ኮሮናቫይረስ፡ ካናዳ ክታበት ፋይዘር ንህፃናት ክወሃብ ኣፍቂዳ

ክታበት ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካናዳ ክታበት ኮሮናቫይረስ ፋይዘር ካብ 12 ክሳብ 15 ንዝዕድሚኦም ህፃናት ክወሃብ ኣፍቂዳ።

እዚ ውሳነ፡ ካናዳ ኣብዚ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ህፃናት ፍቓድ ዝሃበት ፈላመይቲ ሃገር ክትከውን ኣኽኢልዋ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ናይ ሳልሳይ ምዕራፍ 'ክሊኒካል' ፈተነ ኣብ መረዳእታታት ተደሪኹ ክታበት ፋይዘር ንህጻናት ክወሃብ ከምዘፍቀደ ኣፍሊጡ።

ኣማኻሪ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር፡ "ኣብዚ ክሊ ዕደመ ዝርከቡ ህፃናት ዝተፈተነ እዚ ክታበት፡ ዘተኣማምንን ውፅኢታውን እዩ" ኢሉ።

ካናዳ ቅድም ክብል ልዕሊ 16 ዝዕድሚኦም ሰባት ክታበት ፋይዘር ክወስዱ ምፍቃዳ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝዓረገላ ግዝኣት ኣልቤርታ፡ ድሕሪ 9 መዓልታት ካብ 12 ክሳብ 15 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰገናት ክታበት ፋይዘር ክኽተቡ'ዮም።

ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ 20 ሚእታዊት ዕድመኦም ትሕቲ 19 ዓመት ከምዝኾነ ይግለፅ።

ድንጉይ ከይዲ ኣወሃህባ ክታበት ከምዘለዋ ኣብ ዝግለፅ ካናዳ፡ 34 ሚእታዊት ህዝባ፡ እንተውሓደ ፈላማይ ዙር ክታበት ወሲዱ እዩ።

ኮሮና