ህወሓት፡ ኣብ ጉዳይ መረጻ ሃገራዊ ጉባኤ ክካየድ ጸዊዑ

ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ብዘእተወ መገዲ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ጸዊዑ።

ንሰለስተ መዓልቲ ዝተኣከበ ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት፡ ኣብ ክልላውን ሃገራውን ጉዳያት ኣስፊሑ ከምዝዘተየ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ውድብ ህወሓት፡ መረፃ ንምስላጥ ዘኽእልን ሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓንን፡ ሃገራዊ ጉባኤ ካከየድን ሓድሽ ኣወዳድባ ክፍጠርን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዚ እንተዘይኮይኑ ግና: ብክልል ደረጃ መረፃ ኣብ እዋኑ ንምክያድ ምድላዋት ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

እቲ ሕዚ ብማእኸላይ መንግስቲ ዝግበር ዘሎ እቲ መረጻ ናይ ምንዋሕ ኣከያይዳ ኣይተቐበሎን።

ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ "ነዚ እንትበሃል ምስ ህዝቢ ትግራይን ንህዝቢ ትግራይ ዓርሰ ምሕደራ ምሉእ ኣፍልጦ ምስ ዝህቡ ሓይልታት ፖለቲካ ብምዃን ክልላዊ መረፃ ሓዊሱ እዚ መሰል ህዝብና ካብ ሕምስምስ ንምድሓን ዘኽእሉ ስራሕቲ ብብርኪ ክልል ንምስራሕ ምድላው ክግበር ወሲኑ ኣሎ" ኢሉ።

እዚ ምንቅስቓ፡ ወፍሪ ፀረ ኮረናቫይረስ ከምኡ እውን ተቐባልነት ዘለዎም መትከላት ሕገ መንግስቲ ብዘማልአ መልክዑ ዝፍፀም ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

እቲ ፈለማ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ክግበር ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ንዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ምንውሑ ይዝከር።

ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮደድ-19 ድማ መሊሱ ንዘይተወሰነ ግዜ ተናዊሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ፡ ኣርባዕተ ኣማሪጽታት ከምዝቐረቡ ዝዝከር እዩ።

እቶም ኣማራጺታት፡ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ክግበርን ናይ ሕገምንግስታዊ ትርጉም ምርኣይን ይርከቡዎም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብቶም ዝቐረቡ ኣማራጺታት ሓደ ዝሐሸ ከምዝግበር ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ብፍላይ ተወከልቲ ህወሓት እቲ ኣከያይዳ መትከላት ሕገ-መንግስቲ ዝጥሕስ ከምዝኾነ እዮም ገሊጾም።

"ሕጋዊ ገዛኢ ፓርቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ'ዩ ፈሪሱ" ዝብል ነቐፌታ ደጋጊሙ ዘስምዕ ህወሓት፡ ውድብ ብልጽግና "ድሕሪ 25 መስከረም ኣብ ስልጣን ከፅንሖ ዝኽእል ፀቢብ ዕድል እውን የለን" ኢሉ።

ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ኣፍሪስካ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ተግባር ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ሰለስተ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ሒዙ ዝተወሃደ ፓርቲ ብልጽግና ብወገኑ፡ ሕጋዊ ወራሲ ኢህወዴግ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ መጻኢ 25 መስከረም 2013 ዘብቅዕ ብምዃኑ ቅድሚኡ መረጻ እንተዘይተኻይዱ፡ ብድሕሪኡ ክህሉ ዝኽእል መንግስቲ የዘራርብ እዩ ዘሎ።