እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መቐለ 'ዘይሕጋዊ ሰልፊ ከካይዱ ተታሒዞም' ብዝብል ዝተኣስሩ 9 መናእሰይ ክሲ ክምስረቶም'ዩ
ፖሊስ: ኣብ ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ሰልፊ ንምክያድ እንትዳለዉ ሒዘዮም ዝበሎም 9 መናእሰይ ድሕሪ 7 መዓልታት ብዕሊ ክሲ ክምስረቶም እዩ።
እቶም መናእሰይ ን46 መዓልታት ዝታአስሩ ኮይኖም፡ ሎሚመዓልቲ ድማ ጉዳዮም ናብ ዓቃቢ ሕጊ ሓሊፉ ተባሂሉ።
ይኹን እምበር፡ ተወሳኺ 7 መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክፀንሑ ቤት ፍርዲ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣዚዙ።
እቶም መናእሰይ: ንመንግስቲ ትግራይ ብሓይሊን ዓመፅን ንምዕላው ዘለዓዕሉ ጭርታት ፅሒፎም: ኣብ ኣደባባይ ሮማናት ሰልፊ ንምክያድ እንትዳለዉ ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ምግላፁ ይዝከር።
ጉዳዮም ኣብ ዕጽው ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ወያነ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ፖሊስ ኣጻርዩ ተወሳኺ መረዳእታ ንምቕራብ ብመሰረት ዝሓተቶ ግዜ፡ ተወሳኺ ቖጸራ ተዋሂብዎም ነይሩ።
ፖሊስ ከተማ መቐለ ከም ዝበሎ፡ እቶም መናእሰይ፡ "ዘይሕጋዊ ሰልፊ" ከካይዱ ፈቲኖም ተባሂሎም'ዮም ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም።
ህዝቢ ትግራይ ሓራ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ፡ "ህወሓት ካብ ስሩ ክንቀል ኣለዎ" ዝብል ጭርሖታት ከዳልዉ ከም ዝተረኽቡ ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቶም መንእሰያት ምስ ሓደ "ፈንቅል" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣንጻር ህወሓት ከም ዝንቀሳቐስ ዝገልጽ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም ንዝብል ጸብጻብ ግን፡ ኣባላቱ ከምዘይኮኑ ሓቢሩ።
ይኹን'ምበር ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለው ሰባት ዛጊድ ዝተረኽ ሓበሬታ የለን።