እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ዓለም እንተረሰዓትና ፈጣሪ ኣሎና" ኤርትራዊ ኣብ የመን
ኣብ የመን ብዝጋጠመ ቅልውላው ኣማኢት ኤርትራውያን ይሳቐዩ ኣለዉ። ብፍላይ በቲ ሎሚ ኣብ ከተማ ሰንዓ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ መበል 35 ዓመት ምምስራት ህዝባዊ ሰልፊ ጉባኤ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ሰንዓ ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ቕልውላው ኣብ ጭንቂ ዝርከብ ነባሪ ሰንዓ ኤርትራዊ ""ዓለም እንተረሰዓትና ፈጣሪ ኣሎና" ክብል መረርኡ ብምግላጽ ማሕበረ -ሰብ ዓለም ቆላሕታ ኪገበረሎም ተማሕጺኑ። እቲ ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ነባሪ ሰንዓ ኤርትራዊ ኣብዚ እዋን'ዚ 22 ኤርትራውያን ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ሓቢሩ።