ዴንማርክ ስደተኛታት ሓገዝ ክረኽቡ ኣብ ሰሙን 37 ሰዓታት ክሰርሑ ከምዘለዎም ሓቢራ

ቀዳማይ ሚኒስተር መተ ፍረደሪክሰን ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ተሪር መርገጺ ትወስድ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ዴንማርክ ዝርከቡ ስደተኛታት ሓገዝ ክረኽቡ ኣብ ሰሙን 37 ሰዓታት ክሰርሑ ከምዝግደዱ ተገሊጹ።

እዚ ነቶም ኣብ ደንማርክ ንሰለስተ ኣርባዕተ ዓመታት ተቐሚጦም ክንሶም ከረዳድእ ዝኽእል ቋንቋ ዴንሽ ክሕዙ ዘይከኣሉ'ውን ዝምልከት እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መተ ፍረደሪክሰን፡ እዚ ሕጊ ብቐጥታ ነተን ካብ "ምዕራባውያን ዘይኮና" ሃገራት ዝመጽኣ ብሓገዝ መንግስቲ ዝነባበራ ደቀንስትዮ ዝዓለመ እዩ ኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ዴንማርክ ንፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ብተደጋጋሚ ከተትርሮ ጸኒሓ እያ።

ኣብዚ እዋን ንሕቶ ዑቕባ ኣብ ዴንማርክ ናብ ዜሮ ዘውርድ፡ ካብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ዝጸንዐ ምቁጽጻር ተተኣታቱ ኣላ።

እቲ መንግስቲ፡ እቲ ሓድሽ ውጥን፡ ስደተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ዴንማርክ ንኽተሓዋወሱ ዝደፍእን ዝሕግዝን ከምዝኾነ ክገልጽ እንከሎ፡ ገሊኦም ግን እቲ ሕግታት ግጉይን ዘይፍትሓውን እዩ ክብሉ ይቃወምዎ።

ሚስ ፍረድሪክሰን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ሰባት ኣበርክቶ ክገብሩን ክሕግዙን ግዴታ ኣለዎም። ስሩዕ ስራሕ ክረኽቡ እንተ ዘይክኢሎም ከኣ፡ ከምቲ ካብ መንግስቲ ዝረኽቡዎ ሓገዝ ከከም ዓቕሞም ኽዓዩ ክኽእሉ ኣለዎም"

"ንብዙሕ ዓመታት ካብ ሰባት ዝኾነ ነገር ከይሓተትና ዝግባእ ኣገልግሎትን ሓገዝን ክንህቦም ዝከኣለና ገይርና ኢና" ኢላ።

እቲ ሕግታት ንስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ዝዓለመ ምዃኑ ዝገለጸት እታ ምኒስተር፡ ሽዱሽተ ካብ 10 ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ቱርክን ዝመጽኣ ደቀንስትዮ ከምዘይሰርሓ ገሊጻ።

"ዓያዪ ጉልበት ዝሓትት ሓያል ቊጠባ እናሃለወናን፡ ማሕበረሰብ ንግዲ ሽቃሎ እናደለየን፡ ኣብ ሽቕለት ዘይሳተፋ ደቀንስትዮ ክህልዋ ጸገም እዩ" ኢላ።

ሚኒስተር ዕዮ፡ ፒተር ሁመልጋርድ፡ እቶም ሓገዝ ዝሓቱ ስደተኛታት ክሰርሑዎ ዝሕተት ዘሎ ስራሕ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ውዳቕ ሽጋራ ካብ ምልዓል ኣትሒዝካ ክሳብ ኣብ ኩባንያታት ምስራሕ ከጠቓልል ከምዝኽእል ገሊጹ።

ይኹን እምበር ወሃቢት ቃል ጸጋማይ ክንፊ ሓድነት፡ ማይ ቪላድሰን ነቲ ውጥን ብምንቃፍ እቲ እማመ ብሓገግቲ ኣካል ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ ኢላ።

ኣብ ተሌቪዥን -2 ብምቕራብ ከኣ፡ "እዚ ንሰባት ብመንግስቲ ናብ ዝድገፍ ማሕበራዊ ጐሓፍ ምድርባይን፡ ንሰባት ናብ ዜበሳጩ ስራሕ ብምስዳድ ጭንቀት ምፍጣርን ከይከውን እፈርሕ እየ" ኢላ።

ኣብ ኮፐንሃገን እትነብር ጓል 51 ዓመት ስደተኛ ነጃት ጫፈሂ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሕጊ "መፍትሒ ኣይኮነን" ኢላ። ንሳ እውን ኣብ ኣብ ተሌቪዥን -2 ብምቕራብ እታ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ብዛዕባ እንታይ ትዛረብ ከም ዘላ ኣይትፈልጥን እያ" ክትብል ርእይቶኣ ሂባ።

ወይዘሮ ቻፈሂ ወሲኻ፡ ንሳን ብዙሓት ካልኦት ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ንጡፍ ምድላይ ስራሕ ምህላወን ገሊጻ።

"ኣብ ዝሓተትካዮ ትካል እናተነጸግካ ከመይ ጌርካ ክትሰርሕ ትኽእል? ኢላ።

እንተዀነ ግን: ዕለታዊ ስራሕ ዘይብሉ ደካር ሙሓመድ ዝበሃል ስደተኛ "እንተ ክኢልካ ምስራሕ ዝመስሉዎ የሎን " ኢሉ።

ወይዘሮ ፍረድሪክሰን ኣብ 2019 ናብ ስልጣን ካብ ትመጽእ ኣብ ደንማርክ ሕቶ ዑቕባ ኣዝዩ ኣንቆልቊሉ ይርከብ።

ካብ ዝሓለፈ 1 ጥሪ ክሳዕ 31 ሓምለ ኣብ ዴንማርክ 851 ሰባት ጥራይ እዮም ዑቕባ ሓቲቶም። እዚ ኣሃዝ እዚ ምስ ናይ 2015 ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ሽዕኡ ልዕሊ 21,000 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዴንማርክ ዝኣተዉሉ ዝለዓለ ጥርዚ እዩ ነይሩ። ።