡ።

እቲ ቫይረስ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ‘ዜሮ ኮቪድ’ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድሕሪ ምልዓሉ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ተስፋሒፊሑ ይርከብ።

ንጃፓን ሓዊሱ ጐረባብቲ ሃገራት እውን ምንቁልቋል ብዝሒ መጠን ህዝቢ የሻቕለን ምህላዉ ይግለፅ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሃገሩ ከም ሕብረተሰብ ክትቕጽል ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ከምዘላ ይዛረብ።