ነትጒ ቤይሩት፡ ኣብታ ከተማ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዐ ተቓውሞ ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቤይሩት ጥቓ ቤት ጽሕፈት ባይቶ እታ ሃገር ኣንጻር መንግስቲ ዝተገበረ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ትኪ ብምጥቃሞም ሰልፈኛታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ ተጋጭዮም።
እቲ ብሰሉስ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ነትጒ ካብ 2013 ጀሚሩ ውሑስ ብዘይኮነ ኣገባብ ተኸዚኑ ዝጸንሐ 2750 ቶን ኣሞኒየም ናይትሬት፡ ሓያል ቁጥዐ ህዝቢ ኣልዒሉ እዩ።
መብዛሕትኦም ድማ መንግስቲ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ዝተኸዘነ ባእታ ዘይምግዳሱ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ኮይኑ እዩ እንትብሉ፡ ኣብቲ ከተማ ሙሉእ ዘናወጸ ነትጒ ኬሚካላዊ ባእታ ኣስታት 137 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 5 ሽሕ ድማ ቐሲሎም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከም ዝጸብጸቦ ድማ፡ ምኽንያት እቲ ዘጋጠመ ነትጒ ንምጽራይ 16 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።
ድሕሪ እዚ፡ ኣባል ባይቶ ማርወን ሃምዳህን ኣምባሳደር ሌባኖስ ኣብ ዮርዳኖስ ትሬሲ ቻሙንን 'እዚ ሓደጋ ናይ መሪሕነት ለውጢ ከም ዘድሊ ዘመላኽት እዩ' ብዝብል ብፍቓዶም መዝነቶም ገዲፎም።
ትማሊ ኣብታ ከተማ ምብጻሕ ዘካየደ ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ነትጒ ዓለምለኻዊ ምጽራይ ክካየድ ከም ዘለዎ ብምግላጽ ሌባኖስ ካብ ሰብ መዚ "መሰረታዊ ለውጢ" የድልያ ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሰራሕተኛታት ህይወት ምድሓን በቲ ነትጒ ብዝበጽሐ ሓደጋ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት ንምርካብ ተዋፊሮም ኣለው።
ትማሊ ጉጅለ መድሕን ህይወት ፈረንሳ ግዳያት ንምርካብ ሕጂ'ውን ተኽእሎ ኣሎ'ዩ ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ ሆስፒታላት ቤይሩት ሕክምናዊ ረድኤት ብዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ተጨናኒቐን እየን።
ሚኒስትሪ ጥዕና ሓማድ ሓሰን ዓውዲ ጥዕና እታ ሃገር ብሕጽረት መደቀሲ ዓራትን ከቢድ መጉዳእቲ ንዝበጽሖም ሰባት ንምሕካም ዘድሊ ናውቲ ሕክምናን ከም ዝተጠቕዐ ተዛሪቡ።
ኣመሓዳሪ ቤይሩት ብወገኑ፡ ብምኽንያት እቲ ነትጒ 300 ሽሕ ሰባት ቤት ኣልባ ኮይኖም ኢሉ።

ድምጺ ኣምቡላንስ፣ ጽው ዝበለ ጽርጊያታትን ህንጻታትን
እዚ ወደብ፡ ንሌባኖስ ህይወት ዘሪኡ ናብ ዓለም ዝጽምብራ ሞተር እዩ ነይሩ። ቀሊል ኣይኮነን፤ እታ ሃገር ዘድልያ 80 ሚኢታዊት እኽሊ በዚ ወደብ እዩ ዝኣቱ።
እቶም ቅድም ኢሎም ዝተሃነጹ መኽዛናት እኽሊ ሕጂ ዓረውሮው ይብሉ ኣለው።
ኣብታ ከተማ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ቤይሩት ድምጺ ኣምቡላንስ ዝበዝሓ፣ ጥርሖም ናይ ዝተረፉ ህንጻታትን ጸው ዝበሉ ጽርግያታትን እያ ኮይና ብምባል ይገልጻ።
ብድሕሪ እቲ ወደብ እትርከብ ገማያዝ ዓንያ እያ፤ ህንጻታት ፈሪሶም፣ እቲ ብብዝሒ ሰብ ዝጨናነቕ ዝነበረ ከባቢ ድማ ዑና ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ፡ ዋላ ሓደ ናብዚ ቦታ ዝምለስ ሰብ ኣይህሉን።
ኩሉ ሰብ ከኣ፡ ነታ ከተማ ንምጽራይ መኸስተር ሒዙ ይንቀሳቐስ።
እቲ ዘሕዝን ግን፡ ስለምንታይ ከተማ ሙሉእ ከዕኑ ዝኽእል ሓደገኛ ባእታ ኣብ ማእከል ከተማ ብሸለልተኝነት ተኸዚኑ ጸኒሑ ዝብል እዩ።
እሞ ኸኣ ሰበ ስልጣን እዚ ኬሚካል ሓደገኛ ከም ዝኾነ እናተነገሮም፤ ቤይሩትን ሌባኖስን ኣብ ስግኣት ከውድቐን ከም ዝኽእል እናፈለጡ ስጉምቲ ዘይምውሳዶም እዩ እቲ ተስፋ ዘቑርጽ።
ኣሞኒየም ኒትሬት ካበይ መጺኡ?
ብ2013 ካብ ጆርጂያ ናብ ሞዛምቢክ ትጉዓዝ ዝነበረት ቴክኒካዊ ጸገም ዘጋጠማ ባንዴራ መርከብ ናብ ወደብ ቤሩት ትኣቱ።
እታ መርከብ ፍቓድ ከይሓተተት ስለ ዝመጽአት ካብ ምንቅስቓስ ተኣጊዳ፤ ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ'ውን ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ሕቶታት ክለዓሉ ምስ ጀመሩ ወነንታ ገዲፎምዋ።
ጽዕነት እታ መርከብ ኣሞኒየም ናይትሬር ዝተባህለ ኬሚካላዊ ባይታ ዝሓወሰ እዩ ነይሩ። እዚ ባእታ ድኹዕን ነተጒቲ ንምስራሕን ዝውዕል እዩ።
እዚ ንድሕነት ተባሂሉ ኣብ ጥቓ እቲ ወደብ ኣብ ዝርከብ መኽዝን ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ተቐሚጡ።
ኣሞኒየም ናይትሬት ተቐጻጸልቲ ምስ ዝኾኑ ነገራት እንትራኸብ ሓደገኛ ነትጒ ናይ ምስዓብ ባህሪ ስለ ዘለዎ፡ ብዝተፈለየ ኣገባብ ክትሓዝ ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ሰብ መዚ ጉምሩክን እቲ ውደብን ድማ ብተደጋጋሚ እዚ ኬሚካላዊ ባእታ ክሽየጥ ወይ'ውን ኣብ ካልእ ቦታ ብኣግባቡ ክቕመጥ ኣለዎ ዝብል ደብዳበ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከም ዝጽሓፉ ይገልጹ።
ጀነራል ማኔጀር ወደብ ሓሰን ኮራቴም ኦቲቪ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ መጀመርታ ቤት ፍርዲ እቲ ኬሚካል ናብ መኽዝን ክኣቱ ክእዝዝ እንከሎ ሓደገኛ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ'ዩ፤ "ግን ድማ በዚ ደረጃ ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብቲ ወደብ ተኸዚኑ ዝጸንሐ ብርክት ዝበለ እኽሊ ብምኽንያት እቲ ሓደጋ ክዓኑ እንከሎ፡ ኣብ መላእ ሃገር ሕጽረት መግቢ ከየጋጥም ይስጋእ።
በዚ ምኽንያት ሊባኖስ ሓያሎ እኽሊ ካብ ወጻኢ ዓዲጋ ክተእቱ ትጽቢት ዝግበር እኳ እንተኾነ፡ መጻኢ እቲ ወደብ ንባዕሉ ኣብ ሕቶ ወዲቑ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







