መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሩስያ ''ተመሪዙ'' ተባሂሉ

ኣለክሲስ ነቫልኒ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሩስያ ኣለክሲስ ነቫልኒ፡ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ኣብ ሆስፒታል ከምዘሎን፡ ተመሪዙ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣፈኛ እቲ መራሒ ገሊጻ፡፡

እቲ ኣንጻር ብልሽውና ብምጉስጓስ ዝፍለጥ መራሒ ኣብ እዋን በረራ ምስ ሓመመ እታ ነፋሪት ኣብ ኦምሳክ ክትዓርፍ ከምዝተገደደት ዝገለጸት ኣፈኛ ኪራ ያርሚሽ፡ ናብቲ ዝሰተዮ ሻሂ ገለ ነገር ተሓዊስዎ ኢሎም ከምዝጥርጥሩ ተዛሪባ፡፡

እቲ መራሒ ኣብ ከቢድ ኩነታት ከምዘሎ ካብ ሆስፒታል ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልጽ፡፡

ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣምሪሩ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ወዲ 44 ዓመት ኣለክሲስ ናቫንሊ፡ ነቲ እቲ ፕረዚደንት ንተወሳኺ ክልተ እብረ ክመርሕ ዘኽእል ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ንምግባር ዝተገበረ ድምጺ ''ዕልዋን ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰትን'' ብምባል ተቓዊምዎ ነይሩ፡፡

ናቫንሊ፡ ሎሚ ንጉሆ ካብ ቶምስክ ናብ ሞስኮ ይምለስ ከምዝበረ ዝገለጸት ኪራ ያርሚሽ፡ ኣብቲ በረራ ብሓያል ተመሪዙ ከምዝሓመመ ገሊጻ፡፡

''ኣለክሲስ ናብቲ ዝሰተዮ ሻሂ ብዝተሓወሰ ገለ ነገር ከምዝተመረዘ ኢና ንጥርጥር፤ ምኽንያቱ ካብ ዝወግሕ ካሊእ ነገር ኣይሰተየን'' ኢላ፡፡

ብተወሳኺ ''እቲ ዝመረዞ ንጥረ ነገር በቲ ወዑይ ፈሳሲ ኣቢሉ ብቐሊሉ ኣብ ደሙ ከምዝኣተወ ዶኳትር ይዛረቡ ኣለዉ፡፡ ኣለክሲስ ሃለዋቱ ኣጥፉኡ እዩ ዘሎ'' ብምባል ገሊጻ፡፡

እታ ኣፈኛ፡ ጸኒሓ ብመተንፈሲ ማሽን ተሓጊዙ ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ከምዘሎ ኣብ ትዊተር ዝሓበረት ኮይና፡ እቲ ዘለዎ ማእከል ጽኑዕ ክትትል ብፖሊስ መሊኡ ከምዘሎ ገሊጻ፡፡

ብሰበስልጣን መንግስቲ ዝፍጸም ብልሽውና ብምቅላዕ ሽም ዘትረፈ ናቫንሊ፡ ፑቲን ንዝመርሖ ሰልፊ ዩናይትድ ሩስያ ''ናይ ጎሓሉን ሰረቕትን ሰልፊ'' ብምባል ብድፍረት ዝዛረብ ኮይነ ብተደጋጋሚ ክእሰር ጸኒሑ'ዩ።