ኮሮናቫይረስ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ህንዲ ክታበት ኣስትራዜኔካ ናይ ምምጻእ መደባት ሰሪዝዎ

ክታበት ኣስትራዜኔካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ክታበት ኣስትራዜኒካ ዘፍሪ ሰሩም ኢንስቲቱት ዝብሃል ህንዳዊ ትካል ክታበት ኣስትራዜኔካ ናይ ምምጻእ ዝነበሮ መደባት፡ ምስ ቀረባት ብዝተሓሓዝ ጉዳያት ዘይዕግበት ስለዝፈጠረሉ፡ ንዕኡ ኣቋሪጹ ምስ ኣመሪካዊ ትካል ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ሓድሽ ውዕል ከምዝተፈራረመ ገሊጹ።

ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒከንጋሶንግ ቀጻልነት ዘለዎ ቀረባት ክታበት ኣዝዩ ወሳኒ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ህንዲ ኣብ ሰደዳት መድሃኒት ትኽተሎ ተሪር ሕጋጋትን እገዳታትን ንኣፍሪቃ ሕልኽላኻት ይፈጥረላ ምህላዉ ገሊጹ።

ዶክተር ጆን ኒከንጋሶንግ ብምቕጻል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኣስትራዜኒካ ምስ ናይ ቀረብ ጸገማት ብዝተሓሓዝ’ምበር፡ ምስቲ ኣስትራዜኒካ ኣብ ገለ ሰባት ምርጋእ ደም የስዕብ’ዩ ዝብል ዘረባታት ዝተሓሓዝ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወጻኢታቱ ካብቲ ክታበት ከውሕስ ዝነበሮ መደባት’ዩ ደው ኣቢልዎ’ምበር፡ ብመንገዲ ኮቫክስ ናብ ኣፍሪቃ ዝመጽአ ክታበታት ኣስትራዜኔካ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ህንዳዊ ትካል ሰሩም ኢንስቲቱት ዓለማዊ ቀረባት ክታበት ኣስትራዜኔካ ከማልእን ነቲ ክታበት ከፍርን በቲ ንክታበት ኣስትራዜኔካ ዝሰርሐ ኦክስፎርድ ወግዓዊ ፍቓድ ዝተውሃቦ ትካል እዩ።

እቲ ኣብ ኒው ደልሂ ዝመደበሩ ትካል ንሃንደበታዊ ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ዝውዕል ክታበት ከዚኑ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

ዳይሬክተር ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ጆን ኒከንጋሶንግ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምስ ክታበት ጆንሶን ኤንድ ጆንሶን ዘፍሪ ኣመሪካዊ ትካል፡ 400 ብልቃጥ ክታበት ንኽውሓሰሉን ክቐርበሉን ተፈራሪሙ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ።

ኮሮና