ብስለላ ዝተኸሰሰ ቻይናዊ መሃንድስ 8 ዓመት ተፈሪዱ

ሚስጥራት ንግዲ ኣሜሪካ ኣሕሊፉ ዝሃበ ቻይናዊ መሃንድስ 8 ዓመት ተፈሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሚስጥራት ንግዲ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ንምስራቕ ምስ ዝተገበረ ጻዕሪ ተኣሳሲሩ ሓደ ቻይናዊ መሃንድስ ብስለላ ተኸሲሱ፡ 8 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ፡ እቲ ወዲ 31 ዓመት ቻይናዊ መሃንዲስ ጂ ቻኢኩን ሚስጥራት ንግዲ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ንምውሳድ ክሕግዙ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ተመራመርትን መሃንድሳትን መልሚሉ ከምዝወድአ ኣፍሊጡ።

እቲ መሃንድስ ካብዚ ብተወሳኺ ነቶም ዝመልመሎም ሰባት ሰነዳት ሓሶት ሂቡ ከምዝነበረን ንገዛእ ርእሱ ድማ ኣባል ዕቍር ሰራዊት ኣሜሪካ ኰይኑ ተመልሚሉ ከምዝነበረን ተፈሊጡ።

ጂ ቻኢኩን ነቲ ዝተወሃቦ ስርሒት ስለላ፡ ካብ ቀንዲ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ቻይና ከምዝነበረ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ገሊጾም።

ንሰራዊት ኣሜሪካ ናይ ሓሶት መረዳእታ ሂቡ ንዓቃቢ ሕጊ ከየፍለጠ ተወካሊ ናይ ደገ መንግስቲ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ዝሓለፈ መስከረም ክሲ ስለላ ከምዝተኸፈተሉ ዝፍለጥ’ዩ።

ጂ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ቪዛ ተመሃራይ ሒዙ ናብ ኣሜሪካ ከምዝኣተወ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ቻይናዊ መሃንድስ ኣባላት ድሕነት ኰይኖም ክምልመሉ ናይ ዝኽእሉ ሸሞንተ ሰባት መረዳእታ ንኣብ ሚኒስተር ኣገልግሎት ድሕነት ግዝኣት ጂያንግዙ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ብዝብል’ዩ ተኸሲሱ።

ንምልመላ ዝኸውን መረዳእታ ዝተኣከበሎም ኵሎምውልቀ ሰባት ተወለድቲ ቻይናን ታይዋንን’ኳ እንተዀኑ፡ ዜግነት ኣሜሪካ ዘለዎም’ዮም። ገሊኦም ድማ ኣብ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ብኮንትራት ተቘጺሮም ዝሰርሑ’ዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጂ ንሃገራዊ ረብሓ ኣሜሪካ ዘገልግል ክእለት ዘለዎም ወጻእተኛታት ንምምልማል ብዝወጽአ መደብ መሰረት፡ ኣብ 2016 ኣባል ዕቝር ሰራዊት ኣሜሪካ ኰይኑ ስራሕ ጀሚሩ።

ንሱ ኣብቲ ዘእተዎ ምልክታ ይዅን ብቓል ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅድመኡ ኣብ ዝነበሩ ሸውዓተ ዓመታት ምስ ናይ ደገ መንግስታት ዋላ ሓንቲ ርክብ ከምዘይነበሮ ናይ ሓሶት መረዳእታ ከምዝሃበ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ገሊጾም።

እንተዀነ ሓደ ስውር ኣባል ድሕነት ኣሜሪካ፡ ተወካሊ ሚኒስትሪ ድሕነት ቻይና መሲሉ ምስ ቀረቦ፡ ጂ ስለዝተቓልዐ፡ ኣብ 2018 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።

ጂ ምስቲ ኣባል ድሕነት ኣሜሪካ ኣብ ዝተራኸበሎም ግዜያት፡ በቲ ዝነበሮ ኣባል ሰራዊት ምዃኑ ዝገልጽ ወረቐት መንነት ተጠቒሙ ነፈርቲ ዝስከማ መራኽብ ናይ ምርኣይን ስእልታት ናይ ምስኣልን ዕድል ከምዘለዎ ነጊርዎ።

ብተወሳኺ ዜግነት ኣሜሪካ ምስረኸበን ምርመራ ድሕነት እታ ሃገር ሓሊፉ ምስወድአን ድማ ኣብ ሲኣይኤን ኤፍቢኣይን ከምኡ’ውን ኣብ ናሳ ስራሕ ንምርካብ ከምዝጽዕር ሓቢርዎ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 8 ዓመት ማእሰርቲ ተበይንሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ጂ፡ ኣብ ሓደኦም ትካላት ድሕነት ኣሜሪካ ስራሕ ተቘጺሩ መረዳእታ ሳይንሳዊ ምርምራትን ኣብ ቀንዲ ማዕከን ሓበሬታኦም ናይ ምእታው ዕላማ ከምዝነበሮን ተፈሊጡ።

ሰበስልጣናት ኣሜሪካ፡ ጂ ካብ ሓደ ፍሉጥ ላዕለዋይ ሓላፊ ድሕንነት ቻይና ዝዀነ ዡ ያንጁ መምርሒ ይቕበል ከምዝነበረ ብተወሳኺ ኣፍሊጦም።

ካብ ጀነራል ኤሌትሪክን ትካላት ኣቭየሽን ኣሜሪካን ጕዕዞ ህዋን ሚስጥራት ንግዲ ንምጕሓል ተንኮል ይኣልም ከምዝነበረ ዝተነገረሉ ዡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተበይኑሉ’ዩ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ከኣ፡ ሰራሕተኛ ጀነራል ኤሌክትሪክ ዝነበረ ዤንግ ዢያኩንግ ካብቲ ዝሰርሓሉ ትካል ንመንግስቲ ቻይና ሚስጥራዊ መረዳእታ ኣሕሊፉ ስለዝሃበ ማእሰርቲ ክልተ ዓመት ተፈሪድዎ'ዩ።

ኣብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓላፊ ኤፍቢኣይ ክርስቶፈር ራይ፡ ቻይና ኣእምሮኣዊ ንብረት ምዕራባውያን ትካላት “ዘሪፋ” ኢንዱስትርያዊ ልምዓታ ብምቅልጣፍ ቀንዲ ጽላታት ብልዕልነት ንምምራሕ ተጊሃ ትሰርሕ ከምዘላ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

እንተዀነ ቻይና ነቲ ብሓላፊ ኤፍቢኣይ ዝቐረበላ ክሲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ “ጽቡቕ ምስሊ ቻይና ንምድዋን'ዩ” ኢላ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ በዓል ስልጣን “ክሳዕ ሎሚ ኣተሓሳስባ ዝሑል ኵናት ዘሰጕም’ዩ” ክትብል ነጺጋቶ።