መርዓ ዘመላኽዑ መናእሰይ መቐለ፡ 'ኣደዳ ዕዳ ኾይንና' ይብሉ

እቲ መመላኽዕትን ኣዳለውቲ ኣልባሳት መርዑን፣ ምድላው መግብን መስተን፣ ሙዚቃ፣ ስእልን ካልኦትን ዘጠቓልል ኢንዳስትሪ መርዓ፡ ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ 70 ቢሊየን ዶላር ዘንቀሳቕስ ዓውዲ ከም ዝኾነ ይግመት።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ብምኽንያት እቲ ዓለማዊ ለበዳ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ሰብ ብብዝሒ ዝእከበሎምን ዝሳተፈሎምን ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ማሕበራውን በዓላትን ፌስታታትን ተሰሪዞም'ዮም።

ካብዚ ብዝብገስ ኢንዳስትሪ መርዓ ምዝሕሓል ኣርእዩ።

መንእሰይ በሪሁ ኣሰፋ (ዲጄ ቢ) ዋና ጸሓፊ ማሕበር 'ዲጄታት' ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ እዩ፡፡ ንዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣጻዋቲ ዲስኮ (ዲጄ) ኮይኑ ሰሪሑ።

ካብቶም ኣስታት 150 ዝኾኑ ኣባላት እታ ማሕበር፡ እቶም ዝበዝሑ ካልእ ዝሓቑፎም ስራሕ ስለ ዘይብሎም ዓርሶምን ዝሕግዙዎም ስድራቤቶምን ንጸገም ከምዝተቓልዑ ይዛረብ፡፡

ቅድም ክብል መንግስቲ ትግራይ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዘውጸኦ ኣዋጅ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እቲ ክልል ዝካየድ መርዓ፣ ለይታዊ ትልሂትን መሰል ማሕበራዊ ንጥፈታትን ተኸልኪሎም'ዮም።

እቲ ዓውዲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ’ውን ኣብ ትግራይ፡ ንብዙሓት ሰባት ስራሕ ዕድል ዝፈጠረን ኣብ ምዕባይ ዝነበረን እዩ።

ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መንግስቲ እቲ ኣዋጅ ክፎክስ'ኳ እንተገበረ፡ እቲ ኩነታት ከም ዘይተቐየረ ዝዛረብ መንእሰይ በሪሁ ኣሰፋ ነዚ ዝፈትዎ ሞያ ዲጀይ ገዲፉ መራሒ ታክሲ ይዝውር ከም ዘሎ ይዛረብ።

እቶም ኣብዚ ስራሕቲ ዝነጥፉ ሰብ ሞያ ድማ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስራሕቶም ከም ዝተዘሓሓለ ይዛረቡ።

"ኣብዚ እዋን ምኢቲ ብምኢቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾንናሉ ኩነታት እዩ ዘሎ፤ ኮቪድ-19 ዓለም ለኻዊ ጸገም ኮይኑ ኣብዚ ክልል መጺኡ'ውን ዝበኣሰ ነቲ ናይ ሙዚቃ ኢንዳስትሪ ዝዓጸወሉ ኩነታት እዩ ዘሎ" ይብል ዲጄ በሪሁ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ለይታዊ ተልሂት፣ መርዓን መሰል ምድላዋትን ዝነጥፉ ዝነበሩ ዲጄታት ንልዕሊ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስራሕ ደው ከም ዘበሉን ንቁጠባዊ ጸገማት ከምዝተቓልዑን ይሕብር፡፡

"እቲ ዘለናሉ ሞያ ጠመተ ኣይተገበረሉን፤ ኣብ ሚድያ'ውን ዝተልዓለ ነገር የለን፤ ከም ሕቶ'ውን ቀሪቡ ዝተውሃበና መልሲ የለን" ዝብል ዲጄ ቢ፡ ናብቲ ዝነበርዎ ስራሕ ክምለሱ ዘፍቅድ ኩነታት'ኳ እንተዘይሃልዩ፡ መንግስቲ ካልኦት ናይ ስራሕ ዕድላት ክረኽቡ ሓገዝ ክገብር ከም ዘለዎ ይገልጽ።

"ንሕና መናእሰይ ስለ ዝኾንና ዓቕሚ ኣለና። ማካሮኒን ጣፍን ክወሃበና ኣይንደልን። ክንሰርሕ ጥጡሕ ባይታ ይፈጠረልና፡ ኣብ ዘሎ ክፍቲ ስራሕ ኣቲና ክንሰርሕ፡ ጊዝያዊ ኣታዊ እንረኽበሉ ስራሕ እንተዝፈጥረልና በሃላይ እየ" ይብል፡፡

ኣመላኻዕቲኸ?

ናይ መርዓን ካልኦት ምድላዋትን ኣዳራሻት ዘመላኽዑ እንዳ 'ዲኮራት' እውን በቲ ክስተት ብተመሳሳሊ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ከም ዘለዉ ይገልጹ።

ወናኒት ፒስ ዲኮር ሰላማዊት ዓፈራ ኣብቲ ዓውዲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ጸኒሓ እያ።

ኣብዚ እዋን ግን መርዓን ካልኦት ምድላዋትን ስለ ዘየለዉ ስራሕ ጠጠው ከም ዝበለን ኣስታት 12 ሰራሕተኛታት ከም ዝነከየት ትገልጽ።

"ብዙሕ ሰብ ናይ መርዓ ፕሮግራሙ ሰሪዙ እዩ። ስራሕ ዝበሃል የለን፡ ተጠቃሚ ስለ ዘየለ ድማ ስራሕ ደው ኢሉ እዩ" ትብል።

ካብዚ ብዝብገስ ብዙሓት ሰባት ናብ ካሊእ ሞያ ይቕይሩ ከም ዘለዉ እትገልጽ ሰላማዊት "ብተደጋጋሚ ናብ መንግስቲ ከይድና ሓቲትና ነይርና፡፡ እቲ ሕማም ክሳብ ዘይጠፍአ እቲ ስራሕ ክጅመር ከም ዘይኽእል ነጊሮሙና" ትብል፡፡

50 ዝኾና ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ተወዲበን ካሊእ ስራሕ ክሰርሓ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንዝውድብ ኣካል ከም ዝሓተታን ዛጊድ ዝተውሃበን ምልሲ ከምዘየለን 'ውን ወሲኻ ትዛረብ።

"እዚ ስራሕ ደው ካብ በለ፡ ብማሕበር ተወዲብና ደርሆ ምፍራይ ወይ ካሊእ ክንሰርሕ ሓግዙና ኢልና ናብ ደኣንት ኬድና፡ ኣዘራሪቦምና ነይሮም ክሳብ ሐዚ ግን ዝተትሓዘ ነገር የለን። ግን መንግስቲ ኣብዚ ስራሕ እዚ ጠመተ ገይሩ ክሕግዘና ተስፋ ንገብር" ኢላ፡፡

ብተወሳኺ ክራይ ገዛን መሃያ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ትኸፍል ከምዘላ እትገልጽ ሰላማዊት "ግብሪ 'ውን ሕዚ ኢና ክንከፍል፡ እንታይ ከምዝብሉና ኣይንፈልጥን" ብምባል ስግኣታ ትገልጽ፡፡

ወናኒት ርግኣት ዲኮር ርግኣት ሃብተጊዮርጊስ'ውን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ፡ ንዝተዋፈረትሉ ዓውዲ ስለ ዝጸልዎ ንቑጠባዊ ጸገም ከም ዝተቓልዑ ትዛረብ፡፡

"ይኹን እምበር በቲ ስራሕ ጽቡቕ ንመሓደር ነይርና፡፡ ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ግዜ ግን ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ካብ ለካቲት ጀሚሩ ዝተዓጸወ፡ ዝተኸፈተ ነገር የለን። ኣብ ዕዳ ኢና ዘለና። ዋላ ጠሪዕና ኔርና ዝተውሃበና መፍትሒ የለን" ትብል።

"እዚ ኣቑሑት ሒዝና ናበይ ንኸይድ? እንታይ ንገብሮ? ፍታሕ እንተዝግበረልና" እትብል ርግኣት ከምቶም ካልኦት ዝኽፈቱ ዘለዉ ዓውዲታት፡ ብውሑድ ምትእኽኻብ እውን እንተኾነ ምድላዋት ዝካየዱሉ መገዲ ክፍቀድ ከምዝግባእ ትገልጽ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ዘሎ ጸገም ቆጺራ ተስረሖም ዝነበረት ሓሙሽተ ሰባት ክተሰናብቶም ከምዘገደዳ ተዛረብ፡፡

ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተነበረ ክልከላ ዝኾነ ዓይነት ምትእኽኻባትን ምድላዋትን፡ ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ቪድዮን ፎቶግራፍን፣ መኪና ክራይ፣ ቤተ- ጽባቐታትን ካልኦትን ሃስዩ ኣብጺሑ ከምዘሎ እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ።