መራሕቲ ዓለም ንቤይሩት ንምሕጋዝ ክእከቡ እዮም

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈንጀረ ነትጒ ንዝተሃሰየት ከተማ ቤይሩት ሓገዝ ንምትእኽኻብ መራሕቲ ዓለም ሎሚ ሰንበት ኣኼባ ጸዊዖም።

እቲ ብቪድዮ ክካየድ ዝተተለመ ኣኼባ፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ክካየድ።

እቲ ኣኼባ ብፈረንሳይን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋደደ እዩ ተባሂሉ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጻውዒት ኣኼባ ከምዝርከብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ትዊተሩ ድማ፡ ነታ ሀገር ምሕጋዝ ከምዘድሊ ጽሒፉ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን

ከምኡ ድማ፡ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ግብጺ፣ ጆርዳንን ብሪጣንያን ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ሓደ መኽዝን ናይ 'ኣሞንየም ናይትሬት' ዝበጽሐ ሓደጋ፡ ክሳብ 15 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ኣስዒቡ ክኸውን ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን’ታ ሀገር ይግምቱ።

በቲ ነትጒ፡ 158 ሰባት እንትሞቱ፣ 5 ሽሕ ሰባት ድማ ቆሲሎም እዮም፤ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ድማ መንበሪ ኣልቦ ኮይኖም ተባሂሉ።

ትማሊ ቀዳም፡ ገለ ንመንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ናብ ኣደባባያት ወጺኦም እምኒ ክድርብዩ ዝተርአዩ ኮይኖም፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሙ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ፡ ሓሰን ዲያብ፡ ምናልባሽ ከም መፍትሒ፡ መረጻ ቀዲሙ ክጽውዕ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ ኣሎ።

እታ ሃገር ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር፡ ቁጠባኣ ተሃስዩ እዩ ጸኒ።