እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ለውጢ ኩነታት ኣየር ፡ 'ንሓጋይ ብምሕጻር፡ ምኽንያት ባርዕ ጫካታት ይኸውን ኣሎ'
ብበረድ ኣብ ዝተሸፈኑ ኣኽራናት፡ ብምኽንያት ክሊማዊ (ኩነታት ኣየር) ለውጢ፡ ናይ ሓጋይ ወቕቲ ኣዝዩ ይሓጽር ምህላው ተመራመርቲ ካሊፎርንያ ሓቢሮም።
ነቲ ኣብ ሓጋይ ናብ ኣኽራናት ዝወርድ ውርጪ ዝተኸታተሉ ተመራመርቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ምውሳኽ መጠን ዋዒ፡ ነቲ፡ በረድ ኣብቲ ኣኽራናት ከይመከኸ ዝጸንሓሉ ወቕቲ ክሓጽር ገይሩ እዩ። ብሚልዮናት ዝቑጸሩ፡ ህይወቶም ኣብቲ ካብ ኣኽራን ዝውሕዝ ጽሩይ ማይ ዝምርኮስ ሰባት ናብ ሓደጋ ይወድቑ ምህላዎም ሓቢሮም።
እቶም ተመራመርቲ ነቲ ርኽበት፡ ኣብቲ ካብ ዓለም ዝዓበየ ጉባኤ ናይ መሬትን ጠፈርን ተመራመርቲ ኢዮም ኣቕሪበምዎ።
ነቲ ምርምር ዘካየደ ፐሮፌሰር ኣማቶ ኢቫን "ሓጋያትና ይሓሙ ኣለው፡ ነቲ ምኽንያት ድማ ንፈልጦ ኢና። ክሊማዊ ለውጢ፡ ምውሳኽ መጠን ዋዒ'ዩ" ኢሉ።
ፐሮፌሰር ኢቫን ካብ 1980 ጀሚሩ'ዩ ንዓመታዊ ዙረት፡ ኣብ ኣኽራናት ምዕራባዊ ኣሜሪካ ዝርከብ በረድን ምምካኹን ክከታተል ጸኒሑ።
ብመሰረት ትዕዝብቱ ድማ፡ እቲ በረድ ኣብ መሬት ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናሓጸረ ይመጽእ ኣሎ።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ከም ካሊፎርንያ ዝኣመሰለ ቦታታት፡ ምሕጻር ናይ ሓጋይ ወቕቲ ምስ ምብዛሕ ናይ ጫካታት ባርዕ ብቐጥታ ከም ዝተኣሳሰር ሓቢሩ።
"ሒደት ውርጪ ክንረክብ ከሎና፡ ናይ ባርዕ ተኽእሎ ዘለዎ ግዜ ይነውሕ፡ ባልዕ ይውስኽ [ባልዕ ኣብ ሙቐት'ዮም ዝስስኑ] - ስለዚ ብዙሕ ሓደጋታት ኢዩ ዘለዎ"
ዶናል ኦ ለርይ ዝተብሃለ ተመራማሪ'ውን "ዓቢይ ዝምድና" ውርጭን ባርዕ ጫካታትን ብዝብል ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ ተመሳሳሊ መደምደምታ ሒቡ።