ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ መፃብቦ ሞት ዝርከቡ ስደተኛታት፡ "ብፍሉይ ክንገብሮ ንኽእል ነገር የለን"

እቶም ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንምባል ኣብ ዘሰክፉ ቦታታት ተዳጉኖም ኣብ መፃብቦ ሞት ዝርከቡ ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዛጊድ ንኣውያቶም ሰማዒ ካብ ዘይረኽቡ ሰለስተ ወርሒ ተቖፂሩ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ድማ፡ ምግዓዝ እዞም ስደተኛታት ንፌደራል መንግስቲ ከም ዝምልከትን፡ ኣብ ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ምንም ክገብር ከም ዘይኽእልን ንቢቢሲ ገሊፁ።

ቢቢሲ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኩነታት እቶም ኣብ የመን ካብ ሞንጎ ክልተ ዓረር ተሪፎም ናብ ስዑድ ዓረብ ኣትዮም ኣብ መስካሕክሒ ቦታታት ተዳጉኖም ዝርከቡ ስደተኛታት ጸብጺቡ'ዩ።

"ኣብ ሽቓቕ ንድቅስ፣ ኣብ ሽቓቕ ንበልዕ፣ ካብ ሽቓቕ ማይ ንሰቲ። እታ ማይ'ውን ኣብ ሳልስቲ ሓንሳብ እያ ትመፅአና። ሕዚ ዝረድኣና ሰብ የለን። እቲ እንነብረሉ ዘለና ቦታ ይትረፍ ክትድቅሰሉ ንምርኣዩ እውን ዘፅልእ እዩ" ብምባል እቲ ዝርከብሉ ሃለዋት ተዛሪቦም።

ሻቡ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት፡ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ዝጠፍአ ኮይኑ እቲ ሓደ ብኣካላት ፀጥታ ስዑድ ዓረብ ዝተቐተለ ነይሩ።

"ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ ሞይቶምና ሱቕ ኢሎም ተጓሒፎም ኣለዉ። ሕዚ ባዕሉ ሓደ ክመውት ዝቐረበ ሰብ ኣሎ። ንዓና ዝረድእ ሰብ መን ምዃኑ ኣይንፈልጥን፤ መፍትሒ ስኢንና። ነዚ ትሰምዑ በይዛኹም ርድኡና። ካብዚ ሞት ኣውፅኡና፤ ኣብ ነብስና ፍታን ይፈሰና ኣሎ" ክብል ተማሕፂኑ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ቆንስላዊ ጉዳያት ኣይተ ዮውሃንስ ሾዴ እቶም ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ገሊጹ ነይሩ።

"ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ፡ በብተራ ከም ዝግዕዙ እዩ ዘለኒ ሓበሬታ። ብዝሖም ኣብዚ ብዘዳለናዮ መጠን መወሸቢ ማእከል እዩ ዝውሰን። ንኣብነት፡ ኣብ ፈላማይ ዙር 200 እንተምፂእና፡ ንሳቶም ን14 መዓልቲ ተወሺቦም ተመርሚሮም ናፃ ምዃኖም ተረጋጊጹ ምስ ወፅኡ ድማ፡ እቶም ዝተረፉ ክነግዕዞም ኢና" ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ ነይሩ።

"ወተሃደራት ኣብ ልዕሊኦም ጥቕዓት ከይፍፅሙ ተረዳዲእና"

ሕዚ'ውን፡ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ለውጢ ከም ዘይብሉ ዝዛረብ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣመራርሓ ኮምዩኒቲ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ኣይተ መሓሪ በላይ፡ "ዋላ ሓደ ዝተገበረ ነገር የለን" ኢሉ።

"እዞም ዜጋታት ካብ የመን እንትመፅኡ ክዳን የብሎምን፣ ጫማ የብሎምን። ሓንቲ ካናቲራ ተኸዲኖም እዮም መፂኦም። ሓንቲ ካናቲራ ተኸዲኖም ንሰለስተ ወርሒ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ኣብ ልዕሊኡ ፅሩይ ምግብን ማይን ኣብ ዘይረኽብሉን ብጣዕሚ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ" ዝብል ኣይተ መሓሪ እቲ ማሕበረሰብ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብተን ኣብያተ-ማእሰርቲ ኢልካ ንምፅዋዕ ዘሰክፋ ቦታታት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ርስሓትን ጥሜትን ምህላዎም ፍሉጥ እዩ ዝበለ ኣይተ መሓሪ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ ልዕሊኦም ጥቕዓት ንከይፍፀም፡ እቲ ኮምዩኒቲ ምስ ኣካላት ፀጥታ ስዑድ ዓረብ ከምዝተረዳድአ ገሊፁ።

"ሕዚ ሓደ ሓደ ዝሓመሙ ኣለዉ። ኣብ ጂዛን ዝርከቡ ድማ ኣብ ገፆምን ሰብነቶምን ከም ፈፀጋ ዝዓይነቱ ሽፍ ዝበሎምን ኣለዉ። እዚ ሕማም ተላባዒ ድዩ ኣይንፈልጥን። ኣብ ዶብ ብጥይት ተወቒዖም እግሮም ሓፂን ዝኣተዎምን ኣለዉ። እዚኦም ኩሎም ሕክምና ንክረኽቡን፡ እቶም ወተሃደራት እውን ኣብ ልዕሊኦም ጥቕዓት ንከይፍፁምን ምስቶም ወተሃደራት ተረዳዲእና ኣለና" ይብል።

እቲ ማሕበረሰብ ንሕክምና ዝኸውን ገንዘብ ክተኣኻኸብ ከም ዝገበረ'ውን ብምሕባር፡ ፀገም እዞም ስደተኛታት ዘብቅዕ ግና፡ ናብ ኣዲስኣበባ እንትግዕዙ ጥራሕ እዩ ኢሉ ኣይተ መሓሪ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ልዕሊ 100 ጥራሕ እዩ ኣግዒዙ።

እቲ ኮምዩኒቲ፡ ጉዳይ እቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት'ኸ እንታይ ይኹን ክብል ንቆንስላ ኢትዮጵያ ከም ዝሓተተ ኣይተ ድማ ሓቢሩ።

"ካብ ዘለዉ ኩሎም ስደተኛታት ዝተወሰኑ እናገበርና ኢና ክነግዕዝ ንኽእል። ኢትዮጵያ እኹል መወሸቢ ዓቕሚ ስለዘይብላ፡ ብቐጥታ ኩሎም ስደተኛታት ክነግዕዝ ኣይንኽእልን" ዝብል ምላሽ ከም ዝተውሃቦም ንቢበሲ ገሊፁ።

እዞም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ተጋሩ ከምዝኾኑ እዩ ዝግለፅ።

እዚ ድማ ካብ መንግስቶም ፍታሕ ንከይረኽቡ ምኽንያት ከም ዝኾኖም ይኣምኑ።

'ክንፈትሖ ኣብ ዘይንኽእል ነገር ክንፈትሖ ኢና ኢልና ቃል ኣይንኣቱን'

ኣብዚ ጉዳይ፡ ንሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ሓቲትና።

"ኣብ የመን ይኹን ስዑዲ፡ ብርክት ዝበለ ስደተኛ እዩ እኒሀ። እቲ በብመዓልቱ ዝበፅሖ ዘሎ ጉድኣት እውን ፌደራል መንግስቲ ትኹረት ገይሩ ሓደ መፍትሒ ከምፅእ ኣለዎ ዝብል፡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሓቢርናሉ ኢና። ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ እዩ ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂቡና" ትብል።

ከም መንግስቲ ክልል ግና፡ መንግስቲ ፌደራል ትኹረት ሂቡ ኣይሰርሐሉን ዝብል ቅዋም ከም ዘለዎም ተዛሪባ።

ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ሰለስተ ወርሒ ክሳብ ዝገብር ከም መንግስቲ ክልል ድምፂ ክትኾንዎም ኣይዶንጎኹምን'ዶ?

ብስሩ'ኸ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ክኸውን ከሎ ጉዳይ ፌደራል ትብሉ፡ ኣብ ናይ ጉዳይ መረፃን ነባራዊ ኩነታት እታ ሃገርን ግና፡ ክሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ ደብዳበ ፅሒፍኩም ክተብቅዑ፡ ዜጋታትኩም ንምምላስ ግና ብኸምዚ መገዲ ኣይከድኩምን፡ ንምንታይ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናላ።

ክልቲኦም መንግስታት፡ ነናይ ባዕሎም ስልጣን እዩ ዘለዎም ብምባል፡ ኣብ ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ክሳብ ሕዚ መንግስቲ እቲ ክልል ኣይደንጎየን ኢላ።

"ንመረፃ ዝምልከት ሕገ-መንግስታዊ መሰል እዩ። ሕገ-መንግስታዊ መሰል ናይ ምርካብ ግዴታ ድማ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። እዚኣ ግልፂ እያ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተቐመጠ ንፁር ስልጣን ሉኣላውነት ናይ ህዝቢ ክሳብ ዝኾነን ህዝቢ ትግራይ ድማ ብቃልሱ ዘረጋገፆ ስለዝኾነ፡ በዚ ደረጃ እዚ መረፃ ክካየድ ኣለዎ ኢልና ናብ ዝተፈላለዩ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ምኻድና፡ መሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምግንፃል ዝብል ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝሰፈረ ስለዘሎን፡ ናይ ክልልና'ውን በዓልና ንበዓልና ናይ ምምሕዳር ስልጣን ስለዘለና እዩ" ትብል።

ወይዘሮ ሊያ፡ እቶም ስደተኛታት ግን፡ ከም ዜጋታት ብፍላይ ድማ ተጋሩ ብመንነቶም ዝበፅሖም ወፅዓ እንተሃልዩ ክንቃለስ ንኩላትና ዘረዳድእ ኢላ።

"ክንፈትሖ ዘይንኽእል ነገር ክንፈትሖ ኢና ኢልና ቃል ክንኣቱ ኣይንኽእልን። እዚ ጉዳይ እዚ ናይ መንግስቲ ፌደራል'ዩ፤ ምስ ናይ ዓለም ዓድታት ርክብ የብልናን። ናብ ዓዶም ምስ መጽኡ ግና፡ ብኸመይ 'ሴትል' ንገብር ዝብል ናይ ክልል መንግስቲ እዩ" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ፌደራል መንግስቲ ኣይኮነን'ዶ ኣብ ወፃኢ ንዘለዉ ዜጋታቱ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዘለዉ'ውን ከድሕን ዘይከኣለ ለማስ መንግስቲ እዩ ዘለና" ክትብል ነቒፋ።

ብሱሩ ግን፡ ስለ ምንታይ ኢኹም ዛዕባታት እናመረጽኹም፡ ንመንግስቲ ፌደራል'ዩ ዝምልከት ትብሉ? እቲ መንግስቲ ዓቕሚ የብሉን ዝብል እምነት እንተሃሊዩኩም ድማ፡ ፍታሕ ካብ ምፅባይ፡ ከምቲ ኣብ ትደልይዎ ጉዳይ ክሳብ ኣፍሪቃ ሕብረት ዝወሰድኩሞ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ዓለም-ለኸ ትካላት ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ሰማዒ ዝሰኣኑ ንምንታይ ድምፂ ዘይትኾንዎም? ንዝብል ሕቶና እንክትምልስ ድማ፡

"ካብዚ ዝሃብክዎ መልሲ ንላዕሊ ካልእ የለን። ናይ ብዙሓት ሕቶ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግና ምስ ካልኦት እናደረብካ ዝመፅእ መነፃፀሪ ፍፁም ተቐባልነት ኣይህልዎን። ካብ ስልጣንና ወፃኢ እንኸዶ ነገር የለን። መንግስቲ ፌደራል ንምንታይ ዜጋታቱ ውሑስ ዘይገብር ዘሎ ዝብል ነገር ክመፅእ ክኽእል ኣለዎ። እንተዘይኮነ ሕዚ ንየመን፡ ንስዑዲ ብፍሉይ ክንገብሮ ንኽእል ነገር የለን"፡ ብምባል ጉዳይ እዞም ስደኛታት "መቐፀልታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምምዝባልን ወፅዓን" እዩ ኢላ።

ኣብዚ ጉዳይ፡ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣበይ በፅሐ ክንብል ብተደጋጋሚ ንሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ቆንስላ እታ ሃገር ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ'ውን፡ "ኣብዚ ስራሕ ሕዚ ስለዝተሾምኩን ገና ብደገ ኮይነ ይከታተል ስለዘለኹን፡ ንዳይሬክተር ጉዳያት ቆንስላ እቲ ሚኒስቴር ኣዘራርቡ'ዩ" ኢሉ።

እንተኾነ ኣብ ጅዳ ዝርከብ ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ጉዳይ ኮቪድ-19 ዕልባት ክሳብ ዝረክብ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብመሰረት ዘውፅእዎ ድንጋገ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዘለውዎ ክፀንሑ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ እኹል ማእኸል መወሸቢ ንምድላው ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ ነቶም ስደተኛታት ኣብ እዋኑ ንምግዓዝ ከም ዘይተኽኣለ ሓቢሩ።