ሓደጋ ነትጒ በይሩት፡ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ዝዓነወት ከተማ በይሩት

ምንጪ ስእሊ, EPA

በቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ከተማ በይሩት ዘጋጠመ ኣዕናዊ ምፍንጃር ነትጒ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ማርዋን ኣባወድ ከምዝሓበሮ፡ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታትን መራሕቲ ዓበይቲ መኻይንን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ጠቒሱ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ነትጒን ብናይ መንግስቲ ግብረመልሲ ዝተቖጥዑ ሊባኖሳውያን ኣንጻር እቲ መንግስቲ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለው።

ወላ'ኳ ድሕሪ እቲ ነትጒ ዓርባዕተ ካቢነ ሚኒስተራትን ብዙሓት ኣባላት ባይቶን ካብ መዝነቶም እንተወረዱ፡ ነቲ ቊጥዐ ግን ከዝሕሎ ኣይከኣለን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ሓሰን ዳያብ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ 2750 ቶን ክብደት ዘለዎ ኣሙኒዮም ናይትረይት ዝተብሃለ ተባራዒ ባእታ ከምዝኾነ ድሕሪ ምሕባሩ፡ እቲ ባእታ ኣብ ወደብ በይሩት ኣብ ሓደ መኻዚኖ ንሽዱሽተ ዓመታት ብዘይውሑስ ኣገባብ ተኸዚኑ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ተቃውሞ ዘካይዱ ዘለው ሊባኖሳውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ሓደገኛ ዝኾነ ከሚካል ኣብ ማእከል ወደብ በይሩት ተኸዚኑ ንምጽንሑ ብዙሓት ሊባኖሳውያን ኣገሪሚዎም ኣሎ። ሊባኖሳውያን፡ መራሕቶም ኣብ ከቢድ ብልሽውና ተቖማጢዖም፤ ስራሕ ኣልቦነት፤ ምንሃር ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲ፡ ከምኡ'ውን ዝደስከለ ቁጠባ እታ ሃገር ብዝግባእ ክፈትሕዎ ብዘይምኽሎም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘለዎም ቁጠዐ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሰራዊት ሊባኖስ፡ ኣብ ወደብ በይሩት ዝኾነ ዝደሐኑ ሰባት ስለዘይተረኽቡ፡ ነቲ ዘካይዶ ዝነበረ መስርሕ ፋተሻ ጠጠው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣሽሓት ነበርቲ ከተማ በይሩት ኣብ ዝዓነወ መንበሪ ገዛውቲ ይነብሩ ከምዘለውን፡ ብፍላይ ገለ ካብቶም መንበሪ ኣባይቲ መዓጾን መስኮትን ከምዘይብሉ ይግለጽ።

እቲ ሓደጋ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ጉድኣት ከምዘውረደን፡ ኣብ ቁጠባ ሊባኖስ ድማ ኣስታት 15 ቢልዮን ክሳራ ከምዘጋጠመ ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።

እታ ሃገር ቅድሚ እቲ ነትጒ ድሮ፡ ብሰንኪ እቲ ዝደስከለ ቁጠባ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ንድኽነትን ጥምየትን ተቓሊዖም ከምዝነበሩ ትካላት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።

ብዝቐልጠፈ ሰብኣዊ ሐገዘ እንተዘይተገሩ ድማ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም ከምዝኽል ይገልጹ ኣለው። ፋይናንሳውያን ትካላትን ዓለምለኻዊ ማሕበራት ግብረ-ሰናይን 227 ሚልዮን ዶላር ክህባ ተመባጺዓን ኣለዋ።