እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅልውላው የመን
ኣብ 2015 ዝጀመረ ስዑዲ እትመርሖ ኩናት ልፍንቲ ንህዝቢ የመን ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከምዝሸመሞን እቲ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ምኻዱ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሎ ገዲም ኤርትራዊ የመናዊ ፖለቲከኛ አሕመድ ኣልቀይሲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ሓይልታት፡ ማለት እቲ ብሓይሊ ካብ ስልጣኑ ንዝተኣልየ መንግስቲ ዓብደልመንሱር ሃዲ ዝድግፍ ዓረባዊ ልፍንትን እቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓን ሰሜናዊ የመንን ዝተቖጻጸረ ዑጡቕ ሓይሊ ሖቲን ነንሓድሕዶም ክካሰሱ ምጽንሖም ዝዝከር እየ።
ምኽንያት እቲ ኩናት
ኣብ 2011 ብቀውዒ ሰውራ ዝፍለጥ ህዝባዊ ኣብያ፡ ንፕረዚደንት 30 ዓመታት፡ ንዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ካብ ስልጣን ኣልዩ ንዓብዱ ሮቦ መንሱር ሃዲ ስልጣን ኣረኪቡ። እንተኾነ እቲ ንነዊሕ እዋን ንብልሽውና ፖለቲካ የመን ክቃወም ዝጸንሕ ዑጡቕ ሓይሊ ሖቲ ንዝነበረ ድኽመት ተጠቒሙ ወሰንቲ ዞባታት ተቖጻጺሩ። ነቲ ኩነታት ክጻወሮ ዘይከአለ ፕረዚደንት ሃዲ ፈለማ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ካብኡ ከይዱ። ጸኒሑ ከኣ ሃገር ለቒቑ ወጺኡ።
እቲ ካብ ኣሜሪካ፡ ብሪጣኒያን ፈረንሳይን ንዋታውን ስለያዊ ሓበሬታ ዝረክብ ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ልፍንታዊ ኪዳን ንፕረዚደንት ዓብዱሮቦ መንሱር ሃዲ ንምምላስን፡ ብ2015 ብኢራን ይድገፉ እዮም ንዝብሎም ምሊሻ ሖቲን ንምድኻም መጥቃዕቲ ነፈርቲ ጀሚሩ። እቲ ኩነታት እናበኣሰ እቲ ኩናት እናጸንከረ ሲቪል ህዝቢ ክጉድኡን እቲ ሓደጋ እናዓረገን ምስ ከደ ከኣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቤቱታኦም ከቕርቡ ጸኒሖም።
እንተኾነ ክልቲኦም ዕጡቓት ንሓድሕዶም ክወናጀሉ ነቲ ኩነታት ግቡእ ፍታሕ ስለዘይተገብረሉ ሞትን መቑሰልትን የመናውያን ዓሪጉ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ኪኢላታት ሕቡራት ሃገራት ክልቲኦም ወገናት ናይ ኩናት ገበን ፈጾሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።
በቲ ኩናት ዝተጎድኡ የመናውያን
አሕመድ ኣልቀይሲ፡ ኩናት የመን ንቑጠባውን ማሕበራውን ህይወት የመናውያን ኣዚዩ ከምዝተንከፎን ብዙሕ ሰላማዊ ህዝቢ ግዳይ ደብዳብ ይኸውን ምህላዉ ይሕብር። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ እቲ ንመንግስቲ ዓብደልመንሱር ሃዲ ዝድግፍ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ ሓይልን ተቓወምቲ ወገናት ሖትን ህልቂትን ጥፍኣትን ሰላማውያን ሰባት ንምውጋድ ምንም ጻዕሪ ከምዘየርኣዩ እዩ ዘረድእ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ ዛጊት ኣብ የመን 6,660 ሲቪል ክሞቱ እንከለው 10,563 ሰባት ከኣ መውጋእቲ ኣጋጢሙዎ ካልኦት ኣሻሓት እውን ብቐሊሉ ክትቆጻጸሮ ብዝኽእል ከም ዓጸቦን ሕማማት ሞይቶም።
እቲ ኩናትን ሓይልታት ልፍንቲ ብዝገብሩዎ ዘለዎ ምዕጻው ወደባትን ካልእን 22 ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝን ረድኤትን የድልዮ ኣሎ። በዚ ከኣ የመን እታ ኣብ ዓለም ህጹጽ ረድኤት ዘድልያ ዘሎ ሃገር ኮይና ኣላ። እዚ ዘሎ ሕጽረታት መግቢ መስተን መድሃኒትን ኣስታት 1.1 ሚልዮን ሰባት ክጥቅዑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ሪፖርት እንታይ እዩ ዝብል?
እቲ ጉጅለ ኪኢላታት መጽናዕቲ፡ እቲ ኣብ የመን ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ብደብዳብ ነፈርቲ ኩናት ሓይልታት ልፍንቲ ዘጋጠመ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።
እቲ ጸብጻብ "ኣብ መንግስቲ የመንን ሓይልታት ልፍንትን ዘለው ውልቀ ሰባት ንሲቪላዊ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ የመን ብዝግህስን ንውሕሰነቶምን ድሕነቶምን ኣብ ግምት ዘየእቱ መጥቃዕቲ ይፍጸሙ ኣለው" ንምባል ዘእምን እዩ ይብል።
ናብ ዑጡቓት ሖቲ ኣጽዋር ከይኣቱ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ዝግበር ዘሎ ምዕጻው መጓዓዝያ ባሕሪ ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕግታት ዝጥሕስን ዜጋታት የመን ሰብኣዊ ረድኤት ንኸይረኽቡ ዝግበር ዘሎ ዓፈና ምዃኑ እዩ ዝሕብር እቲ ጸብጻብ። መዓርፎ ነፈርቲ ሰንዓ እውን ተዓጽዩ ብምህላዉ ቅልጡፍ ሕክምናን ሰብኣዊ ረድኤትን ዝደልዩ ወገናት ዕድል ንኸይረኽቡ ዓጊቱዎም ኣሎ።
እቶም ኪኢላታት ተቓወምቲ ሖቲ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ንእትርከብ ከተማ ታይዝ ሓይልታት መንግስቲ ንዝቆጻጸሩዋ ከተማ ንሰለስተ ዓመታት ምኽባቦም እውን ከምዘሻቕሎም ሓቢሮም ኣለው።
እቲ ጸብጻብ ኣብታ ኸተማ ዝርከቡ ቖልዓ ሰበይቲ መዓልታዊ ንጥፈታቶም እናካየዱ ብደብዳብ ሓይልታት ሖትን ብሰናይፐር ጠበንጃ (ካብ ርሑቕ ዝጭምት ብረት) ይጥቅዑን ይህረሙን ምህላዎም ይገልጽ። ዕጡቓት ሖቲ ንሲቪልን ወተሃደራትን ዘይፈሊ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ስለዘካይዱ ብገበን ኩናት ከምዝሕተቱ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።