ኮሮናቫይረስ፡ ዊስኪ ጥራይ ዝሰረቑ ደቡብ ኣፍሪቃውያን

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ንመሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ዳግማይ ከም ዝኣገደት ይፍለጥ።

ትማሊ ሰሉስ ግን፡ ኣብ ኬፕታውን ዝርከብ ሓደ ዓብዪ መኽዝን ዊስኪ ከም ዝተዘምተ ተሓቢሩ።

ዋና እቲ መኽዘን ማርክ ካልነድ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ሰረቕቲ ነቲ ዊስኪ ዳርጋ ብምልኡ ሒዞምዎ ከም ዝኸዱ ሓቢሩ።

እቶም ሰረቕቲ፡ ነቲ ናይ መኽዘን ማዕጾ ብመኪና ሰይሮም ከም ዝኣተው ክግለጽ እንከሎ፡ እንትርፎ ዊስኪ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ኣልኮላዊ መስተ ከም ዘይሰረቑ ዋና መኽዘን ተዛሪቡ።

ንሱ፡ እዚ ፍጻመ ሰባት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለው ዘርኢ'ዩ ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ዳግማይ ምእጋድ ኣልኮላዊ መስተ ነቲ ኣብ ልዕሊ ጥዕናዊ ትካላት ዝግበር ጸቕጢ ከጉድሎ ይኽእል'ዩ ኢሉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ሰሙን 40,000 መጉዳእቲ ናይ ሰባት ክምዝገብ እንከሎ፡ እቲ 40 ሚኢታዊት ድማ ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዘጋጠመ ይሕበር።

ኣብዚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘለወሉ እዋን እቲ ጥዕናዊ ትካላት ካልእ ተወሳኺ ሸኽሚ ክጻወር ከም ዘይክእል ይግለጽ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብተን ኣብ ኣፍሪቃ ብዝያዳ ብኮቪድ-19 ተሃሲያ ዘላ ሃገር ኮይና፡ ዛጊት 275,000 ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

ብሰንሲ እዚ ቫይረስ ልዕሊ 4,000 ሞይቶም ከም ዘለውን፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ናብ 50,000 ክድይብ ከም ዝኽእልን ጸብጻባት መንግስቲ የመልክቱ።