እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቕትለት ኻሾጊ፡ ሓደ ኣባል ሰኔት ኣሜሪካ ንንጉስ ስዑዲ "ጽሉል ኢሉዎ"
ሓላፊ ሲኣይኤይ፡ ጂና ሃስፐል፡ ብዛዕባ ቅትለት ካሾጊ መብርሂ ምስ ሃበቶም፡ ሓደ ኣባል ባይቶ እቲ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ስዑዲ "መዕነዊ፣ ጽሉልን ሓደገኛን" ኢዩ ኢሉ።
ካልእ ኣባል ባይቶ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ካሾጊ ሬሳ ዘካየድዎ ምጉዝዛይ ኣመልኪቱ፡ ኣብቲ ቅተለት ሽጉጥ ዘይኮነ መጋዝ እዮም ተጠቒሞም ኢሉ።
ኣባላት ሴኔት፡ ድሕሪ መብርሂ ትካል ስለያ ኣሜሪካ፡ ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ኣብ ቅተለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ተራ ከም ዝነበሮ ዚያድ ርግጸኛታት ምዃኖም ገሊጾም።
ኣብቲ ሴኔተር ሊንድሰይ ግርሃም ዝሃቦ ዘየናሕሲ መግለጺ፡ ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ኣብ ቅተለት ጀማል ካሾጊ ምትሕብባር ከም ዝነበሮ ዓቢ ምትእምማን ከምዘለዎ ገሊጹ።
ኣባል ሴኔት ሰልፊ ሪፓብሊካን ሳውዝ ካሮላይን ሊንድሰይ ግርሃም'ውን፡ ነቲ ናይ ስዑድ ዓረብ ንጉሳዊ ቤተሰብ "መዕነዊ፣ ጽሉልን ሓደገኛን`` ሰምይዎ።
ስዑድያ 11 ሰባት ናብ ፍርዲ ክተቕርቦም ከላ፡ ኣብቲ ቅትለት ኣሎ ንዝተብሃ ተሳትፎ ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ግና ነጺጋቶ።
ኣባላት ሴኔት እንታይ ኢሎም?
ድሕሪ መግለጺ ዳይሬክተር ትካል ስለያ ኣሜሪካ ጂና ሃስፐል፡ ሊንድሰይ ግራሃም፡ ኣብቲ ቅትለት ``ዝተክኽ ሽጉጥ ዘይኮነ ዝተክኽ መጋዝ`` ኢዮም ተጠቒሞም ኢሉ።
ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ኣብ ስልጣን ስጋብ ዘሎ፡ ኣሜሪካ ንስዑድ ዓረብ እትህቦ ሓገዝን እትሸጠላ ኣጽዋርን ከም ዘይድግፍ ሴኔተር ግርሃም ገሊጹ።
ኣባል ሴኔት ሰልፊ ዴሞክራት፡ ቦብ ሜኔንደዝ ድማ ኣሜሪካ "እቲ ዝተፈጸመ ቅተለት ብደረጃ ዓለም ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ብንጹርን ዘየወላውልን መንገዲ መልእኽቲ ክትሰደሎም ኣለዋ" ኢሉ።
ኣባል ሴኔት ሰልፊ ሪፓብሊካን ግዝእት ቴኔሲ ድማ ``እቲ ወራስ ዓራት ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ እንተዝቐርብ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ገበነኛ ተባሂሉ ምስተፈርደ`` ኢሉ።
ሴኔተር ቦብ ኮርከር ንጋዜጠኛታት ከም ዝሓበሮም ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን-ስልማን ብዘይምኹናኑ ነቲ ቅትለት ደጊፍዎ ማለት ኢዩ ኢሉ።
መንግስትና ብዛዕባ ተሳትፎ መራሕቲ ስዑድያ ኣብቲ ቅትለት ናይቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ዝነብረ ጋዜጠኛ ዝፈልጥ እንተድኣ ነይሩ፡ ስለምንታይ እቲ ህዝቢ ነዚ ዘይፈልጥ ኢሎም እቶም ኣባላት ሴኔት።
ትካል ስለያ ኣሜሪካ እንታይ ኢሉ?
እቲ ትካል፡ ሙሓመድ ቢን-ሰልማን ነቲ ናይ ካሾጊ ቅትለት ክካየድ ``ምናልባሽ ኣዚዙ ይኸውን`` ኢሉ።
ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ግና፡ እቲ ትካል ስለያ ዝረኸቦ ሓበሬታ ናይ መወዳእታን ወሳንን ኣይኮነን ክብል'ዩ ገሊጹዎ።
ብዝኾነ ኣባላት ሴኔት ኣብ ልዕሊ ዋይት ሃውስ ጸቕጢ ብምግባር ነቲ ወራስ ዓራት ክኹንንዎ ይጽዕቱ ከም ዘለው ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ዋሺንግቶን ባርበራ ፕሌት ኡሸር ገሊጻ።
እዚ እንተድኣ ዘይሰሊጥዎም ድማ ብውልቆም መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅሉዕ ግህሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ክትጻወር ከም ዘይትኽእል ዝሕብር መልእኽቲ ክሰዱ ዘኽእሎም መንገድታት የናድዩ ከምዘለው ሓቢራ።
ገለ ካብቲ ክወስድዎ ዝህቅኑ ዘለው ስጉምትታት ድማ፡ ኣሜሪካ ንስዑድ ዓረብ ትሸጠላ ኣጻውር ደው ክብል ወይ`ውን ጨሪሱ ክዕገት ኢዩ።