እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ 1568 እሱራት ብምሕረት ክፍትሑ ወሲኑ
ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮሮና ቫይረስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 07 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ብምኽንያት ኮሮና ቫይረስ 38 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 1568 እሱራት ድሕንነቶም ንምሕላው ብይቕረታ ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮሮና ቫይረስ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ብተመሳሳሊ ኣገባብ እሱራት ብምሕረት ክፍትሑ ከምዝገበረ ይዝከር።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ክልል ሓደስቲ 131 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ ገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልል ትግራይ 11 ሰባት'ውን በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።
ክሳብ ሎሚ ኣብቲ ክልል 1492 ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ። ካብኣቶም 745 ሓውዮም ተፋንዮም ምህላዎም ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ሰዓታት፡ 1038 ተወሰኽቲ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ከምዘሎ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ሓቢሩ።