እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ሞዴርና ኣብ ኣመሪካ ኣፍልጦ ክረክብ ናብ ዘኽእሎ ደረጃ ይበጽሕ ኣሎ
ክታበት ፋይዘር ናብ ተግባር ድሕሪ ምእታው ኩባኒያ ኣመሪካ ዘፍረዮ ክታበት ሞዴርና'ውን ፍቓድ ክረክብ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
ሞዴርና 94 ሚኢታዊት ኮሮናቫይረስ ክከላኸል ከም ዝኽእል ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ ቀረባ ናብ ተግባር ንክኣቱ ዕድል ዝህቦ ምዃኑ ተሓቢሩ።
በዚ መሰረት በዓል መዚ ክትትል መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ውሕስና እቲ ክታበት ኣረጋጊጹ እንተኣጽዲቑዎ፡ ኣብ ዓለም ኻልኣይ ኣፍልጦ ዝረኸቦ ክታበት ክኸውን እዩ።
ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተሃሰየት ኣመሪካ ልዕሊ 300 ሸዕሕ ዜጋታታ በቲ ቫይረስ ከም ዘሞቱ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆን ሆፕኪንስ የመልክት።
ክታበት ሞዴርና፡ ተመራመርቲ ንኽልተ መዓልታት ዓᎁቕ ምርምር ድሕሪ ምክያዶም፡ ፍቱን'ዩ ዝብል ሰርተፊኬት ከምዝተወሃቦ ይፍለጥ።
እዚ 54 ገጽ ዝሓዘ ሰነድ ከም ዝብሎ ሞዴርና ዝተጋነነ ጎናዊ ሳዕቤን የብሉን።
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኻልኦት ተመራመርቲ መርመራ ምስገበርሉ ድማ ዳይሬክተር በዓል መዚ ምቁጽጻር መግብን ኣፋውስን ኣመሪካ ክፍርመሉ ትጽቢት ይግበር።
ብድሕሪኡ፡ 24 ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክበጽሕ ክግበር እዩ።
እዚ ክታበት፡ ኣብ 30 ሽሕ ሰባት ፈተነ ብምግባር ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ 94.1 ሚኢታዊት ውጸዕኢታዊ ምዃኑ ይእመን።
ጎናዊ ሳዕቤናት እቲ ክታበት ካብ ሞንጎ ዝተባህሉ ረስኒ፣ ሕማም ርእስን ውሱን ቓንዛ መገጣጠሚ ኣዕጽምትን ጥራሕ እዮም።
ሞዴርና፡ ብ2010 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝቖመ ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ብበዓል መዚ መግብን ኣፋውን ዋላ ሓደ መድሃኒት ጸዲቑሉ ኣይፈልጥን።
ክታበት ኮሮናቫይረስ ሞዴርና ትሕቲ 20 ሴንቲ ግሬድ መዝሓሊ ይደሊ። እዚ ድማ ካብቲ ስሩዕ መዝሓሊ ዝተፈለየ ኣይኮነን።
ክታበት ፋይዘር ግን ንክጉዓዓዝ ትሕቲ ባዶ -75 ዲግሪ ሴልሽየስ መዝሓሊ ስለዝደሊ ኣገዳሲ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ። እዚ ክታበት ኣብዚ ሕጂአ እዋን ኣብ ሃገራት ቤልጅምን ጀርመንን ይፈሪ ኣሎ።
ኣመሪካ ካብዚ ክታባት 200 ሚሊየን ክትዕድግ ዝተሰማምዐት ኮይና፡ ካናዳ ብወገና 2 ሚሊየን ክታበት ክትዕድግ እያ። ብሪጣኒያ ኣቐዲማ ሸውዓተ ሚሊየን ክታበት ኣዚዛ እያ።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ 80 ሚሊየን ክተባት ክዕድግ ዝተፈራረመ ኮይኑ፡ ጃፓን 50 ሚሊየን፣ ደቡብ ኮርያ 20 ሚሊየን፣ ስዊዘርላንድ ሸውዓተ ሚሊየን ክታበት ካብ ሞዴርና ክዕድጉ ተፈራሪሞም ኣለው።