እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሶርያውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይልምኑ
ኣዲስ ኣበባ ቀደሙ እውን ስኡናት ዝበዝሕዋ ከተማ እያ። ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ሶርያውያን ነዳያን ምርኣይ ግን ዘይተለመደ እዩ።
ኣዕራብ ኢዶም ዘርጊሖም ምጽዋት እንትሓቱ ዝተዓዘቡ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ መዘራረቢ እንተገበርዎ እውን ኣየገርምን።
ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል እቲ ዝኸፍአ ህልቂት ኣብ ምድሪ ሶርያ እዩ ኣጋጢሙ። ፍርቂ ሚልዮን ህዝባ ኣብ ኩናት ሕድሕድ ተወዲኡ። ካብ ጠቕላላ ህዝባ እቲ ፍርቂ ተመዛቢሉ።
ካብቲ ሾመንተ ዓመታት ዝገበረ ኩናት ሶርያ ዝሃደሙ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ኣጽሊሎም እዮም፤ ውሑዳት ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሓት ስደተኛታት ሶርያ ዝርከቡላ ሃገር ግብጺ እያ። ሊብያ፣ ኣልጀርያን ሱዳንን ድማ ኣስታት 33 ሽሕ ስደተኛታት ኣዕቑበን እየን።
ኣብ መላእ ዓለም ፋሕፋሕ ካብ ዝበሉ ሶርያውያን ገሊኦም ኣብ ቀረባ እዋን መሬት ኢትዮጵያ ረጊፆም ኣለዉ።
"ክትሕግዙና ንምሕጸነኩም"
ኣናስ መሐማት ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዩ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ። ስድርኡ ሒዙ ካብ ንጉሆ ክሳብ ጸሓይ እትጸድቕ ንምጽዋት ኢዱ ይዝርግሕ።
ዓረብኛ ጥራይ እዩ ዝዛረብ። ብሓደ ኢዱ ህጻን ቆልዓ፡ በቲ ካልእ ኢዱ ድማ ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ዝተጽሓፈ ሓግዙና ዝብል ምሕጽንታ እናርኣየ ይውዕል፤ ኣብ ከባቢ ኣትላስ።
እቲ ጽሑፍ "ንሕና ኣሕዋትኩም ካብ ሶርያ ኢና ተሰዲድና መጺእና። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጸገም ስለዘለና ዝዓቕምኹም ክትሕግዙና ብስም ፈጣሪ ንምሕጸነኩም" ዝብል እዩ።
"...ብህይወት ክንጸንሕ ኢና ንቃለስ ዘለና። ኣብ ጎደናታት፣ ጥቓ መብራህቲ ትራፊክን ከባብታት መስጂድን ኢና ንልምን። ተዘይንልምን ደስ ምበለና ነይሩ። ኮይኑ ግና ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ፈጣሪ ይሓግዘና...." ክብል ኣናስ ንወኪል ቢቢሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪብዎ።
"ሕልናይ ኣይቀሰነን"
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብዙሓት ሶርያውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ይሓትቱ ኣለዉ።
ክንደይ ሶርያውያን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ብወግዒ ኣይፍለጥን፤ መንግስቲ ድማ ምዝገባ የካይድ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ሶርያውያን ዝረኣዩ ወለንታውያን ክቐስኑ ኣይከኣሉን። ካብዞም ወለንተኛታት ሓንቲ ኣይሻ መሐመድ እያ።
"ዘሕዝኑ ህዝቢ እዮም። ናብዚ ምስመጹ ንሕግዞም ኢና ዘለና። ብዓቕምና ኮቦርታ፣ መግቢን ክዳውንትን ንልግሰሎም ኣለና። ካልኦት እውን ብዓቕሞም ክሕግዝዎም ንሓትት ኣለና። ኣናእሽቱ ቆልዑ ኣለውዎም። ቋንቋ ድማ ኣይክእሉን።"
ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ቢንያም ታምሩ ድማ ነተን ህጻውንቲ ሒዘን ዝንከራተታ ኣደታት ሶርያ ሪኡ ኣይቀሰነን።
"ህጻውንትን ኣደታትን ከምዚ ክንገላትዓ እናረኣኹ ሕልናይ ክቐስነለይ ኣይከኣለን። ዘለኒ ከካፍል ኣይስስዕን፤ ዋላኳ ንእሽቶ እንተኾነ። 20 ቅርሺ እንተልዩኒ 10 ይህቦም" ይብል።
ሩስያን መንግስቲ ኣሳድን ጎንጺ ስለዝቐነሰ፡ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይሓትቱ ኣለዉ። እንተኾነ ግን እዞም ልዕሊ 5 ሚልዮን ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጋእ መጋእ ይብል ኣለዉ።
ነባሪ ሰላም ከይመጸ ናብ ዓዶም ምምላስ ስለዘስገኦም ኣብ እንዳማቶም ይንከራተቱ ኣለዉ።
"እንታይ እሞ ክግበር፤ ከምዚ ኣይነበርናን። ሕዚ ዘለናሉ ከነታት ግን እዚ እዩ። ኢትዮጵያውያን ዝከኣሎም ክገብሩልና ኢና ንምሕጸን" ይብል ኣናስ።
ንኣናስን ስድርኡን ሶርያ እትበሃል ሃገሮም ናይ ርሑቕ ዝኽሪ ኮይናቶም ኣላ።