እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደሃይ 44፡ "ዘላቒ ሰላም እንትህሉ'የ ናብ ሃገረይ ዝምለስ"
ካሚል አሕመድ አደም ይበሃል። ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ጨርጨር ሓዳር መስሪተ ሓደ ቖልዓ ወሊደ።
ኣብቲ እዋን ብዘጋጠመኒ ጸገም ካብ ዝመዉት ኢለ ካብ ሃገር ወጺአ። ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ የመን ከተማ ኤደን ይነብር ኣለኹ።
ናብ የመን ከይደ ንግዲ ጀሚረ። ናብ 12 ሽሕ ዝጽጋዕ ተኽሊ'ዉን ተኺለ። ኾይኑ ግና፡ ብዘይፈልጦ መገዲ፡ ንብረተይ ብሙሉኡ ብምዉሳድ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የሳቕዩኒ ነይሮም።
ኣነ ኣማራጺ ስኢነ እምበር ካብ ሃገረይ ክወጽእ ብሂገ ኣይኮንኩን ወጺአ። ዜጋታት የመን ሓዊሱ ትካል ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ኣይገብሩልናን፡ ፍትሒ የለን።
ኣብዛ ሃገር መሰሎም ዝሕዘለወሎም ስደተኛታት ሶማሊያ ጥራሕ'ዩ። ሶማሊያዉያን ናብዛ ሃገር ምምጻእ ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ 40 ዓመት ስለዘቑጸሩ ኣብታ ሃገር ዝበለጸ ኣፍልጦ ረኺቦም'ዮም።
ስለዝኮነ ከም መግቢ፣ ሓለዋ ጥዕና፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምልኣኽ ኾነ ኣብ የመን ምንባር ጠቓሚ ኣይኮነን። ምስ ህዝቢ እታ ሃገር ተመሳሲልኻ ምስራሕን ምንባርን ንሶማላዉያን ይቐልል።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት፡ ጥሙር ሓይሊ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትን ብኣየር የመን ኣብ ዝደብደበሉ እዋን፡ ኣብታ ከተማ ዝተረፍና ንሕናን ኣሞራታትን ኢና።
ኮሚሽን ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት መጓዓዝያ ብምልኣክ ካብቲ ኵናት ከዉጽአና እንተሓተትና'ዉን ዝበጽሀልና ኣይረኸብናን።
ብዚ ብዙሓት ዜጋታት የመን ሞይቶም'ዮም። ኣነ'ዉን ካብ ሞት'የ ተሪፈ።
የመን ብዙሕ ባህላዊ መግቢታት ኣለዋ። እቲ ተፈታዊ መግቢ ግና፤ ኩፍዚ ዝበሃል'ዩ።
ብዛዕባ ሃገይ ብዙሓት ነገራት'የ ዝናፍቅ። ሩባታት ድድሳን ደባናን ከምኡ'ዉን ጎቦ ኣባስና ኩል ግዘ ኣብ ሓሳበይ ኣለዉ።
ሕዚ ኣብ ዝነብረላ ከተማ ኤደን ዋላ ሓደ ደስ ዝብለኒ ቦታ የለን። መሰረተ ልምዓት እታ ሃገር ብኵናት ዓንዩ'ዩ።
ስልጣን እንተዝህልወኒ ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእን መሰል ሰባት ክኽበርን ምሰራሕኩ ነይረ።
ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ለዉጢ ደስ ይብለኒ። ይኩን እምበር ዝተርፉ ነገራት ኣለዉ። ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሰላም የለን።
እቲ ግቡእ ፍታሕ ንህዝቢ ዘላቒ ሰላም ምስ መጽአ ደስ ኢሉኒ ናብ ሃገረይ ክምለስ'የ።
ንጫሊ ነጋሳ ከምዘዋግዖ