ኢትዮጵያውያን ኣብ መጻብብ ዝርከቡላ 'ራጎ' - የመን

ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ፍሉይ ስማ ራጎ እናተብሃለት እትጽዋዕ ከባቢ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቃላሕ ጸኒሑ እዩ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ እቲ ወረ ካብ ዝስማዕ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ከባቢ እንታይ ከምዘጓነፈ ንምፍላጥ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክፍትን ቀንዩ። እንተኾነ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ቴሌፎን መስመራት'ውን ስለዝተዓጸወ ካብቶም ሰባት ካብ ባዕሎም ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኽኣለን።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ከምዝሓበሩልና፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣደዳ ጥቕዓትን መከራን ኮይኖም ይርከቡ።

እቲ ሕዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ጸገም፡ መበገሲኡ፡ ምስ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ዝተዛመደ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

"ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ የመን ትኣትዉ ስለዘለኹም፡ ኮሮናቫይረስ ክተእትውልና ትኽእሉ ኢኹም ካብ ዝብል ስግኣት ዝተልዓለ ካብቲ ከባቢ 'ውጹልና' ስለዝበሉ እዩ" ይብል፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሊንጎ ወይን ብዝብል ዝፍለጥ መንእሰይ።

ሊንጎ ወይን፡ ብስራሕ ምኽንያት ንራጎ ኣጸቢቑ እዩ ዝፈልጦ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ መንግስቲ ስዑዲ ኣስታት 5 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ናብ ስዑዲ ክኣትዉ ዕድል ከምዝሃበ ካብኡ ዝተረፉ ግና ፎቖድኡ በረኻ ተበቲኖም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑ እዩ ዝዛረብ።

ሊንጎ፡ ነቲ ስዑዲ ዝሃበቶ ናይ መጀመርታ ዕድል ኣመሲጊኑ፡ እንተኾነ ካልኣይ ዕድል ክትህብ ኣይከኣለትን ይብል።

ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ብፍላይ ነዚ ኣብ ዶብ ዝርከብ ግዝኣት የመን ዝቖጸጸርዎ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሑቲ፡ ነቶም ስደተኛታት እናኣለሹ የጥቕዕዎም ከምዘለዉ ይዛረብ።

ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ የመን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሓደ ሰብ ዝተረኸበ ኾይኑ፡ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ከይጋደድ ድማ ተሰጊኡ ኣሎ።

ካብ ስግኣት እዚ ሕማም ዝተልዓለ ካብን ናብን የመንን ስዑዲ ዓረብን ምንቅስቓስ ተዓጸዩ ከምዝቐነየ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ናብቲ ከባቢ መግቢ ምምልላስ ኮነ ምንቅስቓስ ስለዘይከኣል ድማ፡ ሓምሻይ መዓልቶም ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ወዲቖም ከምዘለዉ እዩ ዝዝረብ።

እቲ ምንጭና ምስ ገለ እቶም ግዳያት ብቐጥታ ብስልኪ [ቴሌፎን] ስለዝራኸብ፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘለዎ እዩ ዝዛረብ።

ራጎ እንታይ ትመስል?

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዝርከቡ ምንጭታትና ከምዝበሉና እንተኾይኑ፡ ራጉ ኣብ መንጎ ስዑድንን የመንን ዝርከብ ኮይኑ ቀንዲ ናይ ስግረ ዶብ ከባቢ እዩ።

ኣብቲ ከባቢ ኣስታት 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ከምዝርከቡ ይዝረብ።

ሕዚ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዘለዉ ድማ ኣስታት 10 ሺሕ ከምዝኾኑ ሊንጎ ይዛረብ።

እቲ ቦታ ሓሙሽተ ሽድሽተ ግዘ ደብዳበ ነፈርቲ ዝተኻየዶን ልዕሊ ሓሙሽተ ናይ መቓብር ቦታ ከምዘለዎን፤ መብዛሕተኦም ግዳያት ተጋሩ ምዃኖምን ይገልጽ።

"ከም ፍርዲ፡ መዓልታዊ ኣብቲ ከባቢ ሰብ ከይሞተ ኣይውዕልን" ይብል።

እታ ቁሸት ግዝኣት የመን ኮይና፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ተቓወምቲ ሓውቲ እያ ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 17 ስደተኛታት ምቕታሎም ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።

ካብኣቶም እቶም 15 ኢትዮጵያውያን እዮም ነይሮም። ብዙሓት ድማ ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሑዎም።

ኣብቲ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ሓውትን ሓይልታት መንግስቲ የመንን (ምስ ሓይልታት ጥምረት ብሓባር) ተኹሲ ቀጻሊ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።

ብርግጽ ትማሊ፡ ኣብ መንጎኦም ተኹሲ ጠጠው ንምባል ከምዝተስማምዑ ይዝረብ።

እንታይ ይገበር?

እዚ ምንጭና፡መንግስቲ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተዘራሪቡ ነቶም ዜጋታት ህይወቶም ከትርፍ ይምዕድ።

ይኹን'ምበር "እዚ ሓዞ ውጠጦ እዚ መፍትሒ ክኸውን ኣይኽእልን። መፍትሒኡ ኣብ ኢድ መንግስቲ ትግራይ እዩ ዘሎ" ይብል።

ምኽንያቱ ብፍላይ ኣብዚ ወቕቲ የመንን ጅቡቲን ባሕረን ዓጽየን ከምዘለዋ ይዛረብ።

"እቲ ተታሒዙ ዝስደድ ዘሎ ኩሉ ተመሊሱ ክመጽእ እዩ። መንእሰይ እዩ። ሰሪሐ ክበልዕ እየ ዝብል ሰብ እዩ። መንግስቲ ኣብ ዓዲ ነዚ ዘላቒ ፍታሕ እንተዘይገይሩሉ ሓደገኛ እዩ" ይብል።

"ዝኹሉ መቓብር ኣሕዋቱ እናረእየ ዘይመሃር ህዝቢ ብምንታይ እዩ'ሞ ክመሃር" ብምባል ዓብዪ ናይ ግንዛበ ጸገም ከምዘሎ ድማ ይዛረብ።

ብፍላይ እቲ ጸገም ብዝኸፍአ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይበጽሕ ከምዘሎ ገሊጹ፡ "መንግስቲ ትግራይ ግን ኣብ ውሽጡ ዘይሕጋውያን ደለልቲ ሓቚፉ ይነብር ኣሎ" ክበል ይነቅፍ።

ሚድያታት መንግስቲ ድማ፡ ኣብዚ ዘይሕጋዊ ስደት ዘብጸሖ ብዛዕባ ዘሎ ሓደጋ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ይምዕድ።

መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣይኦኤምን [ዓለማዊ ትካል ትካል ስደተኛታት-የመን] ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክነዛርብ ፈቲንና ኣይሰመረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ጨንፍር ዓለምለ-ለኸ ትካል ስደተኛታት [IOM] ግን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ገሊጹልና።