ሕቡራት ሃገራት፡ ዝኸፍአ ክሊማዊ ለውጢ ከየጋጠመ እንከሎ "መጠንቀቕታ ምሃብ የድሊ" ኢሉ

ዝለዓለ ጸቕጢ ዝፈጥር ኩነታት ኣየር ከይተፈጥረ እንከሎ፡ ጥንቀቐ ምግባር ከም ዘድሊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብምኽንያት ክሊማዊ ለውጢ (ለውጢ ኩነታት ኣየር) ዘጋጥሙ ሓደጋታት ብሓሙሽተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኹ ይሕብር።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘውጽኦ መጽናዕቲ ከም ዝብሎ፡ ሓደ መሰለስ ህዝቢ ዓለም ብዛዕባ ኩነታት ኣየር መጠንቀቕታ ኣይበጽሖምን።

ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ድማ ብምኽንያት ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዕቦም ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት፡ ቑጽሪ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት ብ50 ሚኢታዊት ከም ዝውስኽ ኣኣንፊቱ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ 16 ዓለምለኻዊ ትካላትን ትካላት ፋይናንስን ዝተወጻጽኡ ሰብ ሞያ ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ ዓለምለኸ ትካል ሜትሮሎጂ ድማ ነቲ መጽናዕቲ ኣማእኺሉዎ።

ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ማያዊ ኣካላትን ብዝተሓሓዝ 11 ሽሕ ሓደጋታት ከጋጥሙ ከለው፡ ክልተ ሚሊየን ሰባት ሞይቶም።

ናይ 3.5 ትሪሊየን ዶላር ቑጠባዊ ሃሰያ'ውን ኣውሪዱ።

ብ2018፡ ኣስታት 108 ሚሊየን ሰባት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ካብ ዘስዓበሎም ጸቕጢ ንምንጋፍ ሓገዝ ዓለም ለኻዊ ትካላት ሓቲቶም'ዮም።

ነዚ ጸብጻብ ዘዳለው ሰብ ሞያ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ድማ፡ ኣብ 2030 እዚ ቑጽሪ ብ50 ሚኢታዊት ከም ዝዓብን ኣብ ዓመት 20 ቢሊየን ዶላር ከም ዝበጽሕን ሓቢሮም።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዝኸፍአ ክሊማዊ ለውጢ ከየጋጠመ እንከሎ ግቡእ መጠንቀቕታ ክወሃብ ኣለዎ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣገንዚቡ።

እዚ ድማ ሳዕቤን ለውጢ ኩነታት ኣየር እንታይ ይመስል ዝብል ጥራሕ ዘይኮነ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ዝሓወሰ ክኸውን ይግባእ ኢሉ።

እዚ መጠንቀቕታ ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራትን ደሴታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ'ዩ ዝገልጽ።

እዘን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ምስ ክሊማዊ ለውጢ ብዝተኣሳሰር ብቢሊየን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከሲረን እየን።

ምስ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ብዝተሓሓዝ ካብ ሞንጎ ዘጋጠመ ሞት እቲ 70 ሚኢታዊት ኣብ ድኻ ሃገራት ዘጋጠመ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ዓለምለኻዊ ትካል ሜትሮሎጂ ከም ዝብሎ፡ ኣፍሪቃ 26 ደረጅኦም ዝሓለው ትካላት ትንበያ ኩነታት ኣየር ጥራሕ ኣለውዋ።

ብኻልእ ወገን ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር ኣብ ምሃብ ጽልዋ ከም ዘሕደረ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር እተን ብምኽንያት ለውጢ ኩነታት ኣየር ዝሰሓበ ሓደጋ ዝህሰያ ድኻ ሃገራት ክዝንግዓ የብለንን ኢሉ።

ዋና ጸሓፊ ዓለምለኸ ትካል ሜትሮሎጂ ፕሮፌሰር ፔትሪ ታላስ "ኩሉ ነገር ብዝግባእ ተዳልዩ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ። በዚ መገዲ ህይወት ሰብን ንብረትን ከነድሕን ንኽእል ኢና" ኢሉ።

ወሲኹ "ለበዳ ኮቪድ-19 ቑጠባን ስርዓት ጥዕናን ሃገራት ኣናጊዑ'ዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዓመታት ክወስድ እዩ። ክሊማዊ ለውጢ'ውን ንዘመናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት፣ ስነ ምህዳርን ቑጠባዉ ዕብየትን ዘላቒ ጽልዋ ከም ዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን" ክብል ገሊጹ።

ነዚ መሰረት ገይሮም፡ እቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ሰብ ሞያ ሽዱሽተ መፍትሒ ሓሳባት ሂቦም ኣለው፤

  • ኣብ ኣፍሪቃን ንኣሽቱ ደሴታትን ዝኸፍአ ክሊማዊ ለውጢ (ለውጢ ኩነታት ኣየር) ከየጋጠመ እንከሎ፡ መጠንቕታ ዝወሃበሉ ስርዓት ዝሕግዝ
  • ገንዘብ ክምደብን ክመሓየሽብ ይግባእ
  • እቲ ቅድመ መጠንቀቕታ ናብ ግብሪ ከይኣተወ ገንዘብ ይመደብ
  • ዓለምለኸ መጠንቀቕታ ዘላቒ ዝኾነ ሓገዝ ገንዘብ የድልዮ
  • እቲ ዝስላዕ በጀት ኣበይ ተመዲቡ? እንታይ ለውጢ ኣምጺኡ? ክትትል የድልዮ
  • ውጽኢታውነትን ዘላቕነትን መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር ክግምገም ይግባእ
  • ብቐንዱ ድማ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራትን ደሴታትን ዘሎ ናይ ሓበሬታ ክፍተት ክዕበስ ይግባእ