እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሂውስተን ዕልቕልቕን ህቦብላ ንፋስን ዘስዓቦ ባርዕ ከየጋጥም ተሰጊኡ'ሎ
ኣብታ ብኸቢድ ሓደጋ ህቦብላ ንፋስ ተጢቒዓ ዘላ ሂዩስተን ዝርከብ "ኣርኬማ" ዝተባህለ ናይ ኬሚካል ፋብሪካ፡ መዝሓሊ ሞተራት ብማይ ስለዘዕለቕለቐ፡ ኣብ ዝቕፅል ሒደት መዓልትታት ተተኩሱ ባርዕ ከይፈጥር ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ክሳብ ሕጂ በቲ ሃርቪ ዝተሰምየ ህቦብላ 33 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 32000 ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣለዉ።
ኣብ ሂውስተን ዝርከቡ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያውያንን ክሳብ ሕጂ ናይ ሞት ሓደጋ ሞት ከምዘየጋጠመ ሓቢሮም።
ይኹን እምበር ኣባይቶም ብውሕጅ ኣዕለቕሊቑ ጥራሕ ኢዶም ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ሓያሎ ዜጋታታት ክልቲኤን ሃገራት ኣለዉ።
ኣብ መዕቆቢ ዝተመዛበሉእ እትርከብ ኣደ ሰለስተ ቖልዑ ኤርትራዊት ወይኒ ሳሙኤል፡ ንሳን ደቃን በቲ ሓደጋ ሰምቢዶም ጥራሕ ኢዶም ብምውጽኦም ብዘይ ቅያር ክዳን ተሪፎም ኣብ ከቢድ ስነ አእሙሮ ጸገም ይርከቡ ምህላዎም ሓቢራ።
እቲ ኣብታ ግዝኣት ዝርከብ ክሳብ 125 ዝኾኑ መዐደሊ ነዳዲ በቲ ሓደጋ ስለዘዕለቕለቕ ኣብቲ ሃገር ናይ ነዳዲ ሕጽረት ከይጋጥም ስግኣት ኣሎ። ኣብዚ ኣእዋን እዚ ዋላኳ እንተሃድአ እቲ ዲጋታት ለዕዕሊ ዓቕን ስለዝመልአ እቲ መጠን ዕልቕልቕ ኣይነከየን።
ኣብቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስረሒት ኣስታት 8500 ናይ ድሕነት ሰራሕተኛታትን 24000 ኣባላት ሰራዊትን ይሳተፉ ኣለዉ።