ቭላድሚር ፑቲን ብኸመይ'ዩ ንቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ኣፈራሪሑዎ?

ቦሪስ ጆንሰን

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዘካየድ ብምፍርራሕ ተዛሪቡኒ ክብል ገሊጹ።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ኲናት ዩክረይን ቅድሚ ምውልዑ ምስቲ ሩስያዊ ፕረዚደንት ብዛዕባ ዘካይዶም ዝነበረ ዝርራባት ንሰነዳዊ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ሓደ ዘካየድዎ "ዘይንቡር" ዝበሎ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ዘጋጠመ ምንባሩ ገሊጹ።

ብሚሳይል ንምህራሙ "ደቓይቕ ጥራይ'ዩ ዝወስድ" ክብል ፑቲን ከምዝተዛረቦ'ዩ ጆንሰን ዝጠቅስ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ቦሪስ ጆንሰን፡ ሩስያ ንዩክረይን እንተወሪራታ እቲ ኩነታት "ጥፍኣት" ከምዘኸትል፡ ከምኡ'ውን ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊኡ ከቢድ እገዳታት ክገብራ ምዃነን ንፑቲን ኣጠንቂቑዎ ነይሩ።

ጆንሰን፡ ዩክረይን "ኣብ ቀረባ እዋን ኣባል ኔቶ" ከምዘይትኸውን ንፑቲን ቃል ብምእታው፡ ንወተሃደራዊ ስጉምቲ ሩስያ ንምግታእ ጻዕርታት ኣካይዱ ነይሩ።

"ሓደ እዋን፡ 'ቦሪስ፡ ክጎድኣካ ኣይደሊን'የ፡ ግና ብሚሳይል ሓደ ደቒቕ ጥራይ'ዩ ዝወስድ' ወይ ከምዚ'ታት ኢሉኒ። መስሓቕ።

"ግና፡ ከምዝመስለኒ ህዱእ ቃና ምጥቃሙ፡ ካብ ነገራት ዝተነጸለ መንፈስ ዝነበሮ ምዃኑ፡ ምስቲ ኣነ ናብ ዘተ ንምእታዉ ዝገብሮ ዝነበርኩ ይጻወት'ዩ ነይሩ"።

ኣብቲ "ኣዝዩ ዘይንቡር ዝርርብ ቴለፎን"፡ ፑቲን "ኣዝዩ ልሉይ'ዩ" ነይሩ ክብል ጆንሶን ይገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር (10 ዳውኒንን ስትሪት) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺታት ብዛዕባ'ቲ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ኣይጠቐሰን። ዝርዝር ናይ ዝኾነ ወግዓዊ ናይ ቴለፎን ዝርርብ ብሰብመዚ'ቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝስነድ ይፍለጥ።

እቲ ቦሪስ ዝበሎ ምፍርራሕ ናይ ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ቀሊል ኣይኮነን።

ግና፡ ቅድሚ ሕጂ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ-ብፍላይ እቲ ኣብ 2018 ኣብ ሳሊስበሪ ዝተፈጸመ ቀመማዊ መጥቃዕቲ - ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዋላ'ኳ ቀሊል ዝመስል እንተኾነ ብዕትበት ካብ ምርኣዩ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን።

ኣፈኛ ፕረዚደንት ፑቱን ንርእይቶ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ወይ ብፍላጥ ዝተማህዘ ሓሶት'ዩ፡ ከምኡ እንተኾይኑ ኸኣ ስለምንታይ ከምዝሓሰወ ሕተትዎ፡ ወይ'ውን ብፍላጥ ዘይተገብረ ሓሶት'ዩ። ፕረዚደንት ፑቲን ዝብሎ ዝነበረ ኣይተረድኦን ማለት'ዩ" ኢሉ።

"ሚሳይላት ናይ ምጥቃም ምፍርራሕ ኣይነበረን" ክብል ዲሚትሪ ፐስኮቭ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቭላድሚር ፑቲን "ዩክረይን ናብ ኔቶ እንተ ተጸንቢራ፡ ኣብ ዶባት ሩስያ ሚሳይላት ኔቶን ኣመሪካን እንተ ተተኺሉ፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ሚሳይላት ናብ ሞስኮ ክበጽሕ ይኽእል'ዩ" ማለቱ ምዃኑ'ዩ እቲ ኣፈኛ ዝሕብር።

ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወተሃደራዊ ወራር ድሕሪ ምእዋጁ፡ ዝኾነት ሃገር ኢዳ ከተእቱ እንተፈቲና፡ ክሳብ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክጥቀም ከምዝኽእል ብምእማት ኣጠንቂቑ ምንባሩ ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቦሪስ ጆንሰን ምስ ፑቲን ድሕሪ ምዝርራቡ፡ ድሕሪ 9 መዓልታት ጸሓፊ ምክልኻል ብሪጣንያ በን ዋለስ ናብ ሞስኮ ብምኻድ ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ሰርገይ ሾይጉ ተዘራሪቡ ነይሩ።

እቲ ቢቢሲ ዘዳለዎ 'ፑቲን ኣንጻር ምዕራብ' ዘርእስቱ ሰነዳዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ እቲ ላዕለዋይ ብሪጣንያዊ ሚኒስተር፡ ሩስያ ንዩክረይን ናይ ምውራር ውጥን ከምዘይብላ መብጸዓታት ተኣትዩሉ'ዩ ተመሊሱ። እንተኾነ ግና፡ ክልቲኦም ወገናት ሓሶት ምዃኑ ዝፈልጥዎ ምንባሩ ይዛረብ።

"ናይ ምድሃል ወይ ሓይሊ ንምርኣይ'ዩ ነይሩ፡ 'ክሕስወኩም'የ፡ እሕሱ ከምዘለኹ ትፈልጡ ኢኹም፡ እሕሱ ከምዘለኹ ከምእትፈልጡ'ውን እፈልጥ'የ፡ ግና ሕጂ'ውን ክሕስወኩም'ዩ።

"'ኣነ ሓያል'የ' ንምባል'ዩ ዝመስለኒ" ይብል ጸሓፊ ምክልካል ዋለስ።

"እቲ ዘፍርሕ ግና ቀጥታዊ ሓሶት" ሩስያ ክትወርር ምዃና ከምዘረጋገጸሉ ተዛሪቡ።

ካብቲ ኣኼባ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ሩስያ ዝነበረ ጀነራል ቫለሪ ጀራሲሞቭ፡ "ድሕሪ ሕጂ ፈጺምና ኣይክንዋረድን ኢና" ክብል ከምዝተዛረቦ'ውን ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ሓላፊ ትካል ስለያ ኣመሪካ (ሲ-ኣይ-ኤ)፡ ዊልያም በርንስ ብዛዕባ'ቲ ስግኣት ወራር ሩስያ ንምዝርራብ ብ2 ሕዳር 2021 ሞስኮ ኣትዩ ነይሩ።

ብሰንኪ ዝነበረ ግመ፡ ነፋሪቱ ቀልጢፋ ክትዓልብ ስለዘይክኣለት፡ ንሰዓታት ኣብ ዙርያ ሞስኮ ክትኮልል ተገዲዳ። ኣብ መወዳእታ ዓሊባ፡ ናብ ክረምሊን ምስበጽሐ ግን፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኣይጸንሖን። ለበዳ ኮቪድ-18 ኣብ ዝነብረሉ እዋን ኣብታ ኣብ ደቡብ ሩስያ እትርከብ ወደባዊት ናይ ቱሪዝም ከተማ ሶቺ ኣጽሊሉ'ዩ ነይሩ።

ስለዚ ብቴለፎን'ዮም ተዘራሪቦም።

ዳይረክተር ሲ-ኣይ-ኤ በርንስ፡ እቲ ካብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሒዙዎ ዝመጸ መልእኽቲ ከምዘለዎ'ዩ ሂብዎ። ንሱ ድማ፡ ፑቲን እንታይ ይሓስብ ከምዘሎ ኣመሪካ ፈሊጣቶ ከምዘላን፡ ከምዚ ዓይነት ወራር እንተፈጺሙ ከቢድ ዋጋ ክኸፍል ምዃኑ'ዩ ነይሩ።

ንሱ ከምዝበሎ፡ እቲ ሩስያዊ ፕረዚደንት ናይ ምውራር ውጥን ከምዘለዎ ከይከሓደ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘለዎ መረረ ተዛሪቡ።

"ቅድሚ ናብ ሞስኮ ምብጸሐይ ተሻቒለ'የ ነይሩ። ኣብ መልሰይ ግን ዝያዳ'የ ሰጊአ" ይብል እቲ ሓላፊ ስለያ።

ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ ካብ ሩስያ ካብ ዝምለስ ክልተ ሳምንቲ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ብ24 ለካቲት 2022 ታንክታት ሩስያ ናብ ዩክረይን ክንቀሳቐሳ ጀሚረን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ቦሪስ ጆንሰን፡ ለይቲ ካብ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ቴለፎን ተደዊልሉ።

"ዘለንስኪ ኣዝዩ ኣዝዩ ህዱእ'ዩ" ክብል ጆንሰን ኣብታ ለይቲ ንዝነበሮም ዝርርብ ይዝክር። "እንተኾነ ግና፡ ብኹሉ ኣንፈት መጥቃዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ ትፈልጥ ኢኻ ኢሉኒ"።

ጆንሰን፡ ነቲ ፕረዚደንት ናብ ውሑስ ቦታ ክወስዶ ከምዝኽእል ቃል ኣትዩሉ።

"ነቲ ዘቕረብኩሉ ምርጫ ኣይተቐበሎን። ብትብዓት ኣብታ ዝነበራ ጸኒሑ"።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ካብቶም ኣብ ጎኒ ዘለኒስኪን ዩክረይንን ደው ብምባል ወተሃደራዊ፡ ፋይናንሳውን ሰብኣውን ደገፍ ኣብ ምሃብ መሪሕ ተራ ዝተጻወቱ መራሕቲ ኣውሮጳ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ዝትርኽ ሰነዳዊ ጸብጻብ ትማሊ ሰኑይ ንፈለማ እዋን ኣብ ተለቪዢን ተፈንዩ ኣሎ።