ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ 'ሓደገኛ' ወፍሪ ምጽራይ 'ባንዳታት'

ትግራይን ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ን45 ዓመታት ብሓባር ዘሊቖም ኣለዉ። ኣብ'ዚ መዋእል፡ ንፖለቲካ ትግራይ ክንዲ ህወሓት ብሒቱ ዝተቖጻጸሮ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣይተረኸበን።

እዚ ጽልዋን ሓይልን ግን ብቕኑዕ መገዲ ዝረኸቦ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣማራጺ ሓሳባትን ድምጽታትን "ብምዕፋን" ዝኣከቦ'ውን እዩ ዝብል ክስታት ካብ ተዓዘብቲ ይቐርበሉ።

እቲ ውድብ፡ ብተቓወምቲ ካብ ዝቐርብሉ ቀንዲ ክስታት፡ ንተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ከምኡ ድማ ንሱ ካብ ዝቆጻጸሮም ውዳበታት ወጻኢ ንዘለዉ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ከም "ጸላኢ" እናበየነ መጥቃዕትታት የውርደሎም እዩ ዝብል እዩ።

ነዚ ከም መርትዖ ዝቐርብ ድማ፡ እቲ ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን መንግስታዊ መራኸብቲ ሓፋሽን ንውድባት ፖለቲካ "ጸላኢ" እናበለ ምግላጹ እዩ።

ልሳን ናይቲ ውድብ ዝኾነ መጽሄት ወይን፡ ኣብ ናይ 2009 ወርሒ ሰነ-ነሓሰ ሕታሙ፡ "ብሰንኪ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ድኽመታት ጸላእትና'ውን ዕዳጋ ይረኽብ ኣለዉ እዮም" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ኣብ'ቲ ናይ ሽዑ ጽሑፍ፡ ዓረና ዝበሃል ሕጋዊ ተቓዋሚ ውድብ፡ ከም ጸላኢ ተጠቒሱ ንረኽቦ።

"ከምታ ኣመልና ንጸላእትና ክንቆርጾም ኢና" ድማ ይብል።

እቲ ጽሑፍ ወሲኹ "ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ነቓዕ ክፈጥሩ ብጎይተቶም ዝተልኣኹ ጸላእቲ" ዝበሎም ሓይልታት ንመንእሰይ ክቆጻጸሩ ይንቀሳቐሱ ምህላዎም እዩ ዝትንትን።

እዚ ጽሑፍ ናይ ቅድሚ 3 ዓመት እዩ።

ሎምቅነ ድማ ብተመሳሳሊ፡ ህወሓት "ባንዳታት" ኢሉ ንዝገለጾም ውዳበታትን ውልቀሰባትን 'ንምጽራይ' ወፍሪ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ።

መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ከምዝብልዎ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ ተንቀሳቒሶም፡ ህዝቢ ኣንጻር "ባንዳታት" ክለዓልን ረመጽ ክኾኖምን ክጉስጉሱ ከምዝቐነዩ ይገልጹ።

ውድብ ህወሓት ግን፡ ብዛዕባ እዚ ዝጀመሮ ወፍሪ ብግልጺ ዝበሎ ነገር የለን።

ሓደገኛ ወፍሪ

ብመንግስቲ ትግራይ ዝውነን ቴሌቪዥን ትግራይ "ትግራይ ካብ ባንዳታት ምጽራይ" ዝብል ምድላው ኣሕሊፉ ነይሩ።

ኣብ'ቲ ምድላው ጋሻ ኮይና ዝቐረበት፡ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፡ ወይዘሮ ኣለማት ኣማረን ነቲ ምድላው ዘሰናደአ ጋዜጠኛ ዮውሃንስ ብርሃነን፡ ንገለ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ሕጋዊ ውድባትን መራሕቲ ተቓወምቲን ብባንዳነት፣ ከሲሶም፡ "ህዝቢ ረመጽ ክኾኖም ይግባእ" ዝብል መልእኽቲ ምስሓለፈን፡ ቁጠዐ ፈጢሩ እዩ።

እታ ሓላፊት ጸኒሓ፡ ንውድባ ህወሓት ወኪላ ዘይኮነስ፡ ብውልቀኣ ነዚ ሓሳብ ከምዝገለጸት ኣብ ፌስቡካ ጽሒፋ። ነቲ ምድላው ዘሕለፈ፡ ቴሌቪዥን ትግራይ'ውን ጸኒሑ "ካብ ሞያዊ ስነ ምግባር ጋዜጠኝነት ወጻኢ" ዝተሰርሓ ምዃኑ ገሊጹ ይቕረታ ሓቲቱ እዩ።

ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ሓደ ዝኾነ ኣይተ ጌታቸው ረዳ'ውን ነቲ ብቴሌቪዥን ዝቐረበ ምድላው "ዘይቅቡል" ኢሉ ዝገለጾ ኾይኑ፡ ንዕኡ'ውን ከምዘሰንበዶ ገሊጹ።

ንዕኡ ሓዊሱ፡ ኣመራርሓ ህወሓት፡ ባይታ ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ምስፋሕ ቅሩብነትን ድልየትን ከምዘለዎም'ውን ገሊጹ እዩ።

ተቓወምቲ ግን፡ እቲ ዝሓለፈ መልእኽቲ ናይታ ሓላፊት ናይ ውልቃ ሓሳብ ዘይኮነስ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ትግራይ ክካየድ ዝቐነየን "ባንዳታት ምጽራይ" ዝብል ወፍርን ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

እዚ "ጸለመ" ክብሉ ዝገለጽዎ ወፍሪ ድማ "ሓደገኛ" ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ኣይተ ክብሮም በርሀ፡ "እቲ ምጽራይ ዝብል ቃል ሓደገኛ ትርጉም እዩ ዘለዎ" ብምባል ምስ'ቲ ኣብ 1960ታት ዝነበረ ናይ ምጥፍፋእ ባህሊ ፖለቲካ የነጻጽሮ። ነዚ "መሕፈሪ" ክብል ዝገልጾ ተግባር ድማ "ንባህሊ ፖለቲካ ትግራይ ንድሕሪት ዝመልስ እዩ" ኢልዎ።

"ሕዚ ኣብ ሚድያ ስለዝወጽኣ እዩ'ምበር፡ ንሕና ቀዲሙ ሓበሬታ ኣለና። ኣብ ኣባላትና ብዙሕ ጸገማት ክበጽሕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ገዛኢ ውድብ ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታቱ፡ ናይ ምጥቃን ስራሕ ከምዝሰርሕ፡ ጸላእተይ እዮም ንዝብሎም ሕጋዊ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ዘይሕጋዊ ክትትል ከምዝገብረሎም ዝፍለጥ እዩ" ኢሉ።

ኣይተ ክብሮም "ምሳና ዘይኮነ ኩሉ ጸላኢና እዩ" ካብ ዝብል ናይ ህወሓት ባህሪ ዝነቅል እዩ ድማ ይብል።

ኣብ ትግራይ ዝነጥፍ "ሰብ ሕድሪ" ዝበሃል ስቪል ማሕበረሰብ'ውን፡ ነቲ "ትግራይ ካብ ባንዳታት ምጽራይ" ዝብል ናይ ቴሌቪዥን ምድላው ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ 'መቐፀልታ ናይቲ ከካብ ከባቢኡ ዝስማዕ ዝነበረ መፀለምታ' ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

እንታይ እዩ እቲ ሓደጋ?

ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ መምህር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ትግራይ ክካየድ ቀንዩ ኣብ ዝተብሃለ እዚ 'ወፍሪ' ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ህወሓት ኣብ ዝመርሕዎን ኣኼባታት፡ ስም ሰባት እናተዘርዘረ ጸለመ ከምዝተኻየደ እዩ ዝገልጽ።

"ኣብ ከባቢ መቐለ ኣብ ዝተገበሩ ኣኼባታት ስመይ ተላዒሉ ጸለመ ተፈጺሙኒ እዩ" ድማ ይብል።

ኣብ'ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ብርክታት ተኻይዱ ዝተብሃለን ካድረታትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባታት፡ "ባንዳ" ዝበሃሉ ሰባት ክፍለዩን፡ ነዞም ሰባት ድማ 'ኣሸቑርርዎም፡ ረመጽ ኩኑዎም' እናተብሃለ ከምዝቐነየ፡ ኣብ ገለ ኣኼባታት ድማ "በልዎም" ዝብል መልእኽቲ ከይተረፈ ከምዝሓለፈ ይዛረብ።

ኣብ'ዚ ወፍሪ፡ "ዋላ'ውን ፖለቲካዊ ተሳትፎ ዘይብሎም ሰባት" እናተጸርሑ ስሞም ጸሊሙ እዩ ይብል። ገሊኦም እቶም "ባንዳታት" እናተብሃሉ ዝተዘርዘሩ ድማ፡ ኣባላት ሕጋዊ ውድባት ፖለቲካ እዮም ይብል።

ንዕኡ ሓዊሱ፡ ገለ ሰባት ድማ "መሓዛ ክስቶ እዩ፡ ምስ ክስቶ ይቐርብ እዩ" ብዝብል "ባንዳ" ዝብል ስም ከምዝተውሃቦም ይገልጽ።

እዚ ድማ "ዘይዴሞክራሲያውን ሓድነት ህዝቢ ዘፍርስን" ምዃኑ ኣይተ ኣታኽልቲ ይዛረብ።

ካብ'ዚ ብዝሰገረ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ከም ጸላእትን "ባንዳታትን" ዝግለጹ ዘለዉ ሰባት፡ ብዕስለ ኣካላዊ መጥቃዕቲ'ውን ክፍጸም መገዲ ዝኸፍት እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

እቲ 'ምጽራይ ባንዳታት' ዝብል ወፍሪ ንሚሊሻን ኣካላት ጸጥታን'ውን ዝሓወሰ ብምዃኑ ድማ፡ ሓደግኡ ከቢድ እዩ ይብል።

ብላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት "ረመጽ ኩንዎም" ዝተብሃሉ ሚሊሻ፡ ከውርድዎ ዝኽእሉ መጥቃዕቲ ከምዘስግኦ ድማ ይገልጽ።

"ባንዳ" እንታይ ማለት እዩ

ሰብ ሞያ ሕጊ፡ 'ባንዳነት' ዝበሃል ብሕጊ ዝተጠቐሰ ገበን ከምዘየለ እዮም ዝገልጹ።

መቕጽዒ ሕጊ ገበን ኢትዮጵያ፡ ምስ 'ክደዓት ሃገር' ብዝተሓሓዝ፡ ገበን ኢሉ ዝገልጾም ተግባራት እኳ እንተሃለዉ፡ ምስ'ቲ ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ዝግለጽ ዘሎ "ባንዳነት" ዝበሃል ኣገላልጻ ግን ዘራኽብ ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።

ኣብቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝቐረበ መደብ'ውን፡ እቶም 'ባንዳታት' ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ውድባትን ውልቀሰባትን ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ውድብ ብልጽግናን ርከብ ዘለዎም እዮም።

እታ ኣብ'ቲ ምድላው ዝቐረበት ሓላፊት ትርጉም ባንዳነት ተሓቲታ ክትምልስ ከላ፡ 'ባንዳ ዝበሃል ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበረሰብ ኮይኑ፡ ሕልንኡ ሸይጡ ንኸብዱ ዝነብር ህዝባዊነት ዘይስመዖ' ክትብል እያ ገሊጻቶ።

እንተኾነ፡ እቶም 'ለኣኽቲ' ተባሂሎም ዝተገለጹ ኮኑ፡ እቶም 'ተላኣኣኽቲ' ዝተብሃሉ፡ ኣብ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድባት ዝንቀሳቐሱ እዮም።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ህወሓት "ባንዳታት" ዝብሎም ዘሎ፡ ነቶም ካብኡ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ መርገጺ ዝሓዙ ሓይልታት እዩ ዝብል ነቐፌታ ይቐርበሉ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ኣማራጺ ሓሳባት ከይስምዑን ባይታ ፖለቲካ ከይገፍሕን ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ተቓወምቲ ይገልጹ።

ኣብ'ቲ ሎምቅነ ክካየድ ከምዝቐነየ ዝተገለጸ "ምጽራይ ባንዳታት" ዝበሃል ወፍሪ ብዝምልከት ሓበሬታ ክህባና ንወሃቢት ቃል መንግስቲ ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ተወኪስናየን'ኳ እንተነበርና፡ ፈተነና ኣይሰመረን።