ቱርኪ፡ ወዲ ፕረዚደንት ሶማልያ ንኽእሰር ትእዛዝ ኣውጺኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ በዓል ሞተር ሳይክል ሓደጋ ዘውረደ ወዲ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ዓለምለኻዊ ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺኣ።
ፖሊስ ከም ዝሕብሮ፡ መሓመድ ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ኣብ ኢስታንቡል ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣብ እዋን ቀትሪ ንሓደ በዓል ሞተር ሳይክል ከም ዝጋጨወ ሓቢሩ።
ፖሊስ፡ እቲ ወዲ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ መኪና ቆንስል ሃገሩ ኣብ ቱርኪ ይዝውር ከምዝነበረ ጠቒሱ።
ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ መሓመድ እገዳ መገሻ'ኳ እንተንበረት፡ ሰበስልጣን ግን ድሮ ካብታ ሃገር ኣምሊጡ ከምዘሎ ይኣምኑ።
ከንቲባ ከተማ ኢስታንቡል ኤክረም ኢማሞግሉ ኣብ ኤክስ [ትዊተር] ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ነቲ ብ30 ሕዳር ዘጋጠመ ፍጻመ ዘርኢ፡ ብሲሲቲቪ ካሜራ ዝተላዕለ ሃሳስ ምስሊ ዘርጊሑ።
ኣብቲ ስእሊ፡ ኣብ ሓደ ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዘለዎ ጽርግያ እታ መኪና ብድሕሪት መጺኣ ነታ ሞተር ሳይክል ክትሃርማ ትርአ።
እቲ ወዲ 38 ዓመት ኣቦ ክልተ ቈልዑ ዝዀነ በዓል ሞተር ሳይክል ዩኑስ ኤምረ ጎቸር፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ብኡ-ንብኡ ናብ ሆስፒል'ኳ እንተተወስደ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልታት ግን ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ።
ፈለማ ዝወጸ ጸብጻብ ፖሊስ፡ እቲ ጉድለት ናይቲ በዓል ሞተር ሳይክል ምዃኑ ስለዝገልጽ ወዲ'ቲ ፕረዚደንት ከምዝተፈትሐ ማዕከናት ዜና ቱርኪ ንጠበቓ እቲ ግዳይ ጠቒሰን ኣቃሊሐን።
ገምጋም ናይቲ ድሒሩ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ካብቲ ቀዲሙ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ፖሊስ፡ ዝተፈለየ ምዃኑ ይሕብር።
ወዲ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ብዛዕባ እቲ ክሲ ዝዀነ ይዅን ርእይቶ ኣይሃበን።
ዓቃቢ ሕጊ ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓለምለኻዊ ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ።
እዚ ድማ፡ ፖሊስ ናብ ገዛኡ ብምኻድ ዳርጋ ሓደ ሰሙን ኣብኡ ከምዘይጸንሐ ምስ ኣረጋገጹ ከምዝዀነ፡ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ቱርኪን ሶማልያን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ እናዓበየ ዝመጸ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ዘለወን ኰይነን፡ ቱርኪ ኣብ ምህናጽ ትሕተ ቅርጺ፡ ወተሃደራዊ ስልጠናን ሰብኣዊ ሓገዝን ካልእን ኣበርክቶ ትገብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







