እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ተቐቲሎም
ዓሊ ዓብደላ ሳላሕ ምስቶም ተኣመንቶም ዝነበሩ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ከምዝተቐተሉ ፀብፃባት ኣመልኪቶም።
ዓመፅቲ ሁቲ ዝቆፃፀርዎ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ሰበ-ስልጣን "ቅልውላው ከምዘብቅዐን እቶም ፕረዚደንት ከምዝተቐተሉን" ዕላዊ ምግባሮም ፀብፂቡ።
ብኢንተርኔት ይፍነዉ ዘለዉ ስእልታትን ቪድዮታትን ሓደ ሰብ ርእሱ ብከቢድ ተወቒዑ ዘርእዩ እዮም። እቶም ሰብ ድማ ሳልሕ ከምዝኾኑ ይሕበር።
ደገፍቲ ሳልሕ ኣብ ጎኒ ሁቲ ኮይኖም ኣንፃር ሰራዊት'ቲ ሕዚ ዘሎ መንግሰቲ ዓብዱራቡህ መንሱር ሃዲ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ክዋግኡ ፀኒሖም'ዮም።
ኮይኑ ግን ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ወጥርን ኣብ ሰንዓ ዝርከብ ቀንዲ መስጊድ ኣብ ምቁፅፃር ብዘጋጠመ ዘይምስናይን ጎንፂ ተወሊዑ ካብ ረቡዕ ናብዚ ጥራሕ ንሞት 125 ሰባትን 238 መቑሰልትን ምኽንያት ኮይኑ።
ዓሊ ዓብዱላህ ሳልሕ ምስቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ዝሕግዞ መንግስቲ ሃዲ ሓድሽ ምዕራፍ ልዝብ ንምጅማራ ድልየት ከምዘለዎም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር። እቲ ጥምረትን ሃዲ ዝመርሕዎ መንግስትን ድማ ነቲ ሓሳብ ቅቡል ገይሮም ነይሮም።
ሁቲ ግን ሳልሕ ኣብ ልዕሊ እቲ 'እምነት ኣሕዲሮምሉ ዘይፈልጡ' ሓቢርዎም ዘሎ ሓይሊ ዕልዋ ንምፍፃም ከምዝሃቀኑ ይኸስስ።
ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ ኣብ የመን ኲናት ሕድሕድ ካብ ዝውላዓሉ 2015ን ብስዑዲ ዝድገፍ ጥምረት ሰራዊት ናብታ ሃገር ካብ ዝኣትውን ናብዚ 8670 ሰባት እንትቕተሉ 49960 ቆሲሎም።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንፅን ምዕፃዉ መገዲን ድማ 20.7 ሚልዮን ሰባት ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ብምግባር ኣብ ዓለምና እቲ ዝኸበደ ቅልውላው መግቢ ክፍጠር ምኽንያት ኮይኖም። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ናብዚ ድማ 2,211 ዝቐተለ ሕማም ኮሌራ ከጋጥም ገይሮም።ሎም'