ነትጒ ቤይሩት፡ ሃገራት ኣሞንየም ናይትሬት ኣበይ ይኽዝና ይህልዋ?

ኣሞንየም ናይትሬት ዝሰርሕ ፋብሪካ ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቤይሩት ሊባኖስ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓያል ነትጒ ምኽዛን ኬሚካላዊ ባእታ ኣሞንየም ናይትሬት ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራራቢ ኮይኑ'ሎ።

እቲ ኬሚካል ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኣገልግሎት ድኹዕን ኣብ ዕደና ንምፍራስ ዓበይቲ ኣኻውሕን ይውዕል።

እንተኾነ ግና ኣበይን ንኽንደይ ግዜን ይኽዘን ብዝምልከት ጽኑዕ መምርሒ ኣሎ።

ቦምባ ንምስራሕ ስለ ዘገልግል ድማ፡ እቲ ዝኽዘነሉ ስፍራ ብምስጢር እዩ ዝተሓዝ።

ሴኔጋል

ኣብ ርእሰ ከተማ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ዳካር ተኸዚኑ ዝርከብ መጠን ኣሞንየም ናይትሬት ምስቲ ኣብ ወደብ ቤይሩት ዝነበረ ዝመዓራረይ እዩ - 2700 ቶን።

ሰብ መዚ ወደብ ዳካር እቲ ኣብቲ ወደብ ዝርከብ ኬሚካል፡ ክፋል ናይቲ ንጎረቤት ሃገር ማሊ ክለኣኽ ዘለዎ 3050 ቶን ኣሞኒየም ናይትሬት ምዃኑ ይገልጹ።

350 ቶን ድሮ ተሰደዱ ምህላው'ውን ይዛረቡ።

ወናኒ እቲ ኣቕሓ ነቲ ኬሚካል ካብ ዳካር 30 ኪ.ሜ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ስፍራ ከግዕዞ ሕቶ ከም ዘቕረበ መንግስቲ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ እቲ ስፍራ ነቲ ኬሚካል ንምኽዛን ዘድሊ ረቛሒታት ኩሉ ዘማልኣ ብዘይምዃኑ ሰብ መዚ ዛጊት ፍቓድ ኣይሃቡን ኣለው።

እቲ ኣቕሓ ናብቲ ዝተመደበሉ ሃገር ክለኣኽ ንዋንኡ ሕቶ ቀሪቡ ምህላው ሓደ በዓል ስልጣን ሴኔጋል ተዛሪቡ።

ብዛዕባ ወናንን ንምንታይ መዓላ ከም ዝተደለየን ግና ዝተፈለጠ የሎን።

በይሩት ድሕሪ ነትጒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህንዲ

ኣብ ህንዲ ከባቢ 740 ቶን ኣሞንየም ናይትሬት ኣብ 37 ኮንቴይነራት ኣብ ከተማ ቸናይ፡ ህዝቢ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ 700 ሜትሮ ርሕቐት ኣብ ዘለዎ ስፍራ ንሓሙሽተ ዓመት ተኸዚኑ ኣሎ።

እቲ ኬሚካል ኣብ 2015 ካብ ደቡብ ኮርያ ንሕርሻዊ መዓላ ብሓደ ኩባንያ ዝኣተወ ምዃኑ እኳ እንተተገለጸ ምምሕዳር እታ ዞባ ፍቓድ ኣይሃበን፤ ቀረጽ'ውን ጌና ኣይተኸፈለሉን ዘሎ።

እቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ዘምርሐ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ፡ እቲ ኩባንያ፡

  • ነቲ ኬሚካል ክሕዝ ዘፍቕደሉ መሰል ኣይጸንሖን
  • ኣብ ዕደና ዝነጥፉ ንዝነበሩ "መንነቶም ንዘይተነጸረ ውልቀ ሰባትን" ኩባንያታትን ክሸይጥ ምጽንሑ ተረጋጊጹ።

ኣብ 2015 ብውሕጅ ዝተበላሸወ ገለ ክፋሉ ክጓሓፍ ከሎ፤ ሕጂ እቲ ዝተረፈ 697 ቶን ብጨረታ ተሸይጡ ናብ ዞባ ቴላንጋና ተሰዲዱ ኣሎ።

የመን

ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ናይታ ብዂናት በሪሳ ዘላ የመን፡ ነቲ ልዕሊ 100 ኮንቴይነራት ኣሞንየም ናይትሬት ኣብ ደቡባዊ ወደብ ዓደን ተኸዚኑ ምህላው ዝገልጽ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና፡ መርመራ ክካየድ ኣዚዙ ኣሎ።

እቲ ኬሚካል ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ከም ዝኣተወን በቶም ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ዝድግፉ ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይልታት ከም ዝተታሕዘን እቲ ጸብጻባት ይገልጽ።

ከንቲባ ዓደን ታሪቕ ሳላም ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቶም ኣብዚ ወደብ ተዋፊሮም ዘለው ሓይልታት ብምኽዛን እዚ 4900 ቶን ዝግመት፡ ኣብ 130 ኮንቴይነራት ተኸዚኑ ዘሎ ሓደገኛ ጽዕነት ተሓተትቲ እዮም ኢሉ።

ኮሮፖሬሽን ወደባት ወሽመጥ ዓደን የመን ግና እቶም ኮንቴይነራት "ንድኹዒ ዘገልግል ባህርያዊ ዩርያ" ከም ዝሓዙ ተባራዒ ትሕዝቶ ከም ዘይብሎምን ብሕጊ'ውን ፍቑዳት ምዃኖም ሓቢሩ።

ዒራቕ

መንግስቲ ዒራቕ ቕልጡፍ ፍተሻ ኣብ ወደባትን መዐርፎ ነፈርትን ዝርከቡ ሓደገኛ ንዋት ክግበር ድሕሪ ምእዛዙ፡ ኣብ መዐርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ዝተኸዘነ ኣሞንየም ናይትሬት ረኺቡ።

"ዳይሬክቶሬት ወተሃደራዊ ምህንድስና ሚኒስትሪ ምክልኻል . . . ኣዝዮም ሓደገኛ ዝኾኑ ንዋት ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ናብ መኽዘን ዳይሬክቶሬት ወተሃደራዊ ምህንድስና ኣገዒዙ" ክብል ሓደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ብ 9 ነሓሰ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣውስትራልያ

ወላ ቅድሚ እቲ ናይ ቤይሩት ነትጒ'ውን፡ ነበርቲ ኒውካስል ኒው ሳውዝ ዌልስ ነቲ ካብታ ከተማ 3 ኪ.ሜ ርሕቐት ተኸዚኑ ዝነበረ ብዝሒ ዘለዎ ኣሞንየም ናይትሬት ወይ ክግዕዝ ወይ ድማ ብዝሑ ክጎድል ይሓቱ ነይሮም።

እንተኾነ፡ እቲ ንኩባንያታት ዕደና ተፈንጀርቲ ዘቕርብ ትካል ኦሪካ፡ "ካብ ሓዊ መከላኸሊ ኣብ ዘለዎ ህንጻ ብውሕስ ኣገባብ" ተኸዚኑ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ተቖጻጻሪ ድሕነት ቦታ ስራሕ ደቡብ ኣውስትራልያ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ኣሞንየም ናይትሬት ኣብ 170 ውሕስነቶም ኣብ ዝተረጋገጸ ስፍራታት ከም ዝኽዘን ገሊጹ።

ኣብ ኤንዶነዥያ ዝተታሕዘ ናይትሬት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ወደባት ብሪጣንያ

ኣብ ዓቢይ ወደብ ሊንከልንሻየር፡ ኢሚንግሃም ከምኡውን ኣብ ካልእ ከባቢታት ዞባ ሃምበር፡ ንኽዘና ኣሞንየም ናይትሬት ዝምልከት መርመራ ተበጊሱ ኣሎ።

ነቶም ስፍራታት ዘማሓድር፡ ማሕበር ወደባት ብሪጣንያ ኩለን ወደባት እታ ሃገር ንመምርሒታት ብግቡእ ከኽብሩ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ወደብ ፖርትስማውስ ዝመደበሩ ትካል ፖርቲኮ፡ ኣሞንየም ናይትሬት ንምኽዛን ኣቕሪብዎ ዝነበረ ጠለብ ብምስሓብ እቲ ባእታ ናብቲ ስፍራ ከም ዘይመጽእ ገሊጹ።

ወደብ ዓባይ ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሞንየም ናይትሬት ከም ሓደገኛ ባእታ ምዝጉብ ስለ ዝኾነ ክትትል ከም ዝግበረሉ ኣካያዲ ስራሕ ዓለምለኻዊ ማሕበር ምውህሃድ ጽዕነት ሪቻርድ ብሮው ተዛሪቡ።

ንሱ እቲ ባእታ "ብርእሱ ብተዛማዲ ውሑስ" ምዃኑ ብምግላጽ "ምስ ከም ነዳዲ ዝኣመሰሉ ካልእ ነገራት ክራኸብ ከሎ" ጸገም ከም ዝፍጠር ገሊጹ።