መራሕቲ ዓለም ንቤይሩት ንምሕጋዝ ክእከቡ እዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈንጀረ ነትጒ ንዝተሃሰየት ከተማ ቤይሩት ሓገዝ ንምትእኽኻብ መራሕቲ ዓለም ሎሚ ሰንበት ኣኼባ ጸዊዖም።
እቲ ብቪድዮ ክካየድ ዝተተለመ ኣኼባ፡ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ክካየድ።
እቲ ኣኼባ ብፈረንሳይን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋደደ እዩ ተባሂሉ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጻውዒት ኣኼባ ከምዝርከብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ ትዊተሩ ድማ፡ ነታ ሀገር ምሕጋዝ ከምዘድሊ ጽሒፉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ከምኡ ድማ፡ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ቻይና፣ ሩስያ፣ ግብጺ፣ ጆርዳንን ብሪጣንያን ከምዝርከቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ሓደ መኽዝን ናይ 'ኣሞንየም ናይትሬት' ዝበጽሐ ሓደጋ፡ ክሳብ 15 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ኣስዒቡ ክኸውን ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን’ታ ሀገር ይግምቱ።
በቲ ነትጒ፡ 158 ሰባት እንትሞቱ፣ 5 ሽሕ ሰባት ድማ ቆሲሎም እዮም፤ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ድማ መንበሪ ኣልቦ ኮይኖም ተባሂሉ።
ትማሊ ቀዳም፡ ገለ ንመንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ናብ ኣደባባያት ወጺኦም እምኒ ክድርብዩ ዝተርአዩ ኮይኖም፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሙ።
ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ፡ ሓሰን ዲያብ፡ ምናልባሽ ከም መፍትሒ፡ መረጻ ቀዲሙ ክጽውዕ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ ኣሎ።
እታ ሃገር ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር፡ ቁጠባኣ ተሃስዩ እዩ ጸኒ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







