እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መደበር ቴሌቪዥን ኦኤምኤን ኣብ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታቱ ከምዝተኣሰሩ ገሊጹ
መደብር ቴሌቪዥን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ (ኦኤምኤን)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጋዜጠኛታቱ ብፖሊስ ፌደራል ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ።
እቲ መደብር ቴሌቪዥን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበሩ ኩሎም ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ቴክኒክን ከምዝተኣሰሩ እዩ ገሊጹ።
ብዛዕባ እዚ ተፈጺሙ ዝተባህለ ማእሰርቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።
ኦኤምኤን ሃለዋት ናይቶም ብፌደራል ፖሊስ ተቐይዶም ዝበሎም ሰራሕተኛታቱ ከምዘይፈልጥ'ውን ገሊጹ።
እቲ መደብር ቴሌቪዥን፡ ሎሚ ንጉሆ ምስ ቅትለት ውሩይ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝዛመዱ ትሕዝቶታት ከሕልፍ እዩ ውዒሉ።
ነቲ ቅትለት ስዒቡ ንዝተልዓሉ ተቓውሞታት'ውን ይጽብጽብ ነይሩ።
ቅትለት ሃጫሉ ዘስዓቦ ዘይምርግጋእ
ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ሙዚቀኛ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣጋጢሙ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮሚያ ድማ ድሮ ዕግርግርን ወጥርን ነጊሱ'ሎ።
ኣብ ከተማ ጭሮ፡ ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝነበሩ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ኣዳማ ድማ፡ ዕግርግር ከምዝተልዓለ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣብ'ታ ከተማ ገለ ህንጻታት መንግስታዊ ቤት ዕዮታት ከምዝተባርዑ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣዳማ፡ ንተቓውሞ ናብ መደብር ቴሌቪዥን ኦቢኤን ዝኸዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ፖሊስ ጥይት ብምትኳስ በቲንዎም።
ኣብ መንጎ'ዚ፡ ሓደ ሰብ ከምዝቖሰለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።
ትውልዲ ከባቢ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝኾነት ጅማ'ውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዱ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብትርቲ ዝሓዙ ብዙሓት መናእሰይ፡ ንሬሳ እቲ ውሩይ ድምጻዊ ዓጂቦም ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ቁጠዐኦም ይገልጹ ነይሮም።