እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጻዕዳ መርዓ፡ ኣብ እዋን ቀይሕ ራዕዲ ኢትዮጵያ
ፍቕሪ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ሃዋህዉ'ዉን ዓምባቢ'ዩ። እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ እቲ ጸልማት እዋን ቀይሕ ራዕዲ 1978 ዓ.ም ዝተመርዓዉ ኣይናለምን ገነትን ሓቂ'ዩ።
መንግስቱ ሃይለማርያም ስልጣን ሒዙ ጸላእተይ ንዝበሎም ሕነ ክፈዲ ምስ ጀመረ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝጀመረ እዚ ምፍሳስ ደም፡ ብኣአሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎምን።
እንተኾነ ግና እዚ ኣብ ሰንዳፋ ንዘይምጥልላም ቃለ መሓላ ፈጺሞም ንዝተመርኣዉ መጻምዲ ሓደ ኣምሳል ካብ ምዃን ኣይዓገቶምን።
ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ዝተሰነዱ ስእሊታት እምበኣር እነሆ።
ነዊሕ እዋን ዝዘለቐ ፍቕሪ
ክልቲኦም መጻምዲ ኣብ 1973'ዮም ኣብ ሓደ ተራኺቦም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ መስፍናዊ ስርዓት ተኣልዩ፡ ብወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ተተኪኡ።
ንመንግስቱ ሃይለማርያም ድማ በሪ መሪሕነት ኸፊትሉ።
ኣይናለም፡ ገነት ትምህርታ ምስ ወድአት ክምርዐዋ ዝብል ተስፋ'ዩ ነይሩዎ። ይኹን'ምበር ኣብ 1978፡ ኣብ ሰልፊ ተቓዉሞ ተሳቲፍኺ ተባሂላ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተኣሲራ።
"ኣብ ትሕቲ ስርዓት ደርጊ ምንባር ቐሊል ኣይኾነን" ትብል ገነት። "ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ስግኣት ሓጎስና ሙሉእ ከይከዉን ኣቂቡዎ"።
እቲ ስርዓት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ሰባት ስድርኦም ከይሓቱዎም ኸልኺሉ ስለዝነበረ፡ ኣይናለም ንዉሕ ንዝበሉ መዓልታት ገነት ብዓይኑ ኣይርኣያን።
ንሱ ዘብዒ እቲ ሰዉራ ስለዝነበረ፡ ካልኦት ተቓወምቲ ክልቲኦም ዘለዎም ርክብ እንተድኣ ፈሊጦም ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋ ከቢድ'ዩ።
"ሰላምታ ክንለዋወጥ ኾነ ክንዘራረብ ኣይንኽእልን። ኸምኡ'ዉን ኾይኑ ግና መኪና ሒዙ ናብቲ ቐጽሪ እንትመጽእ እንትሪኦ ኣዝየ ይሕጎስ" ትብል ገነት።
ብርኪ ምስዓም
መርዐኦም ብባህላዊ ደርፊ ተኣጂቡ ተጀሚሩ። ኣይናለም ብርኪ ኣዲእ ተሳሊሙ፡ ገነት ሒዙ ናብ ገዝኡ ኣምሪሑ።
ኣብ ደገ ኣፍ ገዝኡ መሓዙትን ጎረባብቱን ተቀቢለሞ።
ኣይናለም በዓልቲ ቤቱ ሒዙ ኣትዩ።
ድሕሪ ቐትሪ፡ ክልቲኦም ተመራዓዉቲ ኣብ ቕድሚ መራሒ ሃይማኖትን ወላዲ ገነትን ቃለ መሓላ ፈጺሞም።
ንገነት ዘሕዝን ነገር ግና ተፈጢሩ። ኣብ 2008 ኣይናለም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
"ንዝፈትዎ ሰብኣይ ተመርዒወ ኣዚና እንፈትዎም ቖልዑ ድማ ኣዕቢየ" ትብል።
All photos copyright: Vintage Addis Ababa