"ኦሮሞ ዘይብሉ ስልጣን ኣብ ታሪኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ የለን"

ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘለዋ ከባቢታት ኦሮሚያ ቡራዩ፣ ሰበታን ሱሉልታን፡ ኣብቶም ዝሓለፉ መዓልታት ህዝቢ ክስለፍ ቐንዩ።

ኣብ ከም ወለጋን ነቀምንትን ዝበላ ከተማታት ምዕራብ ኦሮሚያ ድማ ተመሳሳሊ ሰልፍታት ተራእዮም።

እዞም ዝካየዱ ዘለው ሰልፍታት ሰላማዊ'ዮም'ኳ እንተተብሃለ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ግን ጉድኣት በጺሑ'ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ቤንሻንጉልን ኦሮሚያን ብዝተፈጥረ ግጭት ፖሊስ ኦሮሚያ ብምማቶም፡ ነበርቲ ኦሮሚያ ተቓውመኦም ብሰልፊ ገሊጾም።

እዚ ቕትለት ፖሊስ ንምኹናን ብዝብል ዝጀመረ ሰልፊ፡ ሞትን ምምዝባልን ጠጠው ይበል፣ ህዝቢ ኦሮሞ ንዝሓለፉ ዓመታት ዝተቓለሰ ጸገም ኦሮሞ ንምፍታሕ'ምበር፡ ኦሮሞ ናብ ስልጣን ንምውጻእ ኣይኮነን ዝብሉ ሓሳባት ኣንጸባሪቑ'ዩ።

ምኽትል ኣቦ መንበር ኦሮሞ ፌደራሊስተ ኮንግረንስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ፡ መንግስቲ ዕዮ ገዝኡ ብዘይ ምስርሑ ህዝቢ ናብ ኣደባባይ ክወጽእ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ ይብሉ።

መንግስቲ ደሕነት ህዝቢ ክሕሉ ብዘይምኽኣሉ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ንሰላማውያን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም የመዛብሉ ምህላዎም ይዛረቡ።

ንሶም ከምዝብሉዎ፡ መንግስቲ መንነት እቶም ዕጡቓት እናፈለጠ ትም ምባሉ፣ ደሕንነትን ሰላምን ዜጋታት ናይ ምሕላው ግቡኡ ብዘይ ምፍጻሙ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ተቓውምኡ ንምስማዕ ናብ ኣደባባይ ክወጽእ ተገዲዱ'ዩ።

መንግስቲ እዚ ምግባር ዘይኽኣለሉ ምኽንያት ዓቕሚ ስለ ዝስኣነ ዘይኮነ፡ ብድሕሪት ሸለልትነት ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልሒት (ቅማረ) ከይኾነ ኣይተርፍን'ውን ይብሉ።

"ደሕነት ዜጋታት ምሕላው ዝተስኣኖ መንግስቲ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን" ይብሉ ኣቶ ሙላቱ።

ከም ኣገላልጽኦም ድማ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኦሮሞ መንግስቲ ክሕልወኒ ኣይኽኣለን'ዩ ዝብል ዘሎ።

"ዝኾነ ዕጡቕ ወይ በዓል ጉልበት ተላዒሉ ነቲ ኻልእ ካብ ገዝኡ እንተመዛብል፣ ንብረቱ እንተቃጽልን እንተዕኑን፡ እዚ መን'ዩ ዝፍጽሞ ዘሎ መንግስቲ ይፈልጥ'ዩ። ምክልኻል ዝከኣል'ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ግን እዚ ዕይኡ ይፍጽም የለን"።

ብተመሳሳሊ 'ኣክቲቪስት' ለሚ ቤኛ፡ ሰልፊ ተቓውሞ ክልል ኦሮሚያ ክልተ ነገራት ማእኸል ዝገበረ'ዩ ይብል።

እቶም ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ብዝተፈጠሩ ግጭታት ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ምምዝባሉ፣ ህይወት ኣማኢት ምጥፍኡን፡ ኣብ ቀረባ ድማ ፖሊስ ብምማቱ፡ መንግስቲ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ዝሓቱ'ዮም በሃሊ'ዩ።

ስለዝኾነ፡ እቶም ንሰልፊ ዝወጽኡ ዘለው ሰባት፡ ምምዝባልን ሞትን ጠጠው ይበል ዝብል ምኻኑ የረድእ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ተቓውሞ ኦሮሚያ፡ ነቲ ለውጥን መራሕቱን ኣብ ስግኣት ከጥሕል ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ዘለዎም'ኳ እንተሃለው፡ 'ኣክትቪስት' ለሚ ግን ብዚ ኣይሰማማዕን።

መንግስቲ፡ እቲ ጸገም ዝፈጥሩ ዘለው ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዘለው ነቲ ለውጢ ዘይድግፉ ኣካላት'ዮም ዝብል ምኽንያት'ኳ እንተቕረበ፡ ትኹረት ክወሃቦ ዝግባእ ግን እቲ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ዓቕምን ስልጣንን ዘለዎ መንግስቲ፡ ደሕነትን ሰላምን ዜጋታቱ ምሕላው ዘይኽእል ምኻኑ'ዩ ኢሎም ኣቶ ሙላቱ።

መንግስቲ ኢህወደግ፡ ብፍላይ ኣብ ኦሮሚያ ተቐባልነት ዘይብሉ ምስ ምኻኑ ተዛሚዱ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኦሮሞ ምኻኑ ሕቶ እቲ ህዝቢ ክምልስ'ዩ ዝብል ኣረኣእያ ግጉይ ምኻኑ'ውን ይገልጹ።

"ብሄሮም ኦሮሞ ዝኾኑ ሰባት ዝተፈላለዩ ቦታታት እቲ ፌደራል ስርዓት'ኳ እንተሓዙ፡ ሕቶ እቲ ህዝቢ ክምልስ እንተዘይኽኢሉ ግን ትርጉም የብሉን። ቅድሚ ሕዚ'ውን ኦሮሞ ዘይብሉ ስልጣን ኣብ ታሪክ መንግስቲ ኢትዮጵያ የለን" ብምባል ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ስልጣን ኣይኮነን ኢሎም የረድኡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ኦሮሞ ዝሓቶ ዘሎ ሕቶታት፡ ሞትን ምምዝባልን ጠጠው ይበል፣ ምርግጋእ ይምጻእ ዝብል'ዩ ዝብሉ ኣቶ ሙላቱ፡ እዚ ምስ ዝፍጸም ጥራሕ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝበጽሐ ግፍዒ ክድበስ ከምዝኽእል የመላኽቱ።

መፍትሒ ኢሎም ዘቕርቡዎ ሓሳብ ድማ፡ መንግስቲ ንብሕቱ ዘይኮነ፡ ተቓወምቲ ውድባት ዘሳተፈ፡ ህዝቢ ዘይድግፎም ኣመራርሓ ብምልጋስ ምርግጋእ ምፍጣር ይከኣል'ዩ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ትካላት ዲሞክራሲ ክህነጹ፣ ዓፈንቲ ዝበሃሉ ሕግታት ክመሓየሹን ህዝቢ ኦሮሞ ዝኣምነሎም ኣመራርሓ ገዳ ክሳተፉ ክግበርን ኣለዎ ኢሎም።

ለሚ ብወገኑ፡ ንዓመታት ዝተዋህለለ ጸገም ኣብ ሓንቲ ጸሓይ ክፍትሑ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ ከምዘይኣምን ብምግላጽ፡ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ሓይልታት ጸጥታን ክሰፍሩን ሓላፍነትን ክወስዱ ዝግብኦም ድማ ናብ ፍትሒ ክቐርቡን ክግበር ኣለዎ ኢሉ።