ወዶም ውላድ ስለዘይሃቦም ዝኸስዎ ዘለው ስድራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ግዝኣት ኡታራክሃንድ ዝቕመጡ ስድራቤት፡ እንኮ ወዶም ድሕሪ ናይ ሽዱሽተ ዓመት መርዓ፡ ውላድ ስለዘይሃቦም፡ ንወዶምን በዓልቲ ቤቱን ይኸሱ ኣለዉ።
እዞም ሳንጂቭን ሳድሃና ፕራሳድን ዝተባህሉ ስድራቤት፡ እቲ ንዓመታት ዝዓቘርዎ ገንዘብ፡ ወዶም ንምዕባይ፡ ንናይ ፓይለት ትምህርቱን ንመማዕረጊ ገፊሕ መርዓኡ ከም ዘወድእዎን ይዛረቡ።
እቶም ስድራ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝዀነ ቈልዓ እንተዘይተወሊዱ፡ ኣስታት 650 ሽሕ ዶላር (525 ሽሕ ፓውንድ) ዝግመት ካሕሳ ክወሃቦም ከኣ ይጠልቡ ኣለዉ።
ወዶምን በዓልቲ ቤቱን ገና ርእይቶ ኣይሃቡን ዘለው።
እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ዘይተለምደ ክሲ፡ "ስነ-እምሮኣዊ ምግፋዕ" ብዝብል ምኽንያት እዩ ቀሪቡ።
ፕራሳድ ኣቦ እቲ ወዲ፡ ኵሉ እቲ ዘዋህለሎ ገንዘብ ኣብ ወዱ ከም ዘውጽኦን፡ ኣብ 2006 ድማ 65 ሽሕ ዶላር ወጻኢታት ብምግባር ናብ ኣሜሪካ ንትምህርቲ ፓይለት ከም ዝሰደዶን ገሊጹ።
ኣብ 2007 ናብ ህንዲ ተመሊሱ፡ ስራሕ ስለ ዝሰኣነ ስድራኡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብገንዘብ ክድግፍዎ ከም ዝተገደዱ ታይምስ ኦፍ ኢንዲያ ኣቃሊሑ።
ወዲ 35 ዓመት ሽረይ ሳጋር፡ ኣብ መወዳእታ ከም ፓይለት ስራሕ ረኺቡ። ወለዱ፡ ኣብ 2016፡ ኣብ እዋን ጥሮታኦም "ዝጻወቱሉ ውሉድ" ክህልዎም ተስፋ ብምግባር፡ ንሓዳር ከም ዘዳለዉዎ ይዛረቡ።
እቶም ወለዲ፡ እቲ መርዓ ኣብ ሓደ በዓል 5 ኮኾብ ሆቴል ከምዘካየድዎን፡ 80 ሽሕ ዶላር ዝዋጋኣ መኪናን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኽሕጸን ኵሉ ወጻኢታቱ ከም ዝኸፈሉሉን ይዛረቡ።
"ወደይ ካብ ዝምርዖ ሽዱሽተ ዓመት ኣቝጺሩ'ሎ፣ እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ክወልዱ ኣይሓስቡን ዘለዉ፡" ኢሉ። "ብውሑዱ ምሳና ግዜ ዘሕልፍ ውላድ እንተሃቡና፡ ቃንዛና ዝጽወር ክኸውን'ዩ።"
ጠበቓ እዞም ወለዲ፡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሳቶም ነቲ ገንዘብ "ብሰንኪ ኣእምሮኣዊ ጭካነ" ከምዝሓተቱ ገሊጹ።
"ሓጐታት ምዃን ሕልሚ ኵሉ ወላዲ'ዩ። ሓጐታት ክዀኑ ንዓመታት ክጽበዩ ጸኒሖም'ዮም።"
ጥርዓን እዞም ስድራ፡ ን17 ግንቦት ብቤት ፍርዲ ክረአ ትጽቢት ይግበር። ወዶምን በዓልቲ ቤቱን ግን ርእይቶ ዝሃቡ ኣይመስሉን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







