ደቡብ ኣፍሪቃ ክታበት ኣስትራዘኔካ ናይ ምኽታብ መደብ ኣቋሪጻ

ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ኣብ ኦክስፎርድ ብሪጣንያ ዝፈረየ ኣስትራዜኔካ ክታበት ኮሮና ቫይረስ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተረኸበ ሓድሽ ዓይነት እቲ ቫይረስ ዘይፍውስ ከይኑ ምሰረኸበቶ፡ እቲ ክታበት ናይ ምሃብ መደብ ጠጠው ኣቢላ።

ተመራመርቲ እቲ ክታበት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ 90 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ውጽኢታዊ ኮይኑ ረኺቦምዎ።

እቲ ኣብ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቲ ክታበት ኣብ ልዕሊ ፍኹስ ዝበለ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ትሑት ናይ ምክልእኻል ዓቕሚ ከምዘርአየ እቶም ተመራመርቲ ተዛሪቦም።

ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ብሪጣንያ ሓደ ሚልዮን ኣስትራዜኔካ ክታበት ዓዲጋ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምኽታብ ክትጅመር መደብ ሒዛ ነይራ።

እንተኾነ፡ ትማሊ ሰንበት ሚኒሰተር ጥዕና እታ ሃገር ዝወሊ ኤምኺዘ፡ ምስቲ ሓድሸ መጽናዕታዊ ርኽበት ተዛሚዱ፡ እቲ ክታበት ንምጥቃም ተወሳኺ ሞያዊ ምኽሪ ከድለ እዩ ብዝብል እቲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ ምኽታብ መደብ ከምዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ምርምር ብዩኒቨርሲቲ ዋተርስራንድ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ዛጊድ ብኻልኦት ማእኸላት ምርምር ደጊሙ ኣይተረጋገጸን ኣሎ።

እዚ ከምዚ እንተሎ፡ መንግስቲ ነቲ ካብ ጆኖሶን ኤንድ ጆንሶን ዝፈረየ ከምኡ'ውን ፒፊዘር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክታበት፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ምኽታብ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ኣብ ግንባር ኮይኑ ዝመርሐ ፕሮፌስ ሻቢር ማዲ፡ "ይኹን'ምበር ኣስትራዘኔካ ካብ ትሑትን ማእኸላይን ረኽሲ እቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ተኽእሎ የብሉን" ኢሉ።

እቲ ፈተነ፡ ኣብ ቀሊል ረኽስን ኣብ ክሊ ዕድመ 31 ዝኾኑ ሰባት ጥራይ ከምዝተኻየደን፡ ኣብ'ቶም ነቲ መጥቃዕቲ ኣዝዮም ዝተቓልዑ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባትን ኣብ ከቢድ ረክስን ከመይ ከምዝኸውን እቲ መጽናዕቲ ከምዘይካትት'ውን ገሊጹ።

ናይ ኦክስፎርድ ክታበት ዝሰርሐ ጉጅለ ዝመርሐት፡ ፕሮፌሰር ሳራ ጊልበርት ግን እቲ ክታበት ንከቢድ ረኽሲ ከይተረፈ ክከላኸል ዓቕሚ ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ሂባ።

ኮይኑ ግና፡ እቶም ኣፍረይቲ ምስ'ቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር፡ ካልእ ዓይነት ክታበት [501.V2 ወይከኣ B.1.351] ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ዝተዓራረየ ካልእ ከፍርዩ ምዃኖም እያ ትዛረብ።

ሰብ ሞያ ሓደ ግዜ እቲ ክታበት ምስ ፈረየ፡ ንዝኾነ ሓድሽ ዓይነት ዓሌት እቲ ኮሮናቫይረስ ብዝምጥን መልክዑ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ወይ ድማ ኣብ ውሸዕጢ ኣዋርሕ ምትዕርራይ ክግበረሉ ከምዝኽእል እዮም ዝዛረቡ።

ኣብ ፈለማ፡ ሞደርና ብዝብል ዝፍለጥ ክታበት ኣብ መጀመርታ ፈተነ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ዓሌት ንምግታእ ዓቕሚ ከምዘለዎ እዩ ኣርእዩ ነይሩ።

እንተኾነ ኣስትራዘኔካ ግን፡ ነቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኽበ ሓድሸዕ ዓይነት ዓሌት ኮሮና ኣዝዩ ከምዝከላኸል እዩ ተሓቢሩ ነይሩ።

ፒፊዘር -ባዮቴክ ክታበት ግን፡ ኣብ'ቲ ዝተገብረ ፈላማ ፈተነታት፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸስተ ሓድሽ ዓሌት'ውን ናይ መክልኻል ብቕዓት ከምዘለዎ እዩ ተረጋጊጹ ዘሎ።

ኮሮና