እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኦሮምያ ከተማ ኣዳማ፡ ሸውዓተ ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም
ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ሰኑይ ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ምስተቐትለ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ተቓውሞታት ተወሊዖም። ዛጊድ ድማ፡ ኣብ ከተማ ኣዳማ ጥራይ ሓሙሽተ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ከተማ ኣዳማ፡ ብሰንኪ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተወለዐ ናዕቢ 5 ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ከም ዝተቐትሉ ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ኣዳማ ዶ/ር መኮንን ፈይሳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ከተማ ጭሮ ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
እቶም 5 ሰባት ቅድሚ ናብቲ ሆስፒታል ምብጽሖም ከም ዝሞቱ'ውን ጠቒሱ።
ብዘይካ'ዚ፡ 75 ዝቖሰሉ ኣብቲ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ። ካልኦት 19 ዝቖሰሉ ካብ ዴራ ዝተባህለ ቦታ ዝመጽኡ ኣብቲ ሆስፒል ተዓቚቦም ከም ዘለዉ ዶ/ር መኮንን ሓቢሩ።
እቶም ናዕበኛታት ኣብታ ከተማ ዘለዉ ህንጻታት መንግስቲ ከምዘዕነዉ ነበርቲ ናይታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ
እቲ ውራይ ሙዚቀኛ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወረዳ 4፡ ፍሉይ ስሙ ገላን ኮንዶሚንየም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለ፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ጌቱ ኣርጋው፡ ኣብ መንግስታዊ ተሌቪዥን ብምቕራብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ገለ ጥርጡራት ከም ዝተኣስሩ" ብምግላጽ፡ ኣባላት ፖሊስ ኣብታ ከተማ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ተዛሪቡ።
ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ሃፀይ ሚኒሊክ ኣመልኪቱ ብዝሃቦ ርእይቶ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ።
እቲ ኮሚሽነር፡ ህዝቢ ክሃድእን፡ ሰብመዚ ጸጥታ ነቲ ቅትለት ብዝግባእ ክምርምርዎ ምዃኖምን፡ ውጺኢቱ ድማ ብወግዒ ክግለጽ ምዃኑን ኣፍሊጡ።
ድሕሪ'ዚ ቅትለት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብሞት እቲ ሙዚቀኛ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዝርዝር ናይ ፖሊስ ጸብጻብ ይጽበ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ "ንመጠን ናይዚ ፍጻመ ብምርዳእ፡ ኣብ ሃገርና ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ትኹረት ሂብና ኣብ እንከታተለሉ እዋን ንርከብ" ኢሉ።
ብተመሳሳሊ፡ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ኢትዮጵያ ኣዳነች ኣቤቤ "ንሃጫሉ ዝቐተለ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ካብ ሕጊ ከምልጥ ኣይክእልን" ኢላ።
ወሲኻ ድማ "ኣብዚ ክፉእ ተግባር ዝተሳተፉ ብሕጊ ናይ ኢዶም ክረኽቡ እዮም" ኢላ።
ፖሊስ፡ ነቲ ቅትለት የጻርዮ ምህላዉን፡ ውጽኢት ንህዝቢ ከምዘፍልጥን ገሊጹ'ሎ።
ቅትለት ሃጫሉ ዘስዓቦ ዘይምርግጋእ
ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ሙዚቀኛ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣጋጢሙ ዝነበረ ኾይኑ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ኦሮሚያ ድማ ድሮ ዕግርግርን ወጥርን ነጊሱ'ሎ።
ኣብ ከተማ ጭሮ፡ ኣብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝነበሩ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ። ኣብ ከተማ ኣዳማ ድማ፡ ዕግርግር ከምዝተልዓለ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣብ'ታ ከተማ ገለ ህንጻታት መንግስታዊ ቤት ዕዮታት ከምዝተባርዑ፡ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣዳማ፡ ንተቓውሞ ናብ መደብር ቴሌቪዥን ኦቢኤን ዝኸዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ፖሊስ ጥይት ብምትኳስ በቲንዎም።
ኣብ መንጎ'ዚ፡ ሓደ ሰብ ከምዝቖሰለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም።
ትውልዲ ከባቢ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝኾነት ጅማ'ውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሎሚ ንጉሆ ኣብትርቲ ዝሓዙ ብዙሓት መናእሰይ፡ ንሬሳ እቲ ውሩይ ድምጻዊ ዓጂቦም ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ቁጠዐኦም ይገልጹ ነይሮም።
'ክንቀትለካ ኢና' ዝብል መልእኽቲ
ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ቢቢሲን ካልኦት መራኸብቲ ሓፋሽን ቅድም ክብል ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት 'ክንቀትለካ ኢና' ዝብል መልእኽትታት ይበጽሖ ምንባሩ ገሊጹ ነይሩ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምስ ኦሮሚያ ሚዲያ ኔትዎርክ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ሃጫሉ "እናተቓለስኩ እየ ዝነብር ዘለኹ" ብምባል ብቐጻልነት ክንቀትለካ ኢና ዝብል መልእኽታት ከምዝበጽሖ ተዛሪቡ እዩ።