ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ዕጡቓት ሑቲ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ቐቲሎም

ዕጡቓት ሑቲ፡ ንኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ይቐትሉን ይኣስሩን ከምዘለው ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ሓይልታት ሑቲ ኣብ ሚያዝያ 2020 ኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር ኣሽሓት ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ናብ ዶብ ስዑድያ ከምዝሰጎግዎምን፡ ዓሰርተታት ካብቶም ስደተኛታት በቶም ዑጡቓት ከምዝተቐተሉን ሁይማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሓለዋ ዶብ ስዑድያ ብወገኖም፡ ነቶም ካብ ተኵሲ ሓይልታት ሑቲ ዝሃድሙ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊኦም ጥይት ብምትኳስ ምስ ቀተለሎም እቶም ስደተኛታት ኣብ ዶብ የመንን ስዑድያን ኣብ ዝርከብ ዓቢ እምባ ከምዝተዓቆቡ እቲ ጸብጻብ የብርህ።

ነዚ ትካል ቃሎም ዝሃቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ንመዓልታት መግብን ማይን ከይረኸቡ ከም ዝጸንሑ ብምግላጽ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣትውሉ ዕድል ረኺቦም'ኳ እንተነበሩ ጽርየት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ተዳጒኖም ከም ዝጸንሑ ተዛሪቦም።

ህጻናት ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ኣብ የመን ከምዘለው ሂዩማን ራይትስዎች ይገልጽ።

ተመራማሪት መሰላት ስደተኛታት እቲ ትካል ናዲኣ ሃርድማን ሓይልታት ጸጥታ ስዑድን የመንን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝፈጸሙዎ ግፍዒ ብምኹናን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ መፍትሒ ከናዲ ኣተሓሳሲባ።

ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን 19 ኢትዮጵያውያን [13 ደቂ ተባዕትዮ፣ 4 ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ህጻናትን] በዚ ትካል ቃለ መሕትት ተገይሩሎም ነይሩ።

ካብ መስከረም 2014 ጀሚሩ ንከተማ የመን ሰንዓ ዝተቖጻጸሩ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣል ጋር ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከም ዘብጽሑሎም እቶም ስደተኛታት ገሊጾም።

እዚ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ኣሳፊሮም ናብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝወሰዱዎምን ክሃድሙ ኣብ ልዕሊ ዝፈተኑ ሰባት ከም ዝተኮሱን ሂዩማን ራይትስዎች ገሊጹ።

ምንጪታት እቲ ትካል ከም ዝብሉዎ'ውን፡ እቶም ዕጡቓት፡ እቶም ስደተኛታት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ምስምስ ካብ ኣል ጋር ሰጒጎምዎም'ዮም።

ዕጡቓት ሑቲ ኮሮናቫይረስ ጉልባብ ብምግባር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ሰሜናዊ የመን ክወጽኡ ገይሮምን ቐቲሎምን ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣፍሊጡ።

ካብቶም ወሃብቲ ርኢይቶ ሓንቲ "ክልተ ሰባት ክሞቱ ርእየ እየ" ኢላ። ካልእ ሂዩማን ራይትስዎች ዘዘራረባ ስደተኛ'ውን፡ "እቶም ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ንክንወጽእ የደፋፉኡና ነይሮም፤ በዚ ምኽንያት ኣስታት 40 ሰባት ክሞቱ ርእየ እየ" ኢላ።

ካብቶም ነቲ ትካል ቃሎም ዝሃቡ 19 ሰባት እቶም 12 ስደተኛታት ክቕተሉ ከለው ዝርኣዩ ኮይኖም፡ ብዝሒ ዝሞቱ ግን ክንደይ ዝኣኽሉ ከም ዝኾኑ ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።

ኣል ጋር ዝተባህለ ዘይስሩዕ መዳጎኒ ስደተኛታት ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ዝዕቆቡለ ከባቢ እዩ።

ሂዩማን ራይትስዎች፡ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺምሉ'ዩ ዝተባህለ እዋንን ድሕሪኡን ዘለው ምስሊታት ሳተላይት ብምርኣይ ብውሑድ 300 ቴንዳታት መዕቆቢ ቦታ ዓንዮም ይብል።

እቶም ስደተኛታት ካብ ዕጡቓት ሓለዋ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ብምህዳም ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከብ ሩባ ዝተሓብኡ ኮይኖም፡ ብወተሃደራት ተታሒዞም ናብ 'ወተሃደራዊ ካምፕ' ከም ዝተወሰዱን ኣብቲ ቦታ ንሰዓታት መዓልታት ከም ዝጸንሑን ተዛሪቦም።

ምስሊታት ሳተላይት ዝተጠቐመ ሂዩማን ራይትስዎች፡ እቶም ስደተኛታት ተታሒዝናሉ ነይርና ዝበሉዎም ቦታታት ዝርከቡ ካምፕታት ክዕዘብ ክኢሉ'ዩ።

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ጂዛን ዝርከቡ 6 ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መወሸቢ ማእከል ዝርከባ 6 ደቂ ኣንስትዮን ዘዘራረበ ኮይኑ፡ ኩሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጂዛን ተዳጒኖም ከም ዝጸንሑ ገሊጾም።

ሰብ መዚ ሑቲ፡ ነቶም ነዚ መጥቃዕቲ ክፍጸም ዝኣዘዙን ነቲ ቅትለት ዝፈጸሙ ሓላፍነት ብምሽካም ግቡእን ተመጣጣንን መቕጻዕቲ ክብይነሎምን ኣብ ልዕሊ ኣል ጋሃር ዝርከቡ ኢትዩጵያውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ግህስት ከጻርይዎን'ውን ጻውዒት ቀሪቡ።

መንግስቲ ስዑድ ዓረብ'ውን፡ ብሰራዊት ሓላዋ ዶቡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ቅትለት ከጻርዮን፡ ነቶም ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝፈጸሙ ግቡእ መቅጻዕቲ ክብይንን ኣብቲ ሁይማን ራይትስ ዎች ዘውጽዎ ጽሑፍ ሰፊሩ'ሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ስዑድያ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝኽተሎ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ደው ከብሎ ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።

ኣብ 2019 ዝወጽአ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ 90 ሚእታዊት ካብቶም ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑድያ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ምኳኖም የነጽር።

እቲ ጠንቂ ስደት ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ዝግለጽ ቁጠባዊ ጸገማት፤ ደርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ብየመን ናብ ስዑድያ ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

ኣይኦኤም ኣብ 2019 ጥራይ ኣስታት 140,000 ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ይሕብር።

ሁይማን ራይትስ ዎች፡ ኣብዚ መስመር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ሰባት ዝጨውዩ ሰብ መዚ የመንን ነዞም ስደተኛታት ጅሆ ብምሓዝ ስድራ እዞም ስደተኛታት ገንዘብ ንክኸፍሉ ከምዘገድድዎም ሰነዳት ከምዘለዎ ይሕብር።